ኣኼባ ኣባላት ሰዲህኤ ጨንፈር ደቡብ ጀርመን

2018-02-20 22:15:53 Written by  ሽማግለ ጨንፈር Published in EPDP News Read 2524 times

ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤሪትራ ጨንፈር ደቡብ ጀርመን ብዕለት 17 ለካቲት 2018 ምዱብ ኣኼባኦም ኣካይዶም። እቲ ኣኼባ መብዛሕትኦም ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤሪትራ ጨንፈርደቡብ ጀርመንዝተረኽብሉ ኣኼባ እዩ ነይሩ

ኣኼባ ብኣቦ-መንበር ጨንፈር ሓው ተኽልዝጊ ሚካኤል ንህልዊ ኲነታት ሰልፍን ደምበ ተውሞን ብዝምልከት ዘቕረቦ መግለጺ እዩ ተጀሚሩ። ምስዚ ብምትሕሓዝ ብመጀመርታ ኣብ ውሽጣዊ ኩነታት ሰልፊ ዘትኮረ ሰፊሕ ምርድዳኣ ድሕሪ ምክያድነቲ ኣብ ሰሜን ኤምሪካ ዝጽንሐ ጸገማትን ንምፍትሑ ዝተኻተዱ ጽዕርታትን ብግቡእ ዳህሲሶም። ኣባላት ነቲ ኣብ መጨርሽታ ዝተወስደ ኣማራጺ ሓድሽ  ዞባዊ ስርርዕ ድማ ደገፎም ገሊጾም።

ብምቕጻል ነቲ ብሰልፊ ዲምክራሲ ህዝቢ ኤሪትራ ዝቀረበ እማመ ሐባራዊ ጽላል ንምቋም  ዕድምበዚ ኣቢልካ ድማ ሓባራዊ ስራሕ ንምክያድ ለመ እማመ፡ ኣብዚ እዋንዚ ብገለ ውድባት ጠመተ ይረክብ ብምህላዉ፡ ክተባባዕን ዝያዳ ክሰፍሕ ከምዝግባእ ድማ ኣስሚረምሉ።

ኣብ መጨረሽታ ነቲ መሪሕነት ሰልፊ ኣውጽኢዎ ዘሎ መደባት ንምዕዋት ናይ ገንዝብ ወፈያ ብምጅማር 795,00 ኤውሮ ኣብቲ ኣኼባ ውጺኦም ገና እቲ ወፈያ ቀጻሊ ላዉ እውን ኣረጋጊጾም።

ብዘይካዚ ኣብቲ ከባቢ ንዝካይ ሓባራዊ ናይ ህዝቢ ምልዕዓላትን ምንቅስቓሳትን ንምዕዋት ካብ ኣባላት ዝሕተት ኩሉ መዳያዊ ምትሕብባር ንከበርክቱ ብምርድዳእ ኣኼባ ተደምዲሙ።

ሽማግለ ጨንፈር

Last modified on Tuesday, 20 February 2018 23:24