ጨንፈር ሰዲህኤ ፍራንክፎርትን ከባቢኣን ናይ 2017 ደምዳሚ ኣኼባኡ ኣካይዱ

2017-12-12 19:40:35 Written by  ሽማግለ ጨንፈር Published in EPDP News Read 4101 times

ጨንፈር ሰዲህኤ ፍራንክፎርትን ከባቢኣን ደምዳሚ ኣኼባ ናይ 2017፡ ብዕለት 10 ታሕሳስ 2017 ኣካይዱ። እቲ ኣኼባ ብኣቦ መንበር ጨንፈር ሓው ታደሰ ኣስመላሽ ሰላምታን ሰናይ ምንዮትን ድሕሪ ምኽፋቱ፡ ነቲ መዓልቲ ኣብ ዝተታሕዙ ኣጀንዳታት ተኣትዩ።

ካብ ዝተሰርዑ  ኣጀንዳታት፡-

1 - እዋናዊ ሰልፋውን ዞናውን ሓበሬታታት፤

2 - ስርዓት ህግደፍ  ዝፍጽሞ ዘሎ ምግሃስ ሃይማኖታዊ ምምሕዳርን ኢድ ኣእታውነትን፤

3 - ግደ መራሕቲ ሃይማኖትን ትካላቱን ኣብ ፍትሕን፡ ሰላምን፡ ማዕርነት ደቂ-ሰባትን ዝብሉ ኔሮም።

ብመሰረት ዝቐረበ ዛዕባታት ኣኼባ፡ እዋናዊ ሓበሬታታት ምልውዋጥ ተኻይዱ። ብፍላይ ድማ ኣብዚ ቅንያት እዚ ኣብ መንጎ መራሕቲ ኣፍሪቃውያን ሃገራትን ሕብረት ኤውሮጳን ክካየድ ዝቐነየ ንጉዳይ ስደተኛታት ዝምልከት ኣኼባታት ድሕሪ ምዝርራብ፡ ንሕና እቶም ቀንዲ ሰብ ጉዳይ ዝኾና ኣብ ስደትን ምብትታንን ንርከብ ኣህዛብ፣ ሽግራትና ኣብ ምፍታሕ ብዝያዳ ተጠርኒፍናን ተቢዕናን ክንቃለስ ኣሎና ክብል ኣኼበኛ ተማሕጺኑ።

እብዚ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ኣብ ምሉእ ዓለም ዝነብሩ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ፡ ኣብ ዘዝቕመጡሉ ሃገራት፡ ነቲ ስርዓት ህግደፍ ዝገብሮ ዘሎ ኢድ ምትእትታው ኣብ ሃይማኖታዊ ትካላትን ምእሳር ኣማሕደርቱን ብምቅዋም ጽዑቕ ሰላማዊ ሰልፍታት ከካይዱ ወሪሖምዮም። ኣኼበኛ ድማ ነዚ ጉዳይዚ መበገሲ ብምግባር፡ ንኹሉ ስርዓት ህግደፍ ዝገብሮ ዘሎ ገበናት ናይ ምእሳር መራሕትን ኣመንትን ዝተፈልለያ ሃይማኖታት፡ ምፍራስን ምውራስን ሃይማኖታዊ ትካላትን፡ ክሳብ ንኣገልገልቲ ሃይማኖት ገፊፍካ ናብ ወታሃደራዊ ኣገልግሎት ምውሳድን ብረት ምዕጣቖምን ዘይንቡር ነውራም ተግባራት ብምቅዋም፥ ህዝቢ ኤርትራ ድማ ንኩሉ ዓይነት ብዙሕነታቱ ብምክብባር ተጠርኒፉ ንመሰሉ ክቃለስ ከም ዘለዎ ኣማራጺ ዘይብሉ መገዲ ሰላም ምዃኑ ኣኼበኛ ተመልኪቱ። ስርዓት ህግደፍ ዝገብሮ ዘሎ ሃማኖታዊ ፍልልያት ንምግፋሕን ግርጭታት እንዳፈጠርካ ምንቛትን ብስም ሃይማኖት ምትላልን ድማ፡ ህዝቢ ክነቕሓሉን ተጠርኒፉ ክምክቶን ከም ዘለዎ ኣኼበኛ ኣስሚሩሉ።

Frankfurt Barnch Last meeting 10122017

ብመንጽር እቲ ህግደፍ ኣብ ሃይማኖታዊ ትካልትን ምምሕዳሩን ዝኽተሎ ዘሎ ናይ ዓመጽን ግህሰታትን ፖሊሲ፡ ሰዲህኤ ግን፡ ሃይማኖትን መንግስትን ክልተ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ምዃኖም ብምርግጋጽ፣ ሰኩልያር ስርዓተ-መንግስቲ ንምህናጽ ኣብ መንጎ ሃይማኖትን መንግስትን ኢድ ምትአትታው  ክህሉ ከም ዘይብሉ ይኣምን። ከም መቐጸልታ ናይዚ ድማ ሰ.ዲ.ህ.ኤ. ሓያልን ኣዎንታዊ አምንቶኡን ኣብ ሃይማኖታዊ ናጽነት የረጋግጽን፣ ሃይማኖት ኣብ ዉልቀን  ሕብረተሰብን ዘለዎ ክብርን ጽልዋን ድማ ይፈልጥን የኽብርን ክብል፡ ሓደ ኣብ ጉዳይ እቲ ሓደ ኢድ ከእቱ ከም ዘይግባእ ኣብ ፕሮግራሙ ኣስፊሩዎ ምህላዉ ዓንቀጽ ብምጥቃስ ተረጋጊጹ።

መንግስቲ ይኹን ገዛእቲ ሓይልታት፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ንዘርእይዎ ዓመጽ፡ መራሕቲ ሃይማኖት ከም ደቂ ሃገር ኩሉ ሃገራዊ ጉዳይ ስለዝምልከቶም ብኣገባቦም ህዝቢ ንኸይብደልን፡ ሰላምን ፍትሕን ንኽነግስን፡ ህዝቢ ክምህሩን ክቃወሙን ሃይማኖታዊ ተልእኾኦም እዩ። ኣብ ተሞክሮ ቃልስና ይኹን ተሞክሮ ናይ ዓለም ቃልስታት እንተረኣናውን ብዙሓት ናይ ሃይማኖት መራሕቲ ኣብ ጎድኒ ህዝቦም ኮይኖም ንፍትሒ ተጣቢቆም እዮም። ኣብ መስርሕ ብረታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ ክሳብ ብረት ተሰኪሞም ኣብ ዓውደ ኲናት  ምእንቲ መሰል ውጹዕ ህዝቦም ዝተሰዉኡ መነኮሳት ምንባሮም፡ ሕጂውን መራሕትን ኣመንትን ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ንፍትሕን መሰልን ህዝቦም እናተጣበቑ ብስርዓት ህግደፍ ዝወርዶም ዘሎ ግፍዒ ማእለያ ከምዘይብሉ ኣኼባ ኣረጋጊጹ ንዘርእይዎ ዘለዉ ተባዕ መከተን ተወፋይነትን ድማ ንኢዱን ኣመስጊኑን።

ድሕርዚ፡ ናይ 2018 ፈላሚ ኣኼባ ዕለትን ሰዓትን ብምሕባር ኣኼባ ብዝኽሪ ስዉኣት ተደምዲሙ።


Last modified on Wednesday, 13 December 2017 21:24