ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ደንሃኽ ነዘርላንድ

2017-11-08 19:52:02 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2499 times

ነቲ ኣብ ዋና ከተማ ኤርትራ  ኣስመራ ፍሉይ ቦታ ኣኽርያ ብ31 ጥቅምቲ 2017 ኣብ ቤት ትምህርቲ ኣልዲያእ ኣልእስላምያ ብጨካን ጉጅለ ህግደፍ ዝተፈጽመ በደልን ግህሰትን ንምቅዋም ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ ንምድጋፍ ብ7 ሕዳር 2017 ኣብ ኔዘርላንድ ዝርከቡ ኤርትራውያን ኣስላምን ክርስትያንን ብሓባር ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።

ኣብዚ ልዕሊ ሓሙሽተ ሚእቲ ኤርትራውያን ዝተሳተፍዎ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ተሳተፍቲ ኣብ ቅድሚ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳያት ኔዘርላንድስ ዝተፈላለየ ጭረሖታት ኣቃሊሖም፡ ነቲ ሰልፊ ዘንጸባርቕ ጽሑፍ ኣቕሪቦም። ከም መልሲ ነቲ ዝቕረበ መዘክር ከኣ እቲ ጉዳይ ካብ ዝምልከቶም ኣካላት “ዓወት ንምነየልኩም” ዝብል ቅልጡፍ ናይ ደገፍ መልሲ ረኺቡ። ድሕሪ’ዚ እቲ ሰልፊ ናብ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብቲ ሃገር ኣምሪሑ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ኤምባሲ ኮይኑ፡ “ውድቀት ንዲክታቶርያዊ ሰርዓት፥ ሕጊ ይንገስ፥ መሰል ሃይማኖት ይከበር፥ ሰራዊት ምክልኻል ኣብ ጎድኒ ውጹዕ ህዝብኻ ደው በል፡ ህዝብኻ ክጭፍጨፍ ሱቕ ኢልካ ኣይትተዓዘብ፡ እሱራት ይፈትሑ ብፍላይ ከኣ ኣቦና ሓጂ ሙሳን እቶም ኣብ ሰላማዊ ሰልፊ ዝተታሓዙን ይፈትሑ፥ ሓድነትና ይደልድል” ዝብሉ ጭረሖታት ኣስሚዑ። ቀጺሉ ከኣ እቲ ኤርትራዊ ሰልፊ ናብ ፓርላማ ኔዘርላንድስ ተጓዒዙ ነቲ ጭረሖታት ዳግማይ ኣቃሊሕዎ።

እዚ ሰላማዊ ሰልፊ እዚ ብሓቂ ንሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ዝገልጽ፡ ኣመንቲ እስልምናን ክርስትናን ዝውከልን ናይ ሓባር ድምጾም ብሓባር ዘቃልሕሉን  ነይሩ።

Last modified on Wednesday, 08 November 2017 20:55