ጨንፈር ፍራንክፎርትን ከባቢኡን ስሩዕ ኣኼባኡ ኣካይዱ

2017-10-17 19:20:43 Written by  ሽማግለ ጨንፈር Published in EPDP News Read 3233 times

ጨንፈር ፍራንክፎርትን ከባቢኡን ብዕለት 15.10.2017 ወርሓዊ ስሩዕ ኣኼባኡ ኣብ ከተማ ፍራንክፎርት እዩ ኣካይዱ። እዚ ንክልተ ሰዓትን ፈረቓን ዝተኻየደ ኣኼባ፡ ብኣቦ መንበር ጨንፈር ብሰላምታን ብደሓን እንቋዕ መጻእኩም ብምባልን ምስ ተኸፈተ፡ ኣብቲ ነቲ ዕለት ተታሒዙ ዝነበረ ኣጀንዳታት ተኣትዩ።  

  1. እዋናዊ ሰልፋውን፡ ዞባውን፡ ኣህጉራውን ከምኡውን ኲነታት ደምበ ተቓውሞን ሓበሬታታት ምልውዋጥ፤
  2. ሰልፍና ዝተለሞ  መደባት ምሕዳስ ሰልፍን ክሳብ ሕጂ ተበጺሁ ዘሎ ኣወንታዊ ውጽኢታትን
  3. 17.09.2017 ዝተዛዘመ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶን ብድሕሪኡ ዝሰዓበ ናይ 07.10.2017 ኣኼባ ፈጻሚት ሽማግለን፤ ሰልፊ ዘውጽኦ ናይ ሓቢርካ ምስራሕ እማመን ኣብዝብሉ ኣጀንዳታት ድማ ኣኼባ ተዘራሪቡ።

እዚ ኣጀንዳታት እዚ ሓደ ብሓደ ተዘሪቡሉ። ብኣጋጣሚ ኣቦ መንበር ሰልፊ ተጋዳላይ መንግስተኣብ ኣስመሮም ኣብቲ ኣኼባ ብምስታፉ ድማ ብዛዕባ ኣኼባታት ማእከላይ ባይቶን ፈጻሚት ሽማግለን ሰፊሕ መብርሂ ሂቡ። ብድሕሪ መንእሰያት ኣብቲ ዝነበረ ኣጀንዳታት ሕቶታት እናኣልዓሉ ብአቦ መንበር ሰልፊ ይኹን ብኣባላት ኣዕጋቢ መልስታት እናተዋህበ መሃሪ ዝኾነ ጽቡቕ ምርድዳኣት ተኻይዱ።

ገለ ካብቶም ብፍላይ ብመንእሰያት ዝለዓሉ ዝነበሩ ርእይቶታት ድማ - ኣብ ግዜ ህግደፍ ጭቆናኡ ኣብ ልዕሊ ህዝብና እናኣትረሮ እኸይድ ምህላዉን፥ ኣብ ስደት መንእሰያት ክገብሩዎ ዝግባእ ነገራትን፥ መንእሰያት እቲ ኣብ ሃገሮም ዝተነፍጎም መሰል ኣብ ተሰዲዶሙሉ ዘለዉ ሃገራት ስለ ዝረኽቡዎ ዘለዉ፡ እዚ ዕድል ተጠቒሞም ክመሃሩን ክምዕብሉን ኣብ ስራሕ ክጽመዱን ከም ዝግብኦም፥ ጀርመናውያን ባዕሎም ኣብ ፓርላማ ብዛዕባ ሽግርና እናተዛረቡስ ንሕና ሽግር ከም ዘይብልና ኣብዘየድሊ ንነብስና ሃሰይቲ ነገራትን ክንኣቱን ክንበኣስን ክርእዩና ከለዉ ኣዝዩ ዘሕፍር ስለ ዝኾነ፡ ብሕጊ ምኻድን ምክብባርን ምጥርናፍን ጌርና ንመሰልና ክንቃለስ ኣሎና፥ መንእሰያትና ናብራ ምስ ስድርኦም ከይጸገቡሉ፣ ክሳብ ትሕቲ ዕድመ እንከለዉ እናተሰደዱን ክንርኢ ከሎና፡ ከም ኣቦን ከም ኣደን ኴንና ክንኣልዮምን ክንምዕዶምን ኣሎና ዝብሉ ኣረምቲ ሓሳባት ኔሮም።

ኣብ መወዳእታ ድማ መንእሰይ ክብሮም፡ ብዛዕባ እቲ መላኺ ኢሳያስ ኣብ ዝሓለፈ መግለጺኡ ‘‘ ካብዚ ዝሓለፈ ውግእ ብዙሕ ተማሂርና ኢና፡ ኣብቲ ግዜ ውግእ ኣብ ጎንና ዝነበራ ሃገራት ኣይነበራን፡ ስለዚ ከምዚ ኢልና ክንቅጽል ኣይንኽእልን ኢናብምባል ካብ እገዳን ካብ ተነጽሎን ክሃድም ዝገብሮ ዘሎ ምዕልባጥ ኣብሪሁ። ንህዝቡ እናኣጥመየን እናገፍዐን ድማ ነቲ ባዕሉ ዝፈጠሮ ስደት ብወለድን ብጸላእትን ከም ዝተፈጥረ ኣምሲሉ ንዞባ ደቡብ መግለጺ ብምሃብ ካብ ተሓታትነት ክሃድም እፍትን ምህላዉን ኣስፊሑ መግለጺ ሂቡ።

ኣብ መወዳእታ ድማ ኣኼበኛ ነቲ ብሰልፍና ዝካየድ ዘሎ ምሕዳስ ሰልፍን፡ ቅዋማውን ሕጋውን ዲሞክራስያውን ኣሰራርሓ ኣሞጒሱን ብጽንዓት ክንሕልዎ ከም ዘሎና ድማ ኣስሚሩሉ።፡ ነቲ ምስ ካልኦት ውድባትን ማሕበራትን ሓቢርካ ንምስራሕ ዝካየድ ዘሎ ፈተነታት  ድሕሪ ምምጓስ ኣኼባ ብዝኽሪ ስዉት ተደምዲሙ።

  

  

Last modified on Wednesday, 18 October 2017 12:40