መግለጺ ምትእስሳር ቤት ጽሕፈት ደቂ-ኣንስትዮ

2017-08-08 23:56:36 Written by  ምትእስሳር ቤት ጽሕፈት ደቂ-ኣንስትዮ Published in EPDP News Read 3284 times

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን
መራሕትን መሰረታትን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ
ክቡራትን ክቡራንን ዕዱማት ኣጋይሽ

እዚ ሎሚ ብኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ማሕበር ጀርመንን ምትሕብባር ጨናፍር ኤውሮጳን ዝተዳለወ ሰፊሕ በዓል ክዉን ንምግባር፥ ዝጸዓረት ኣሰናዳዊት ሽማግለ፡ ብስመይን ብስም ቤት ጽሕፈት ደቂ ኣንስትዮ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣናኣመስገንኩ ዕዉት ፈስቲቫል ክኸውን ሰናይ ትምኒተይ ይገልጽ።

ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ፖለቲካውን ብረታውን ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ዝጅምር ኣትሒዘን፥ ብውሽጥን ኣብ ሜዳን ተሰሊፈን ምስቲ ድርብ ወጽዓእን ምስ ኣሕዋተን ኮይነን ንጸላኢ መኪተን ተቓሊሰን ኣቃሊሰን ሃገር ኣዉሒሰን እየን። ካልኦት እውን ኣብ ሰዊት ዕድሚአን፥ ኣቦታተንን ኣሕዋተንን ኣብ ቃልሲ ምስተሓወሱ፡ ንስድራ ቤተን ንምእላይ ኣብ ዝተፋላለየ ሃገራት ዓለም ተስዲደን፡ ነቲ ሰውራ እዉን ዓቢ ናይ እኮኖሚ ሓገዝ ስጋብ መጨርሽታ ደኺምና ከይበላ ነቲ ቃልሲ ደው ዘበሎኦ እውን እየን።

ድሕሪ ናጽነት ስርዓት ህግደፍ፡ ንመብጽዓታት ጠሊሙ፡ ነታ ምእንቲ ናጽነት ሃገራ፥ ህይወታን ጕልበታን ንብረታን ዘወፈየት ኤርትራዊት ጓል ኣንስተይቲ፡ ዓሰርተ ሽሕ ናቕፋ ሂቡ ኣፋንዩ፡ ኣደዳ ሕማም፡ ስእነት ስራሕን ትምህርትን፣ ገይርዋ። ኣብ ሃገራ ከቢራ ክትነብር ስለዘይከኣለት ድማ ንዳግማይ ስደት ኣምርሓ ትሳቐን ተጨቘንን ኣላ። ብተወሳኺ ኣቦታት ዘይብሉ ስድራ ክኣልያ፣ ዝወለድኦም ደቀን ካብ ሕቍፈን ተመንዚዖም ሃለዋቶም ከይፈለጣ ዓመታት ዝተሳቐያን፣ ኣብ ፈቐዶ መድረበዳን ዝተፈላለያ ሃገራትን ሲናይን ባሕርን ኣብ ስደት ጕዕዞአን ዘጋጥመን ግፍዕታት ዝጾራ፡ ጸብጺብካ ዝውዳእ ኣይኮነን። እነሆ ከኣ እታ ጀጋኑ ዝወለደት ኣደ፡ ጠዋሪ ስኢና፡ ብጓህን ሓዘንን ዘይምሱል መሲላ፡ ንበይና ኣብ ውሻጠኣ ተዀርምያ ትነብዕ ኣላ።

ብስንኪ እዚ መላኺ ስርዓት ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝወርድ ዘሎ ግፍዕን መከራን፡ ብፍላይ ከኣ ንጾታዊን ፖለቲካውን ወጽዓታት ከራግፋን፡ መሰለን ክረጋግጻን ኣብ ዝካየድ መስርሕ ሓርነታዊ ቃልሲ፡ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ክዓኩዂ ዝከኣለና ክንገብር ኣሎና። ስለዚ ንሕና ደቂ ኣንስትዮ ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ኣብ ሰልፊ ንሃሉ፣ ኣብ ሲቪካውያን ማሕበራት፣) ብዘየገድስ ምእንቲ‘ተን ኣብ ማሕዩርን፡ ኣብ ውሽጢ ሃገርን፡ ኣብ ስደትን ዝሳቐያ ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ፡ ከይተሓለልና ድምጽና ከነስምዕን ወጽዓኤን ከነቃልሕን መብጽዓ ከይንጠልም መድረኻውን ታሪኻውን ሓላፍነትና እዩ። በዚ ኣቢልና ከኣ ነቲ ፍትሓውን ማዕርነታውን ደሞክራሲያዊን ስርዓት ንምትካል ዝኾነ ሓባራዊ ሽቶና፣ ኢድ ንኢድ ተተሓሒዝና፡ ንዘጋጥም ዕንቅፋታትን ብድሆታትን ሰጊርና ክሳብ ዓወት ሓቢርና ንኽንቃለስ መድረኽ ይጠልበና ኣሎ።

በዚ ኣጋጣሚ እዚ እቲ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻን፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ደቂ ኣንስትዮን ዝወርድ ዘሎ ግፍዕን መከራን ደው ንክብል፥ ደምበ ተቓውሞ ንሽግር ህዝብን ሃገርን ክፈትሕ ንኹሉ ዝጥርንፍ ሰፊሕ ሃገራዊ ጽላል ኣብ ምፍጣርን ሓቢርካ ኣብ ምስራሕን ክጽዕት ጻዋዒትና ነቕርብ።

ዝኸበርክን ሓርበኛታት ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ፡ ከም‘ቲ ትማሊ ንናጽነት ሃገርናን ንዝተጠልመ ሓርነትናን ኣብ ጐድኒ ውጹዕ ህዝብና ደው ኢልና ዝተቓለስና፣ ሎሚ እውን፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ኣሓትናን ኣደታትናን ዝፍጸም ዘሎ ድርብ ወጽዓ ንምብዳህ ኣብ ጐድኒ ውጹዕ ህዝብና ደው ኢልና ታሪኽ ክንሰርሕ ንምሕጸን።

ሓድነት ህዝብና: ዋሕስ ሓርነታዊ ዓውትና!!!

ክብርን ሞጎስን ንስዉኣትና!!!

ከምኡ እዉን ነተን ኩለን ኣብ ምድረበዳን ባሕርን ብበደዊንን ራሻይዳን ዳዒሸን ዝሃለቓን ከኣ መንግስተ ሰማይ የዉርሰን።
ጽን እልኩም ዝሰማዕክናንን ዝሰማዕኩምንን
የቐንየለይ።

Last modified on Wednesday, 09 August 2017 02:06