ካብ መዓስከር ወዲ-ሸሪፈይ 18 ስደተኛታት ተጨውዮም!
2017-07-07 06:58:22 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 3603 timesብሰኑይ 3 ሓምለ 2017 ሰለስተ ዕጡቓት ኣብ መጸበዪ መዓስከር ስደተኛታት ወዲ-ሸርፎይ ኣትዮም ናብ መዓስከር ሸገራብ ክሰጋገሩ ተዳልዮም ዝነበሩ 18 ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ከም ዝጨወዩ፡ ብቋንቋ ዓረብ እትሕተም “ኣልተቕዪር” ዝተባህለት ኤለክትሮኒካዊት ሱዳናዊት ጋዜጣ ሓቢራ።
ብመሰረት እቲ ካብታ ጋዜጣ ዝተረኽበ ሓበሬታ፡ ነቲ መቐበሊ ቤት-ጽሕፈት ስደተኛታት ዝሕሉ ዝነበረ ዘይተዓጥቀ ፖሊስ ውን ምስቶም ስደተኛታት ሓዊሶም ከምዝወሰድዎ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ። እቶም ዕጡቓት፡ ነቶም ስደተኛታት ብቶዮታ ዝዓይነታ መኪና ናብ ዘይትፈልጠ ኣንፈት ከምዝወሰድዎም ውን ነቲ ጉዳይ ዝተዓዘቡ ተቐማጦ ናይታ ከተማ ነታ ጋዜጣ ሓቢሮማ።