ኣብ ኤርትራ ሓለፍቲ ፕሮግራም ዕቤት ሕቡራት ሃገራት ተሓለቕቲ ጨቋኒ ስርዓት ኤርትራ ብምዃኖም ተኸሲሶም

2017-06-14 12:14:52 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 4334 times

ክልተ ብጉዳይ ሰብኣዊ መሰል ዝግደሱ ኣካላት፡ ናብ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረስ ኣብ ዝለኣኽዎ ተሪር መልእኽቲ፡ ንወ/ሮ ክሪስቲን ኡሙተኒ ኣብ ኤርትራ ናይ ሕቡራት ሃገራት ኣወሃሃዲት ሰብኣውነትን ወኪል ልምዓትዊ ፕሮግራምን ሕጋውን ርትዓውን ኣሰራርሓ ናይቲ ትካል ብምጥሓስ ናይ ጨቋኒ መንግስቲ ኤርትራ ተሓላቒትን መሳሳይትን  ብምዃነን  ተኸሲሰን። ምስአን ኣብ ክንዲ ወጻዒ መንግስቲ ኤርትራ ኮይኖም ብምስራሕ ዝተኸሱ ከኣ ኣብ ኤርትራ ክኢላ ልምዓታዊ ፕሮግራም ኮይኖም ዝተመደቡ ኣቶ መንሱር ኤ ሚርዛ እዮም።

ኣብ ለንደን ዝመደበሩ ብጉዳይ ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ዝግደስ ማእከልን ዓለም ለኻዊ ክርስትያናዊ ምሕዝነትን ብ7 ሰነ 2017 ናብ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝለኣኽዎ መልእኽቲ፡ ኣብ ልዕሊ እዞም ክልተ ኣንጻር ተልእኮ ሕቡራት ሃገራት ዝሰርሑ ዘለዉ ብህጹጽ ተመጣጣኒ ስጉምቲ ንክወስድ ተማሕጺኖም። እቲ መልእኽቲ እዞም ኣካላት ብንጹር ኣብ ከክንዲ ጨቋኒ ስርዓት ኤርትራ ብምስርሖምን ኣንጻር ተልእኮ ሕቡራት ሃገራት ምዃኖምን ጠቒሱ። ወ/ሮ ኡምኑቶን መዳመቒት ኤርትራውያን ላዕለዎት ሓለፍቲ፡ ፕረሲደንታዊ ኣማኻሪ የማነ ገብረኣብን ወጻኢ ጉዳይ ምኒስተር  ዑስማን ሳልሕን ዝበበሃላ ብዘይምኽንያት ከምዘይኮነ ከኣ እቲ መልእኽቲ ጥቒሱ። .

እተን ወኪል ልምዓታዊ ፕሮግራም  ሕቡራት ሃገራት፡ ነቲ ብመርማሪ ኣካል ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ብሱሩዕ ኣገባብ ዝተበጽሐ መደምደምታ ክነጽጋ ዝጸንሓ እየን። ንሰን ብኣንጻሩ፡ ኣብ ኣስመራ ዘሎ ጨቋኒ ጉጅለ፡ ሓገዝትን መወልትን ክረክብን ድምጹ ዝስመዓሉን ኣገዳሲ መሓዛ ምዃኑ ዝሰብከሉን መድረኻት ከም ዝረክብ ምግባር ቀዳማይ ዕማመን ገይረን ዝንቀሳቐሳ እየን።

በተመሳሳሊ መሓዘኣን ኣቶ መንሱር ሚርዛ፡ ኣብቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተኻየደ ናይ ሕቡራት ሃገራት ንሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ዝምልከት ኣኼባ ተሳቲፎም ንረብሓ መንግስቲ ኤርትራ ዝከላኸሉን ነቲ ብኮሚሽን ሰብኣዊ መሰልን ካለኦት ኣካልትን ዝተበጽሐ መደምደምታ ንኤርትራ ዝምልከት ሓቀኛ ምስሊ ዝቃወሙን ዝነበሩ እዮም። 

እቲ ናብ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረስ ዝተላእከ መልእኽቲ ብዶ/ር ካታዛ ካብ ዓለምለኻዊ ክርስትያናዊ ምሕዝነትን ወ/ሮ ኤልሳ ጭሩምን እዩ ተኸቲሙ። እዚ መልእኽቲ እዞም ኣብ ኤርትራ ዘለዉ ክልተ ወከልቲ ሕቡራት ሃገራት ዝፍጽምዎ ዘለዉ ተግብራት “ውድብ ሕቡራት ሃገራት ክልተ ተገራጨውቲ ድምጽታት እዩ ዘስምዕ፡ ንሱ ድማ በቲ ሓደ ወገን ኣብ ኤርትራ ጨካን ገበን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ይፍጸም ከምዘሎን ክጽናዕ ከም ዝግበኦን ዝኣምን፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ካብ ኩነታት ሰብኣዊ ኩነታት ፈሊኻ ዘይረአ ክነሱ፡ ናጻ ናይ ምቁጽጻር መስርሕ ኣብ ዘየብሉ ህሞት ኣብ ኤርትራ ቁጠባዊ ዕቤት ከም ዘሎ ከንጸባርቕ ይፍትን” ብዝብል ተገራጭውቲ ሓሳብ ከም ዝቃልሑ ጠቒሱ።

Last modified on Wednesday, 14 June 2017 14:27