ኤርትራዊ ዓፋር ብደብዳብ ነፈርቲ ኤምረይትስ ተቐቲሉ

2017-05-10 06:59:50 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና Published in EPDP News Read 3127 times

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ከባቢ ወደባዊት ከተማ ዓሰብ ካብ ዝርከብ መደበረን ዝዋፈራ ነፈርቲ ዓረብ ኤምረይትስ ኢድሪስ ራድዮ ዝበሃል ኤርትራዊ ዓፋር ቀቲለን 6 ካለኦት ከም ዘቑሰላ “ገዳብ ነውስ” ሓቢራ። ካብዞም ዓሳ እንዳገፈፉ ግዳያት ዝኾኑ ሓደ ኣጋፍፋ ዓሳ ዝለማመድ ዝነበረ ህጻን ጥራይ ብዘይጉድእት ከም ዝደሓነ ተፈሊጡ።  እዞም ኤርትራውያን ዝተቐትሉን ዝቖሰሉን፡ ካብ ወደብ ዕዲ ንውሽጢ ኣብ ናይ 8 ኪሎሜተር ርሕቀት ኣብ ጥቓ ኣበይል  ዝተባህለ ንእሽቶ ደሴት እዩ። ነቶም ግዳያት ካብቲ ሓደጋ ዘጋጠመሉ ቦታ ናብ ሕክምና ዓሰብ ዝወሰድዎም ኣካላት መንግስቲ ኤርትራ ወይ ዓረብ ኤምረይትስ ዘይኮኑ ከምኣቶም ኣብ ምግፋፍ ዓሳ ተዋፊሮም ዝነበሩ ዜጋታት እዮም።

እቲ ዜና ከም ዝጠቐሶ፡ እዚ ጉድኣት ዘውረደ ደብዳብ ኣካል ናይቲ ኣብቲ ከባቢ ዝካየድ ዘሎ ቀጻሊ ደባባት እዩ። ምግፋፍ ዓሳ ኣብቲ ቦታ ኣዝማድን ቤተሰብ ብሓባር ዘካይድዎ ስለ ዝኾነ እቲ ዝሞተ ሓው ናይ ክልተ ካብቶም ዝቖሰሉ 6 እዩ። መብደብ ሓይሊ ኣየር ዓረብ ኤምረይትስ ካብ ከተማ ዓሰብ ንወገን ደቡብ ኣብ ጥቓ ዶብ ኤርትራን ጅቡትን እዩ ዝርከብ።

ኤምረይትስ ኣካል ናይቲ ብሳዑዲ ዓረብያ ዝምራሕ  ኣብዚ እዋንዚ ኣብቲ ንከተማታት የመን ዘዕነወን እዚ ኢልካ ክትገልጾ ዘጸግም ሰብእዊ ውድቀት ዘኸትለን  ኣንጻር ዓሌት ሆውቲ ዝካየድ ምሕነት ውግእ  እያ። ኣብዚ እዋንዚ መነባብራኦም ኣብ ልምዳዊ ምግፋፍ ዓሳ ዝተመስረተ ኣብ ገማግም ባሕሪ ዝነብሩ ኤርትራያን ብሰንክቲ ዝካየድ ውግኣት ኣብ ጸገም ወዲቖም ኣለዉ።

ገዳብ ንማዕከን ዜና ዘጋርድያን ጠቒሱ ከም ዝገለጾ ከኣ ቅድሚ ሕጂ እውን ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ የመን 42 ሶማላውያን  ስደተኛታት ብናይ ሄሊኮፕተር ደብዳብ ተቐቲሎም እዮም። ተቓዋሚ ውድብ፡ “ደሞክራሲያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ” ነዚ ኩነታት ብምቅዋም መግለጺ ከም ዘውጸአ እውን ኣብቲ ካብ ገዳብ ዝተረኽበ ሓበረታ ተመልኪቱ።

Last modified on Wednesday, 10 May 2017 09:05