መግለጺ ዋዕላ ሰዲህኤ ዞባ ኣውሮጳ

2017-03-28 22:03:38 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 3675 times

ፈጻሚ ሽማግለ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ብዝገበሮ መጸዋዕታ፡ ካብ 24-26 መጋቢት 2017 ኣብ ከተማ ፍራንክፈርት ኣብ ዞባ ኣውሮጳ ዝርከቡ ኣባላት ማእከላይ ባይቶ፡ ፈጻሚ ሽማግለ፡ ኣባላት መሪሕነታት ዞባ፡ መሪሕነት ጨናፍርን መሰረታትን ሰልፊ ዝተኻፈልዎ ዕዉት ዋዕላ ተኻይዱ።

 

ዋዕላ፡ ዝተዛረበሎም ዛዕባታት እዞም ዝስዕቡ ኰይኖም ብፈጻሚ ሽማግለ ተጸኒዖም ዝቐረቡ ኢዮም ነይሮም።

1. ዲሞክራሲ፡ ግዝኣተ-ሕግን ትካላዊ ኣሰራርሓን ኣብ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፤ (8 ገጻት)

2. መትከላትን ፖሊሲታትን ዝምድናታት ሰዲህኤ ምስ ጐረባብቲ ሃገራትን ተቓወምቲ ውድባትን፤ (4 ገጻት)

3. ኣብ ተሓድሶ ሰልፊ እንታይ ክንገብር ንደልን ንኽእልን።(6 ገጻት)

 

ዋዕላ፡ ብቐዳምነት ብመሪሕነት ዝቐረበሉ ዝተጸንዐን ጽጹይን ወረቓቕቲ ኰነ፡  ንምእራሙን ንምህታሙን ብተኻፈልቲ ዝተገብረ ኣበርክቶ ናእዳኡ ይገልጽ።

ኣብ ውሽጢ ሰዲህኤ ዝግሃዱ ቅልውላዋት ደረጃኦም ብዘየገድስ፡  መፍትሒኦም ኣብ ክሊ ሕጋውን ትካላውን ኣሰራርሓ ሰዲህኤ ጥራሕ ክኸውን ከም ዝግባእ ብምግንዛብ፡ ኣባላቱ፡ ንቅዋምን ትካላዊ ኣሰራርሓን ሰልፊ ከምእዘዙን ከከላኸልሉን መጸዋዕታኡ የቕርብ። ሕግን ትካላዊ ኣሰራርሓን ኣብ ዘይብሉ ኵነታት ሰላም፡ ሰብኣዊ መሰላትን ዲሞክራስን ክነግሱ ማለት ዘይሕሰብ ምዃኑ ድማ የዘኻኽር።

 

ምሕዳስ ሰልፊ፡ እዋናዊ ጠለብ ምዃኑ ብምግንዛብ፡ መሪሕነት ሰልፊ ብዕቱብነት ክተሓሓዞን ናይ ቀረባን ናይ ርሑቕን መደባት ሰሪዑ ክዋስኣሉን ዋዕላ ኣተሓሳሲቡ። ንጕዳይ መንእሰያትን ደቂ ኣንስትዮን ከኣ፡ መሪሕነት ሰልፊ ክብ ዝበለ ኣድህቦ ክገብረሉ ተማሕጺኑ።

 

 

ምስ ጐረባብቲ ሃገራት ንዝህልወና ዝምድና ድማ፡ ኣብ መትካላት ናይ ሰላም፡ ሕድሕድ ምክብባር፡ ጣልቃ ዘይምእታው፡ ኣህጕራዊ ውዕላትን ብይናትን ምኽባርን ንረብሓ ናይ ህዝብታት ዘቐድምን ክኸውን ከምዝግባእ ዋዕላ ደጊሙ ኣስሚርሉ። ንልዑላውነት ኤርትራ ዝከላኸል፡ ንናጻ ፖለቲካዊ ውሳኔ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ዝጣበቕ፡ ንሓድነት ህዝብን መሬትን ኤርትራ ዝሕለቕን መስመሩ ክሕሉን ከይሰልከየ ክሳብ ዓወት ክቃለሰሉን ምዃኑ ዋዕላ ኣረጋጊጹ። መሪሕነት ሰልፊ፡ ነዚ ኣብ ምትግባር ዝተጸንዐን ተዓጻጻፍን ፖሊሲታት ክኽተልን ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሓሓሊፉ ዝርአ ዘሎ ረጽምታት ናብ ዓማሚ ውግእ ከይሰጋገር መራሕቲ ክልቲኦም መንግስታት ሓላፍነቶም ክስከሙን ድማ ኣዘኻኺሩ።

 

ሰዲህኤ፡ ምስ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ዝህልዎ ዝምድና፡ ንውድቀት ምልካዊ ስርዓት ኢሳያስን ንምርግጋጽ ሰላምን ምርግጋእን ቀዳምነት ዝህብ ክኸውን ከምዝግባእ ዋዕላ እምነቱ ገሊጹ። ኣብ’ዚ እምነት’ዚ እተሰረተ፡ ንናይ ሎምን ናይ ጽባሕን መደባት ዘይሓዋውስን ቀጻሊ ዘተን ርክባትን ክግበር ድማ ጸዊዑ። ናይ ሕድሕድ ምትእምማን ብምስፋን፡ ንህዝቢ ኣብ ጐድኒ ፍትሓዊ ቃልስና ከምዝዓስል ንምግባር፡ ኣብ ሓባራዊ ረብሓ ዝተመርኰሰ ሓባራዊ ስራሕ ምጅማር ዘለዎ ዓቢ ኣገዳስነት ብምግንዛብ መሪሕነት ሰዲህኤ ነዚ ዘሎናዮ ኣሻቓሊ ሃለዋት ዝቕይር  ግብራዊ ተበግሶታትክወስድ፣ ንምዕዋቱ ድማ ክብ ዝበለ ጻዕርታት ክገብርዋዕላ ትጽቢታቱን እምነቱን ምዃኑ ገሊጹ። 

 

ኣብ መወዳእታ፡ እቲ ዋዕላ ርእይቶታት ብምሃብ ዘሀብተሞን ዘመሓየሾን ወረቓቕቲ፡ ናብ መሰረታት ሰልፊ በብደረጃታቱ ክወርድ ተላብዩ። ብተወሳኺ ኣብ እዋን ሽግርን ቅልውላውን፡ ዞባ ኤውሮጳ ንውድብ ዘድሕን ስጉምታት ከወስድ ከም ዝጸንሐ ታሪኹ ዝዝክሮ ከይኑ፡ ሕጂ ኣብ'ዚ ፈታኒ እዋን እውን ንድሕነት ሰልፍን  ንጥፈታት ሰልፊ ንምሕያልን፡ ካብ’ቲ ኣብ ዋዕላ ዝተኻፈለ ኣባል ልዕሊ 5000 ዩሮ ተወፍዩ። እዚ ንሰልፍን ንጥፈታቱን ንምሕያል እተወስደ ሰናይ ተበግሶ፡ ኣብ ዞባ ኣውሮጳ ዝርከቡ ኣባላት ጨናፍር ሰልፊ እውን ዓዓቕሞም መታን ከበርክቱ፤ ዋዕላ፡ ብኽልተ ኣባላት ዝቖመት ናይ ጐስጓስ ሽማግለ መዚዙ ንስራሕ ኣዋፊርዋ ኣሎ።

 

ቃልሲ ኣንጻር ምልኪ ይዓንብብ!!

ሃገርና ሓርነት ትከደን!!

ዝኽርን ዘልኣለማዊ ክብርን ንሰማእታትና!!

 

ዋዕላ ሰዲህኤ-ዞባ ኣውሮጳ

26 መጋቢት 2017

Last modified on Wednesday, 29 March 2017 00:09