ጨንፈር ፍራንክፎርትን ከባቢኡ ናይ 2016 ደምዳሚ ኣኼባኡ ኣካይዱ

2016-11-22 10:44:48 Written by  ሽማግለ ጨንፈር Published in EPDP News Read 2593 times

ጨንፈር ሰዲህኤ  ፍራንክፎርትን ከባቢኡን  ብዕለት 20.11.2016 ስሩዕ ወርሓዊ ኣኼባኡ ኣካይዱ። ኣኼባ  ብመስዋእቲ  ብጻይ ተጋዳላይ ዑስማን ኣሕመድ ዝተሰምዖ መሪር ሓዘን ብምግላጽ ንኩሎም ቤተሰቡ ጽንዓት እናተመነየ ንእእኡ ድማ መንግስተ-ሰማይ የዋርሶ፡ ንሕና‘ውን ኣብነት ነቲ ጽኑዕን ዘይሕለልን ቃልስታቱ ብምኽታል ተቢዕና ብጽንዓት ክንቃለስ ኢና ብምባል እዩ ኣቦ መንበር ሽማግለ ጨንፈር ሓው ታደሰ ኣስመላሽ ተጀሚሩ።

ኣኼበኛታት ኣብዚ ዓመተ 2016፡ ኩነታት ሃገርናን ናብራ ህዝብናን ኣብ ኣዝዩ ዝኸፍኤ ኣተሃላልዋ ከምዘሎ እዩ ርእዩ። ብፍላይ ኣብዚ መወዳእታ ናይዚ ዓመትዚ፡ ጸገማት ሓረስቶት እናጸንከረ ዝኸደሉን፤ ኣብ ግዜ ዓጺድ መንእሰያትን ሽማግለታትን ተተገፊፎም ብረት ክዓጥቁ ዝግደዱሉ፤ ኣብ ግዜ እኽሊ ዝኣትወሉ ድማ ንምህርትኻ ሓፊስካ ኣብ ቆፎኻ ኣብ ክንዲ ተእትዎ፡  መንግስቲ ተቖጻጸርቲ ኮሚተታት ልኢኹ ኣብ ዓውድኻ መጺኦም እትበልዖን ንመንግስቲ እትሸጦን ዝውስኑሉን፤ ደቅኹም ሃዲሞም ብዝብል ምስምስ ክትዓጽድ ዝኽልከለሉን፡ ኩነታት ከም ዘሎን ኣኼበኛ ርእዩ።

ሰራዊት ኤርትራ‘ውን፡ እቲ መተዓሻሸዊ ተባሂሉ ናይ ደሞዝ ወሰኽ ዝተገብረ ተመሊሱ ተቖራሚሙ: ደሞዞም ናብ መንግስቲ ዝምለሰሉን፡ ነዚ ዝተቓወሙ ድማ ዝእሰሩሉን ዝሕየሩሉን፡ ካብዚ ብምንቃል ሰራዊትተኣኪቡ ዝሃድመሉ ኩነታት በጺሑ ምህላዉ ተገንዙቡ።ተሪር ቊጽጽር ኣብ ልዕሊ ነጋዶን፡ ሓረስቶትን፡ ሰራዊትን ድማ  ነቲ እንጽርጽሮታዊ  ናይ ስደት ጉዕዞ ዝያዳ ከምየጋደዶን፡ ኣብ ጉዕዞ ስደት‘ውን ብዙሕ ህልቂት ዝራኣየሉን ግዜ ተበጺሑ ምህላዉ  ኣኼባ  ብኣንክሮ  ርእዩ።

ይኹን እምበር ደለይቲ ለውጢ  ኣብ ዝሓሸ ምንቅስቓስ ከም ዘለዉን፡ እቲ ኣብ ኒው ዮርክ ይኹን ካልእ ቦታታት ዝተራእየ ሰላማዊ ሰልፍታትን፡ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ዝርአ ዘሎ ምጥርናፋትን‘ውን ኣወንታዊ  ኮይኑ ዝይዳ ክሕይል ከምዝግባእ ኣኼባ ኣመልኪቱ።

ካብቶም ብሰልፊ ዝተገብሩ ናይ ወጻኢ ንጥፈታት ኣብነት ብምጥቃስ ድማ፡ ናብ መበል 71 ጠቕላላ ኣኼባ ሕቡራት መንግስታት ዝቐረበ፡ ብዛዕባ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ምግሃስ ፖለቲካውን ሰብኣውን መሰላት ዝገልጽ መዘክርን፤ ከምኡ‘ውን ልኡኽ ሰልፍና ኣብቲ ካብ 17-18.10.2016 ኣብ ብሩሰልስ ዝተኻየደ ኮንፈረንስ ምሕዝነት ገስገስቲ ሓይልታት ተሳቲፉ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ኤርትራ  ዘሎ  ኣስጋኢ  ኩነታት ዘቕረቦ፡ መብርሂታትን ብምጥቃስ ኣኼባ ኣሞጒሱ።

ኣብ መወዳእታ: ኣባል ሽማግለ መንእሰይ ክብሮም ዓንዶም፡ ንመንእሰያት ናበይ ንኸይድ ኣሎና ዝብል ኣርእስቲ ኣልዒሉ፡ እቲ ሓይሊ ኣብ መንእሰያት እዩ ዘሎ፡ ንሕና እቲ ኩሉ ሽግራት ዘሕለፍናዮ ረሲዕና ኣንፈትና ኣይንስሓት፡ እቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ መንእሰይ ከምዚ ንሕና ረኺብናዮ ዘሎና ናይ ምዝራብን ምውድዳብን ዕድል ኣይረኸበን፡ ንሕና ግና እዚ ዕድልዚ ከየምልጠና ተጠራኒፍና ቃልስና ነበርትዕ ዝብል ኣተባባዕን መሃርን መግለጺ ሂ::

 እዚ ኣኼባ‘ዚ ናይ ዓመተ 2016 ደምዳሚ ኣኼባ ብምንባሩ ድማ: ናይ 2017 ስሩዕ ኣኼባ ጨንፈር ንዕለት 15.01.2017 ክግበር መደብ ብምስራዕ ኣኼባ ተደምዲሙ:: 

ሽማግለ ጨንፈር

Last modified on Tuesday, 22 November 2016 11:53