ሰራዊት ኤርትራ ብብዝሒ ናብ ኢትዮጵያ ኢዱ ሂቡ

2016-11-16 12:49:21 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 9480 times

ሰራዊት ኤርትራ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ብደረጃ ቦጠለንታት ናብ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኢዱ ከም ዝሃበ፡ ነዚ ጉዳይዚ ዝተኸታተሉ ኣካላት ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ሓቢሮም። በቲ ሓበሬታ መሰረት እቲ ናብ ኢትዮጵያ ኢዱ ዝሃበ ሰራዊ ገሊኡ ብወገን ጋሽ ክኸውን እንከሎ እቲ ዝተረፈ ድማ ብወገን ዓሰብ እዩ።

ኣባላት ሰራዊ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ክኣትዉ ልሙድ’ኳ እንተኾነ እዚ ብደረጃ ቦጠለንታት ኢዶም ዝሃብሉ ቀንዲ ምኽንያት፡ መንግስቲ ህግደፍ “መነባብሮ ሰራዊ ምምሕያሽ” ብዝብል ሸፈጥ ዘተኣታተዎ ናይ ደሞዝ መተዓሻሸዊ ምዃኑ ስለ ዝተረድኡ እዮም። እቲ ሰራዊት ናይቲ ወሰኽ ደሞዝ ትርጉም ኣልቦነት ዝተረደአ፡ ካብቲ 1800 ናቕፋ ደሞዝ ሓደ ኣባል ሰራዊት፡ 150 ንጡረታ፡ 150 ንመስርሒ ገዛ፡ 150 ንደቂ ስዉኣት፡ 150 ንልምዓት ሃገር፡ ዝብሉን ካልእ ጉልባባትን ተጠቒሙ ናብ ካዝንኡ ምስ መለሰ ካብቲ ዝተረፈ፡ ብኢደ-ወነኑ 600 ናቕፋ ንቤተሰብ ወሲዱ ኣብ ኢድ ሓደ ኣባል ሰራዊት 300 ናቕፋ ጥራይ ክወሃብ ምስ ወሰነ እዮም። እቶም ነዚ ኣገባብ ዘይተቐበልዎ ኣባላት ሰራዊት ነቲ ኩነታት “ዝተሰርሐ ገዛውቲ ከፍርስ ዝውዕል መንግስቲ ገዛ ሰሪሑ ክህበና ዘይእመን እዩ” ብዝብል ከም ዝገለጽዎ’ውን እቲ ዝበጸሓና ሓበሬታ የረጋግጽ።

ብዘይካዚ እዚ ንረብሓኦም ስለ ዘይኮነ ኣባላት ሰራዊ ዘይተቐበልዎ ስርዓተ-ደሞዝ ዝወሃብ ነቶም ኣብዘን ዝሓለፋ 3 ዓመታት ብዘይምቁራጽ ኣብቲ ሰራዊ ዝጸንሑ ጥራይ ዝምልከት እዩ። በዚ መምዘኒ መሰረት ብህድማን ብዝተፈላለየ ካልእ ምኽንያትን ወጺኦም ጸኒሑም ናብቲ ሰራዊ ተመሊሶም ንዘለዉ ስለ ዘይምልከት፡ እዞም እዚ መሰል ዝተነፍጎም ብብዝሒ ብቐጻሊ ካብቲ መንግስቲ ክሃድሙ  ግምት ኣሎ።

ሓደ ካብ ነባራትን የማናይ ኢድ ህግደፍን ምዃኑ ዝንገረሉ ሜጀር ጀነራል ሃይለ ሳሙኤል (ቺና) ነዚ ኣገባብ ኣወሳስና ደሞዝ ስለ ዘይተቐበሎ ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር ከም ዝርከብ እውን ምንጭታትና ገሊጾም::

ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ

***************************

Last modified on Wednesday, 16 November 2016 20:37