ደምዳሚ መግለጺ 4ይ ስሩዕ ጉባኤ ዞባ ሰ.ኣ-ሰ.ዲ.ህ.ኤ

2016-10-24 01:30:01 Written by  EPDP Information Office Published in EPDP News Read 4000 times

 

ዞባ ሰሜን ኣመሪካ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ቅዋሙ ዘስፈሮ መደብ መሰረት ብምግባር፣ ኣብ ከክልተ ዓመት ከካይዶ ንዝጸንሐ ስሩዕ ጉባኤታቱ፣ ብ15-16 ጥቅምቲ 2016 4ይ ስሩዕ ጉባኤኡ ኣብ ኣዳራሽ ራዲሶን ሆቴል፣ ከተማ ቺካጎ ብዓወት ዛዚሙ።

 4ይ ዞባዊ ጉባኤ ብኣቦ መንበር ኣሳናዳኢት ዞባ ሽማግለ፣ ኣቶ ወልዱ ነጋሲ፣ መኽፈቲ ቃል ቀሪቡ። ቀጺሉ ብቕደም-ተኸተል ተሰሪዑ ዝቕረበ መደባት ብምኽታል፡

• ኣቶ ኣለም ዮውሃንስ ኣባል ፈጻሚ ቤት ጽሕፈትን ሓላፊ ማሕበራዊ ጉዳያትን  ኣብዚ ዓመት’ዚ ብሞት ንዝተፈልዩ ኣገደስቲ ተቓለስቲ ኣባላት ሰልፊ፡ ኣቶ ኣልኣዛር ቀለተን ኣቶ ዑስማን ኣሕመድን፣ ብተወፋይነት ዘበርክትዎ ዝነበሩ ሞያ ብምዝካር ኣኽብሮቱ ገሊጹ። ከምኡ’ውን ንሰልፊ ዕዙዝ ኣበርክቶ ዝገበሩ ኣባላት ኣስማቶም ብምዝርዛር ኣመስጊኑ። 

• ካብ ኣቦመንበር ሰልፊ ኣቶ መንግስትኣብ ኣስመሮም ዝተላእከ መልእኽቲ፡ “ኣብ 4ይ ጉባኤኹም ክሳተፍ ብመሪሕነት ዞባ ዝቐረበለይ ዕድመ እኳ እንተነበረ፣ ብምኽንያት ናይ ኣቐዲሙ ተታሒዙ ዝነበረ መደብ ክሳተፍ ብዘይምኽኣለይ ይቕሬታ እናሓተትኩ፡ ጉባኤኹም ዕዉት ክኸውን ዘሎኒ ትምኒት ክገልጽ እፈቱ” ብምባል ሃለዋት ሃገርናን ህዝብናን ዝሓልፎ ዘሎ ኵነታትን ንሰልፍና ዝጽበዮ ዘሎ ብድሆታትን ዝገልጽ ደብዳበ ብወኪል ኣቦመንበር ኣብ ዞባ ሰሜን ኣመሪካ ኣቶ ገረዝጊሀር ተወልደ ተነቢቡ።

• ኣባል ፈጻሚ ቤት ጽሕፈትን ሓላፊ ስርርዓዊ ጉዳያትን ኣቶ ተስፋይ ወልደሚካኤል፣ ንዞባውን ሰልፋውን ዝምልከቱ ጉዳያት ኣልዒሉ ሰፊሕ መግለጺ ኣቕሪቡ።

• ኣቦመንበር ዞባ ሽማግለ ኣቶ ቃለኣብ ክፍለ፣ ዝርዝር ጸብጻብ ንጥፈታት ናይ መላእ ዞባን ጨናፍርን፣ ዝተሳለጠ ዕማማትን ዘጋጠመ ብድሆታትን ድሕሪ ምቕራቡ፣ ሓለፍቲ ኣብያተ ጽሕፈታት ዞባ’ውን በብተራ ኣብ ትሕቲ ሓላፍነቶም ዝተሰላሰለ ጸብጻባት ኣንቢቦም።

 ጉባኤ ካብ ከተገልግል ዝጸንሐት ኣካያዲት ዞባ ሽማግለ ዝቐረበሉ ጸብጻባት ብጽሞና ድሕሪ ምስማዕ፣ ኣድላዪ ክትዓትን ምርድዳእን ድሕሪ ምክያድ ከም ሕጋዊ ሰነድ ናይ ዞባ ተቐቢሉ ብድምጺ ኣጽዲቕዎ። ዞባ ሽማግለ ሓላፍነታ ብጸብጻብ ንጉባኤ ድሕሪ ምርካባ፣ ጉባኤ ካብ ውሽጡ ሓሙሽተ ዝኣባላታ ሰክረታርያ መሪጹ ብኣሳናዳኢት ዝቐረበሉ ዛዕባታት ተሞርኵሱ ብዛዕባ ኣገደስቲ ሰልፋዊ ውሽጣዊ ኩነታትን ኤርትራውን ከባቢያውን ሃለዋትን ኣድላዪ ክትዓት ኣካይዱን መዚኑን።

NA Congress1

ጉባኤ ኣብ ልዕሊ’ቲ ንጥፈታት ነፍሲ ወከፍ ቤት ጽሕፈት፡ ኣብ ሚዛኑ ቆላሕታ ካብ ዝሃቦም ዛዕባታት: 

ሓደ፡ ህልዊ ኩነታት ኤርትራ ኮይኑ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ኩነታት ሃገርናን ህዝብናን ኣብ ትሕቲ ኣርዑት መላኺ ጉጅለ ህግደፍ ዝነብሮ ዘሎ ኣሰቃቒ ሃለዋት፤ ካብ ዕለት ናብ ዕለት እናባኣሰ ዝኸይድ ዘሎ፣ ማይ፣ መግቢ፣ መብራህትን ካልኦት መሰረታውያን ነገራትን ዝሰኣነሉ ኵነታት ሰፊኑ ምህላዉ፡ ዋሕዚ መንእሰያት ኤርትራውያን ንስደት እናዛየደ’ምበር እናነከየ ይመጽእ ከምዘየሎ፡ ስርዓት ህግደፍ ዘተኣታተዎ ናይ ባጤራ ምልዋጥ ፖሊሲ፣ ንህዝብና ብጎረርኡ ሒዝዎ ከምዘሎን ህጹጽ ፍታሕ ዘድልዮ ምዃኑን ርእዩ።

ብኻልእ ሸነኽ ድማ፣ ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ብሓፈሻ ይኹን ኣብ መንጎ ተቓወምቲ ውድባት ብፍላይ ዘሎ ዘይምትእምማን መንፈስን ናይ ምርሕሓቕን ምብትታንን ተርእዮታትን ኣብ ኣዝዩ ኣሻቓሊ ደረጃታት ምህላዉ ገምጊሙ። ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፣ ካብዚ ግንዛበ’ዚ ተበጊሱ፣ ነቲ ኣብ መንጐ ተቓወምቲ ውድባት ዘሎ ዝምድናታት ንምምሕያሽ ነቲ ብኣሳላጥነት መድረኽ ንሃገራዊ ልዝብ ኣብ ከንያ ዝተጀመረ ርክባት ንምዕዋት ክድፍኣሉ ከምዘለዎ ጉባአ ተላብዩ። 

4ይ ዞባዊ ጉባአ ሰልፍና ንምሕያል ዘገልግሉ ኣገደስቲ ዕማማትን ውሳኔታትን ኣሕሊፉ፣ ንዝመጽእ ክልተ ዓመት እተገልግል ብሸውዓተ ቀወምትን ክልተ ተጠባበቕትን ዝቖመት ዞባ ሽማግለ፣ ብምምራጽ ዛዚሙ።

ኣብ መወዳእታ ድማ፥ ነቶም ብኮሚሽን ምርመራ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ዝተለለዩ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት፡ እንተላይ እቶም ብገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ከኽስሱ ዝኽእሉ ጸብጻባትን ለበዋታትን ግቡእ ምክትታል ክግበረሎምን ነቶም ፈጸምቶም ድማ ናብ ሕጊ ንምቕራብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ዝገበሮ ምሕጽንታ ብምዝካር፡ 4ይ ጉባአ ደገፉ ገሊጹ። ብምቕጻል ሰልፍና ከም ኣካል ናይቲ ብደለይቲ ፍትሒ ዝካየድ ሰላማዊ ሰልፍታት ተሳትፎኡ ከረጋግጽ ምዃኑ ኣስሚርሉ ። 

ዓወት ንፍትሓዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ

ውድቀት ንምልኪ

 

4ይ ዞባዊ ጉባአ ሰሜን ኣመሪካ ሰደህኤ

16 ጥቅምቲ 2016

Last modified on Monday, 24 October 2016 03:58