ሰዲህኤ ንናይ ቅድም ሓላፊ ጉዳይ ስደተኛታት ሓጐሱ ገሊጹ፡ ንፍልሰት ኤርትራውያን ከቕልብሉ ድማ ጸዊዑ

2016-10-16 21:01:04 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 3066 times

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ኣብቲ ብ14 ጥቅምቲ 2016 ዝለኣኾ መልእኽቲ ን10 ዓመታት ብብዙሕ ብደሆታትን ዓወታትን ንዝሓለፉ  ናይ ቅድም ኮሚሽነር ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት፡ ኣቶ ኣንቶኒዮ ጉተርስ ሓላፊ ዝለዓለ ኣካል ዓለምና ኮይኖም ብምምራጾም ምዉቕን ልባውን ሓጐሱ ገሊጹ።

እቲ ናይ ሰደህኤ ናይ እንኳዕ ኣሕጐሰኩም መልእኽቲ፡ ብስም እቲ ከገልግልዎ ዝጸንሑ ኤርትራዊ ስደተኛ ዝተላእከ ምዃኑ’ውን ጠቒሱ። እቲ መልእኽቲ ነቶም ናይ ቅድም ኮሚሽነር “ ነቲ ብኣካል ዝበጻሕኩምዎን ዝተዓዘብኩምዎን ኤርትራዊ ስደተኛ ዘለዎ ዘይውሑስ ቦታታ፡ ብሓፈሻ ኣብ መደበር ስደተኛታት ቀርኒ ኣፍሪቃ ብፍላይ ድማ ኣብ ከም ወዲ ሸሪፈይ ሱዳን ዘሎ ሕማቕ ኩነታት ምዝካሩ ኣጽግመኩምን እዩ” ዝብል መዘኻኸሪ ኣስፊሩ።

ሰዲህኤ፡ እቶም ኮሚሽነር ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ግዳያት ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ከርእይዎ ንዝጸንሑ ተገዳስነት ንኢዱ፡ ንመጻኢ እውን ነቲ ኣብዛ ብዝምድናዊ ሓዳስ ሃገር ኤርትራ ቀንዲ ጠንቂ ስቓይ ኮይኑ ዘሎ ግህሰት ደሞክራሲያውን ሰብኣውን መሰላት ብግቡቕ ከቕልብሉ ሓደራ ኢሉ።

እቲ መልእኽቲ ነቲ ብመርማሪ ኣካል ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ዝተበጽሐ መርተዖታትን ንውሳነ ናይቲ ኣብ  ዝሓለፈ ሰነ 2012 መበል 32 ኣኼባኡ ዘካየደ ኣብ ጀነቫ ዘሎ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ዝበጸሖ ውሳነታትን  ብምጥቃስ፡ ሕጂ እውን ቅኑዕ ብይን ንምርካብ ናብ ጠቕላላ ኣኼባ ውድብ ሕቡራት መንግስታት፡ ከምኡ እውን ናብ ሓፈሻዊ ባይቶን ቤት ምኽሪ ጸጥታን ቀሪቡ ከም ዘሎ ኣስፊሩ። በዚ መሰረት ኤርትራውያን ግዳያት ካብዞም ሓድሽ ሓላፊ ፍትሓዊ ኣበርክቶ ከም ዝጽበ እቲ መልእኽቲ ጠቒሱ።

ሰደህኤ ኣብዚ መልእኽቱ ከምቲ ኣብ ጀነቫ ዝተራእየ ፖለቲካዊ ዝንባለታት፡ ኣፍሪቃውያን ዲክታቶራት ካብ ነናቶም ረብሓ ነቒሎም፡ ነቲ መርማሪ ኣካል ጉዳይ ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ኣብቲ ፍጻመ ኣንጻር ህዝቢ ኢድ ዘለዎም ጨካናት ሓለፍቲ ኤርትራ ብቕልጡፍ ናብ ዓለም ለኻዊ ገበናዊ ቤት ፍርዲ ክቐርቡ ዘቕረቦ ሓሳብ ከይኮልፍዎ ዘለዎ ስግኣት ኣስፊሩ።

ብዘይካዚ ኣቶ ጉተረስ ነተን ናይ ሕብረት ኣፍሪቃ ትካላት ሰብኣዊ መሰል ናይ ምሕያል ጉዳይ እውን ሓላፍነቶም ምዃኑ ኣብቲ መልእኽቲ ኣዘኻኺሩ በዚ መሰረት ንኹሎም ኣብ ግህሰት ሰብኣዊ መሰልን ምፍጻም ገበንን ዝምልከቶም ኣካላት ጉዳዮም ክጻረን ናብ ፍርዲ ከም ዝቐርቡ ክገብሩ ጸዊዑ።

Last modified on Sunday, 16 October 2016 23:05