ሰደህኤ ንውሳነታት ባይቶ ሆላንድ ይንእድ መንግስቲ’ታ ሃገር ክትግብሮ ድማ ይጽውዕ

2016-07-09 09:11:48 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰደህኤ Published in EPDP News Read 2916 times

ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ባይቶ ወከልቲ ሆላንድ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ንዝወሰዶ ስጉምቲ ንኢዱ፡ መንግስቲ ንግስነት ኔዝርላንድስ ኣብቲ ውሳነታት ሓጋጊ ኣካል ናይታ ሃገር ተመስሪቱ ተሪር ስጉምቲ ንክወስድ ዘለዎ ልዑል ትጽቢት ገሊጹ።

 

ነዚ ዝተጠቕሰ ጉዳይ ዝምልከት መዘክር ሰደህኤ ብ8 ሰነ 2016 እዩ ናብ ኣፈኛ ናይቲ ባይቶ ተወከልቲ ወይዘሮ ካድጃህ ኣሪብ (ኣባል ለበር ፓርቲ) ተላኢኹ። ከምኡ እውን ናይዚ መልእኽቲ ቅዳሕ ናብ ኩሎም ኣፈኛታት ደገፍቲ ሰልፍታት ሆላድ፡ ከምኡ’ውን ብመንገዲ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ኣቶ በርት ኮየንደርስ ናብቲ መንግስቲ ተላኢኹ።

 

እዚ መዘክር፡ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን ካለኦት ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ዝቃለሱ ኤርትራውያን ኣካላትን እቲ ባይቶ ንእዋናዊ ኩነታት ኤርትራውያን ኣብ ግምት ምእታዉ ዝተሰምዖ ሓጐስ ገሊጹ፡ እዚ ውሳነታት ብዘገምታዊ ኮይኑ ኣብቲ ኣብ ኤርትራ ዝካየድ መስርሕ ለውጢ ኣበርክቶ ከም ዘህልዎ ኣረጋጊጹ።

 

ሰደህኤ ኣብቲ መዘክሩ ብመሰረት እቲ ናይ ባይቶ ተወክልቲ ውሳነ፡ ኣብ ደገ ይሃልዉ ኣብ ወጻኢ ኤርትራውያን፡ መንግስቲ ኔዘርላንድስ ክትግብሮም ኢሉ ካብ ዝጽበዮም እዞም ዝስዕቡ ነጥብታት ኣስፊሩ።

  • ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ነቲ ብመርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ዝቐረበ ጸብጻብ ብምሉኡ ተቐቢሉ ንገበነኛታት ስርዓት ኤርትራ ግቡእ መቕጻዕቲ ናብ ዝቕበልሉ ፍትሓዊ ኣካል ክልእኮን ዓለም ለኸ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ዝያዳ ተመራጺ ከም ዝኸውንን ጸዊዑ
  • ሕብረት ኤውሮጳ ኮነ ካለኦት ኣክላት ምስ ገበነኛ መንግስቲ ኤርትራ ከይተሓባበሩን ከይሕግዙን ተጽዕኖ ክፈጥር
  • ኣብታ ሃገር ዘሎ ቤት ጽሕፈት መንግስቲ ኤርትራ ክዕጸውን ንጥፈታቱ ደው ከብልን
  • ወጻዒ መንግስቲ ኣስመራ ኣብ ሆላንድ 2% ግብሪ ከይእክብን ካልእ ገንዘባዊ መንቅስቓሳት ከይገብርን ምእጋዱ
  • ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ሆላንድ ኮይኖም ነቲ ኣብ ልዕሊ ሰባት ገበን ዝፈጸመ መንግስቲ ዝድግፉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ተሪር ስጉምቲ ክውሰድ።
  • ኤርትራውያን ብሉኡኻት “መንገስቶም” ሓደጋ ከየጋጥሞም ምሕላው
Last modified on Saturday, 09 July 2016 11:15