ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኣብቲ ንሰብኣዊ መሰል ኣብ ኤርትራ ዝምልከት ጸብጻብ ውዑይ ክትዕ ኣካይዱ ቤት ጽሕፈት ዜና ሰደህኤ

2016-06-22 18:06:23 Written by  Published in EPDP News Read 5878 times

 መበል 32 ኣኼባ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ብ21 ሰ 2016ነ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ፡ ኣብቲ ብመርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ዝቐረበሉ ጸብጻብ ሓያል ክትዕ ኣካይዱ። ኣብ መኽፈቲ እቲ ክትዕ ናይታ መርማሪት ኮሚሽን ኣቦ መንበር ኣቶ ማይክ ስሚዝ፡ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ 25 ዓመታት ቀጻሊ ገበን ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊ መሰል ክፍጸም ከም ዝጸነሐ ጠቒሶም፡ በዚ መሰረት ኣብ ልዕሊ ተሓተቲ ዝውሰድ ስጉምቲ ነቶም ከምኡ ዓይነት ገበን ዝፍጽሙ ካለኦት’ውን ትምህርቲ ዝኸውን እዩ ኢሎም።

 

ኣብዚ ኣኼባ ንነፍሲ ወከፍ እቶም 47 ልኡኽ ናይቲ ኮሚሽን ሰብእዊ መሰላ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብቲ ጸብጻብ ርኢቶኡ ክህብ ወይ ሕቶ ከቕርብ ናይ 3 ደቓይቕ ዕድል ተዋሂብዎ። ንካለኦት ናይዚ ኮሚሽን ኣባላት ዘይኮና፡ ኣባል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ልኡኻት ድማ ናይ 2 ደቓይቕ ዕድል ተዋሂብወን። ኣብዚ ኣጋጣሚ ካብቶም 47 ልኡኻት ናይ 26 ሃገራት ርኢቶ ብምሃብን ሕቶ ብምሕታትን ተሳትፎም። ካብዚኣቶም 6 ልኡኻት ንጉጅለ ህግደፍ ዝድግፍ ርኢቶ ሂቦም። ንሳቶም ልኡኽት ናይ ቤላሩስ፡ ቺና፡ ኩባ፡ ኒካራጉዋ፡ ሱዳንን ቨንዙዋላን እዮም

ሂዩማን ራኡትስ ዎች ዝርከበን 8 በርገሳዊ ማሕበራት ነቲ ኣብ ኤርትራ ዝፍጸም ዘሎ ተግባራት ብትሪ ዝኹንን እቶም 47 ልኡኻት ሰብኣዊ መሰል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ነቲ ብመርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ዝቐረበ ውሳነታትን ለበዋታታን ከጽድቑን ናይታ መርማሪት ኮሚሽን ዕድመ ከናውሑን ዝጽውዕ መገለጽታት ኣቕሪበን።

ናይ ጅቡትን ሶማልያን ልኡኻት ኣብ ዝሃብዎ ርኢቶ፡ ነቲ ኣብ ዝመጽእ ዘሎ 1 ሓምለ 2016 በዚ ኮሚሽ ዝመሓላለፍ ዝምልከት ንድፊ ውሳነ ከም ዘለዎም ሓቢሮም።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ ኣቲ ኣኼባ ይካየደሉ ኣብ ዝነበረ ግዜ ኣብ ከባቢ ቤት ጽሕፈት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ካብቲ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ዝወሓደ ቁጽሪ ዝነበሮም ደገፍቲ ስርዓት ህግደፍ ሰላማዊ ሰልፊ የካይዱ ነይሮም። ምስዚ ብዝተዛመደ ጀነቫ ኣብ 23 ሰነ 2016 ነቲ ብገበ ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊ መሰላት ዝሕተቱ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ ኤርትራ ዘቃልዕ ጸብጻብ መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ዝድግፍ፡ ኣዝዩ ሰፊሕ ሰልፊ ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ትጽበ ኣላ።

Last modified on Wednesday, 22 June 2016 20:17