ሃለዋት መሓመድ ዓሊ ኢብራሂምን ካለኦት 19 ሰባትሕጂ’ውን ኣይተፈልጠን

2016-02-17 19:30:32 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2407 times

ኣባል ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰደህኤ) ዝነበረ መሓመድ ዓሊ ኢብራሂም ካብ ሱዳናዊት ከተማ ከሰላ ብ14 ለካቲት 2012 ካብ ዝስወር እነሆ ኣብዚ ሰሙንዚ 4 ዓመቱ መሊኡ። ናይ ቃልሲ ብጾቱ ባላት ፈጻሚት ሽማግለ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ-ሰውራዊ ባይቶ ዝነበሩ፡ ወልደማርያም ባህልብን ተኽለብርሃን ገብረጻድቕ (ወዲ ባሻይ)ን ካብ ዝስወሩ ድማ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ ሚያዝያ 24 ዓመት ክኸውን እዩ። ሰለስቲኦም ኣብታ ኩሉ ዋጋ ዝኸፈሉላ ሃገሮም ኤርትራ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከም ዝተራእዩ ሓበሬታ ኣሎ።

 

ቁጽሪ ናይቶም ዝተሰወሩ ኤርትራውያን ብኸምቲ ዝተጠቕሰ እንዳወሰኸ ዝኸይድ እዩ። ኣብዚ ዝሓለፈ 25 ዓመታት ካብ ሱዳን ዝተሰወሩ ኤርትራውያን ብኣማኢት ዝቑጸሩ እዮም። ዝተፈላለዩ ተዓዘብትን ኤርትራውያንን ናይዚ ጭውያታት ተሓታቲ እቲ ኣብ ኣስመራ ዘሎ ገበነኛ መንግስቲ ምዃኑ ይኣምኑ።

ኣብቲ ናይ 2015 ናብ ናይ ሕቡራታ መንግስታት መርማሪ ኮሚሽን መርትዖታት ናይ ምቕራብ መስርሕ፡ ኤርትራውያን ነናቶም ነዊሕ ዝርዝር ግዳያት ናይቲ ገበነኛ ጉጅለ ናይ ዝኾኑ ኣቕሪቦም እዮም። እዚ ኣብ ታሕቲ ተጠቐሱ ዘሎ ሓደ ሰብ ናይ ዝፈልጦም ግዳያት ዝርዝር እዩ

 

መሓመድ ዓሊ ኢብራሂም

.

  • ኣብ ከሰላ ካብ ዝርከብ ገዝኡ ብ14 ለካቲት 2012 ንግሆ ብሳትክል ወጺኡ። እታ ሳይክል በይና ኣብ ከተማ ተረኺባ።
  • ኣብቲ ንግሆ ቁጽሪ ሰሌዳ ዘየብላ ጸሊም ዝመስትያታ መኪና ካብ ማእከል ከተማ ናብቲ መሓመድ ዓሊ ዝመጸሉ ዝነበረ ኣቕጣጫ ትንቀሳቐስ ነይራ።
  • ሞባይል ተለፎኑ ድሕሪ 4 መዓልታት ምስዋሩ መሊሳ። እቲ መልሲ ብጽሩይ ናይ ሱዳን ቋንቋ ዓረብ ኮይኑ፡ “ንመሓመድ ዓሊ ብቐሊሉ ክትረኽብዎ ኣይትኽእሉን ኢኹም” ዝብል ነይሩ። ድሕሪኡ ተዓጽዩ።
  • ምስ ተኣሰረ ድሕሪ ዝተወሰነ ኣዋርሕ በዓልቲ ቤቱ ፋጥማን ደቁ መጅድን ናስርን መሓመድ ዓሊ ኣብ ምዕራባዊ ቆላ ኤርትራ ጥቓ ከተማ ሓጋዝ ኣሎ ዝብል ዘይጭቡጥ ወረ ሰሚዕም።
  • መሓመድ ዓሊ ኢብራሂም ወዲ 17 ዓመት እንከሎ ብ1967 እዩ ኣብ ቃልሲ ተሰሊፉ። ክሳብዛ ዝተጨውየላ ግዜ ድማ ኣብ ቀጻሊ ቃልሲ ጸኒሑ።
  • ኣብቲ ዝተኣስረሉ ግዜ ናይ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰደህኤ) ኣባል ማይቶ ነይሩ።

 

ወልደማርያም ባህልብን ተክለብርሃን ገብረጻድቕ (ወዲ ባሻይ

 

  • ክልቲኦም ኣባላት ፈጻሚት ሽማግለ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶ ነይሮም። ሓላፍነቶም ድማ ወተሃደራውን ጸጥታውን ጉዳያት ነይሩ። ንሳቶም ብ26 ማዝያ 1992 ካብ ከተማ ከሰላ እዮም ብናይ ሽዑ መንግስቲ ኤርትራ ብምትሕብባር ናይ ሱዳን ጸጥታ ተጨውዮም
  • ዝተጨውይሉ ዕለት በዓል ትንሳኤ ነይሩ። ንሳቶም ተስፋጼን ገብረየሱስ ብዝበሃል ደጋፊ ናይ ሽዑ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ገዝኡ ንቁርሲ ተዓዲሞም። በዓልቲ ቤቱ ንተስፋጼን ዘመድ ወልደማርያም እያ። እዚ ዓዳማይ ኣዛምዱ ንምሕታት ካብ ሱዕድያ ናብ ሱዳን ዝመጸ እዩ ነይሩ። ምስ ቆረሱ ክኸዱ እንተደለዩ ንሱ ብዙሕ መደናጐዪ ምኽንያታት ምዝሎም። ከም መደናጐዪ ንክኾኖ ንወዱ ንሳይክል ናይቶም ግዳያት ኣትሒዙ ልኢኽዎ። ምእንቲ ነታ ሳይክል ንክጽበዩ ክደናጐዩ።
  • ኣብ መወዳእታ ጉዳዮም ወዲኦም ካብቲ ናይ ዕድመ ገዛ ክወጹ እንከለዉ ናይ ሱዳን ኣባላት ጽጥታ ዩኒፎርም ዝተኸድኑ ሰባት ንኣገዳሲ ጉዳይ ኣብ ጸጥታ ሱዳን ትድለዩ ኣለኹም ኢለምዎም። ንሳቶም ድማ ቅድሚኡ ብጉዳይ ኤርትራውያን ናብ ጸጥታ ምኻድ ዘዘውትርዎ ስለ ዝነብሩ ነቲ ዝተባህልዎ ተቐቢለምዎ።
  • ናብ ቤት ጽሕፈት ጸጥታ ከሰላ ክውሰዱ እንከለዉ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ሪአምዎም እዮም። .ኣብቲ ዝተታሕዝሉ መዓልቲ ኣብ ሓንቲ ናብ ዶብ ኤርትራ ገጻ ብኣዝዩ ቅልጡፍ ፍልጥነት ተኸይድ ዝነበረት መኪና ተራእዮም።
  • እቲ ዝዓደሞም ተሓባባሪ መንግስቲ ኤርትራ ተስፋጼን ገብረየሱስ እቲ ኩነታት ስ ተሰምዐ፡ “እንታይ ጸገም ኣለዎ ዘይናብዓዶም እዮም ከይዶም” ክብል ተሰሚዑ።
  • ብጾት ናይዞም ዝተጨውዩ፡ ኣብ ከተማ ከሰላ ኣብቲ ምጭዋይ ተስፋጼን ገብረየሱስ ተሓታቲ ምዃኑ ንጸጥታ ሱዳን ሓቢሮም። ሓለፍቲ ሱዳን ጉዳዩ ከም ዝረአ ገሊጾም ነይሮም። እንተኾነ ኣብቲ ግዜቲ እቲ ገበነኛ ተስፋጼን ካብ ሱዳን ወጻኢ እዩ ነይሩ።
  • ዋላ’ኳ ካብ ሓደ ቤት ማእሰርቲ ናብቲ ሓደ ከርተት የብልዎም ኣለዉ ዝብል ወረ እንተሃለወ፡ እቲ ተረኽቦ መወዳእታ ናይ ምንባሮም ትርጉም እዩ።

 

ኣብ 1990ታት ካብ ዝጠፍኡ

 

  1. መምህር ግርማይ ገበረህይወት፡ ገዲም ተጋዳላይ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝነበረ እሞ ኣብ ኣስመራ ብ194 ምስ ተኣሰረ ኣሰሩ ዝጠፈአ፡
  2. መሓመድ ምፍታሕ ኣብ 1996 ዝጠፈአ
  3. መሓመድ ባኒ፡ገዲም ተጋዳላይ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝነበረ ድሕሪ ናጽነት ናብ ሃገሩ ምስ ተመለሰ ኣብ ከተማ ዓዲ ቀይሕ ተኣሲሩ ዝጠፈአ።
  4. እምባየ ሕድሩ፡ሊባን ዝዓዱ፡ 1996 ኣብ ባረንቱ ዝተኣስረ። ቅድሚ ናብ ኤርትራ ምምላሱ ኣብ ሱዳን ወዲ ሸሪፈይ ዝነብር ዝነበረ።
  5. ወልደስላሴ ቻንቹ
  6. ገብረ ብርሃን ዘርአ፡ ብ4 ለካቲት 1997 ኣብ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ምስ ተጨወ ደሃይ ዘየብሉ

ኣብ ሓንቲ መዓልቲ ብ16 ታሕሳስ 2002 ዝተሰወሩ 10 ገዳይም ናይ ነጻነት ተቓለስቲ

 

እዞም ዝስዕቡ 3 መንግስቲ ኤርትራ ብ1992 ኣብ ከባቢ ጋሽ ኣብ ልዕሊ ተጋደልቲ፡ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶ መጥቃዕቲ ምስ ወሰደ ዝተኣስሩ እዮም። ኣብ 2000 ካብ ማእሰርቲ ምስ ወጹ ክሳብታ ብ16 ታሕሳስ ዳግማይ ዝተኣስሩላ፡ ገሊኦም ኣብ ሲቪላዊ ስራሕ ገሊኦም ድማ ኣብ ትምህርቲ እዮም ተዋፊሮም ነይሮም። ድሕሪ ዳግማይ ምእሳሮም ግና ዝኾነ ሰብ ኣይረኣዮምን

  1. ገብረልኡል ዓንደጼን፡(ቀንዲ ዓዱ ዓዲ ያቆብ ኣብ ኣውራጃ ሓማሴን) ሓደ ቆልዓ ዝወለደ ናብ ቦታ ስርሑ እንዳኸደ ዝተኣሰረ
  2. ሃብተሚካኤል በርሀ፡(ቀንዲ ዓዱ ኮርባርያ ኣውራጃ ኣከለጉዛይ) ናብቲ ዝመሃረሉ ዝነበረ ዩኒቨርስቲ ኣስመራ እንዳኸደ ዝተኣሰረ። ፡ ክሳብ ድሕሪ ነጻነት ናብ ኤርትራ ዝምለስ ካብ 1975 ጀሚሩ ተጋዳላይ ትጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝነበረ።
  3. ዓንደብርሃ ኪዳነ፡ (ቀንዲ ዓዱ ኣሕሰኣ ኣውራጃ ሰራየ)

Disappeared 1         ገብረ ልኡል ዓንደጼን                 ሃብተማርያም በርሀ                ዓንደብርሃን ኪዳን

 

እዞም ዝስዕቡ 2 ሓርበኛታት ድሕሪ ናጽነት ማሕበራዊ መነባብረኦም ንክመርሑ ናብ ኣስመራ ዝተመልሱ እዮም። ክሳብቲ ናይ 16 ታሕሳስ ማእሰርቲ ድማ ሕጊ ኣኽቢሮም ዝኸዱ ዜጋታት እዮም ነይሮም።

  1. መምህር ሃይለስላሴ ገብረኪሮስ፡(ቀንዲ ዓዱ ሓድሽ ዓዲ ኣከለጉዛይ) ናብቲ ዘስተምህረሉ ቤት ትምህርቲ እንዳኸደ ዝተኣሰረ። ሳይክሉ ኣብ ኣብ ሓደ ጐደና ከተማ ኣስመራ ተደርብያ ተረኺባ።
  2. ኣማነዝጊ ተኸስተ፡(ቀንዲ ዓዱ ዓዲ ንኣምን ኣውራጃ ሓማሴን) ካብ መንግዲ ተኣሲሩ ታክሲ ብዝዓይነታ መኪና ዝተወስደ ሳይክሉ ኣብ ጐደና ዝተረኽበት።

Disappeared 2                                            

                 ሃይለስላሴ ገብረክርስቶስ                                   ኣማነዝጊ ተኸስተ

  1. ገብረህይወት ቀለታ፡ መጀምርያ ካብ ሱዳን እዩ ተጨውዩ። ደሓር ድሕሪ 8 ዓመታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ምጽናሕ፡   ኣብ 2000 ተፈቲሑ። ብ2001 ዳግማይ ምስ ተኣሰረ ሃለዋቱ ኣይተፈለጠን

እዞም ዝስዕቡ 5 ክሳብ ናጽነት ኤርትራ ኣንጻር መግዛእቲ ኢትዮጵያ ንተጋደልቲ ሓበሬታ ዝህቡ ዝነበሩ ሲቪል እዮም። ድሕሪ ናጻነት ኤርትራ ክሳብ ብህግደፍ ኣብ 16 ታሕሳስ 2002 ዝእሰሩ ንቡር ህወቶም ዝመርሑ ዝነበሩ እዮም። ኣብ መወዳእታ ብህግደፍ ምስ ተኣስሩ ኣሰር ዘየብሎም ጠፊኦም።

  1. መምህር መሓሪ ሃይለመለኮት መሓሪ፡ኣብ ኣስመራ ዝተኣስረ (ቀንዲ ዓዱ ታራ እምኒ ኣውራጃ ሰራየ)
  2. መምህር መሓሪ ደበሳይ፡ኣብ ከረን ዝተኣስረ። ሓደ እዋን ተፈቲሑ ኣስመራ ትራክ ቢ ኣብ ዝተባህለ ቦታ ተራእዩ ተባሂሉ ዝነበረ ደሓር ግና ዝጠፈአ።
  3. መምህር ዮሃንስ ኣይዝጊ፡ኣብ ኣስመራ ዝተኣስረ (ቀንዲ ዓዱ ኣውራጃ ኣከለጉዛይ።
  4. መምህር ሓድጉ ተኽለ፡ኣብ ኣቑርደት ዝተኣስረ። (ዓዱ ኣብ ውራጃ ሓማሴን)
  5. ወልደኣብ ዓንደማርያም፡ ኣካያዲ ንግዳዊ ባንኪ ኣብ ከተማ ኣስመራ ዝተኣስረ። (ቀንዲ ዓዱ ዓዲ ያቆብ ኣውራጃ ሓማሴን)
Last modified on Wednesday, 17 February 2016 20:54