ኤርትራዊ ላዕለዋይ መራሒ ተቓውሞ ብሓለፍቲ ሱዳን ተኣሲሩ

2016-02-03 10:42:53 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰደህኤ Published in EPDP News Read 2523 times

ኣቶ ሑሴን ከሊፋ ኣቦመንበር ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን ኣቦመንበር ማእከላይ መሪሕነት ኤርትራዊ ደሞክራሲያዊ ኪዳንን ብ30 ጥሪ 2016 ብሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ኣብ ካርቱም ከም ዝተኣስረ ተርጋጊጹ። ብዘይካዚ ኣብቲ ዕለት እቲ ብጻዩ ኣባል መሪሕነት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ኣቶ ዓብደላ ሓምዶይ ኣብ ከሰላ ተኣሲሩ። ሰበስልጣን ሱዳን ብዛዕባ’ዚ ሃንደበታዊ ማእሰርቲ ዝሃብዎሓበሬታ የለን።

እቲ ነዚ ዝምልከት ዜና ብመጀመርያ ብ2 ለካቲት 2016 ብመርበብ ሓበሬታ ኣዱሊስ እዩ ተዘርጊሑ። ድሕሪ እዚ እቲ ኩነታት ከም ዝተፈጸመ ሰደህኤ ካብ ኣቶ ሓሰን ኣሰድ ምክትል ኣቦመንበር ተሓኤ መረጋገጺ ረኺቡ። ኣብዚ እዋንዚ መንግስቲ ሱዳን ናይቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ናይ ቀረባ ዓርኪ እዩ። በዚ መሰረት እዚ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኣስመራ ኣብዚ ናይ ነጻነት ተቓለስቲ ማእሰርቲ ኢድ ከይህልዎ ስግኣት ኣሎ።

woldemariamMalitekhlebran           መሓመድ ዓሊ ኢብራሂም            ወልደማርያም ባህልቢ                    ተክለብርሃን ተ/ጻድቕ

ምስዚ ብዝተተሓኣዘ ክዝከር ዘለዎ፡ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመታት ኣብዛ ወርሒ እዚኣ፡ ዝያዳ ንምንጻር ብ14 ለካቲት 2012 ኣቶ መሓመድ ዓሊ ኢብራሂም ኣባል መሪሕነት ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሱዳን ከሰላ ሃለዋቱ ጠፊኡ እዩ። ደሓር ግና ኣብ ሓንቲ ካብተን ኣብ ኤርትራ ዘለዋ 360 ኣብያተ-ማእሰርቲ ናይቲ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ከም ዝተራእየ ዘመልክት ሓበሬታ ተረኺቡ እዩ። ኣብ ምስዋሩ ሓይልታት ሱዳን ምስ ልኡኻት ዲክታቶሪያዊ ስርዓት ኤርትራ ተሓባቢሮም ዝብል ክሲ ብሰፊሑ ክቀርብ ጸኒሑ እዩ።

ብተመሳሳሊ ኩነታት ቅድሚ 24 ዓመታት፡ ጸጥታ ሱዳን ኣብቲ ናይ 22 ማዝያ 1992 ጭውያ ኣባላት ፈጻሚት ኮሚተ ሰውራዊ ባይቶ ዝነበሩ ኣቶ ወልደማርያም ባህልብን ኣቶ ተክለብርሃን ገ/ጻድቕን ኣብ ከሰላ ኢድ ነይርዎም እዩ። እዞም ዝተጨውዩ ኣብ ተስዓታት’ኳ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኤርትራ ተራእዮም እንተነበሩ፡ ድሕሪኡ ግና ኣብ ኢድ ሓለፍቲ ኤርትራ፡ ኣበይ ከም ዘለዉን እንታይ ከም ዘጋጠሞምን ዝፍለጥ የለ

 

ብዙሓት ነቲ ስርዓት ዝተቓወሙ ኤርትራውያን በቲ ኣብ ኣስመራ ዘሎ ዲክታቶርያዊ ጉጅለ ካብ ሱዳን ክጭወዩን ኣብ ኣብያተ ቤት ማእሰርቲ ኤርትራ ክሓቁ ከም ዝጸንሑን ዝዝከር እዩ።

Last modified on Wednesday, 03 February 2016 11:49