ቤት ጽሕፈት ጕዳያት መንእሰያት 4ይ ስሩዕ ኣኼባኡ ኣካይዱ

2015-11-24 18:15:57 Written by  ቤት ጽሕፈት ጉዳያት መንእሰያት ሰደህኤ Published in EPDP News Read 2542 times

ትማሊ ዕለት 22 ሕዳር 2015 ቤት ጽሕፈት ጉዳያት መንእሰያት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ 4ይ ስሩዕ ኣኼባኡ ብዓወት ኣቓኒዑ። ኣብቲ ብተለኮንፈርንስ ንሊዕሊ ክልተ ሰዓት ዝተኻየደ ኣኼባ፣ ኣኼበኛታት ትግባረ ናይ ዝሓለፈ ወርሒ መደባቶም ድሕሪ ምግምጋምን ሓበረታ ድሕሪ ምልውዋጥን፣ ኣብ ናይ ዕለቱ ኣጀንዳ ዝኾነ ስለምንታይ ብኩራት መንእሰያት ኣብ ዝካየድ ሃገር ናይ ምድሓን ሃገራዊ ቃልሲ ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ብዕምቆት ዘትዮም።

ኣብዚ ኣርእስቲዚ ኣኼበኛታት ንብዝሓ-ተሳትፎ መንእሰያት ኣብ ሃገራዊ ቃልሲ መኸላእታ ዝኾኑ ብዙሓትን ዝተፈላለዩን ምኽንያታት ብኹሉ ሸነኻት ከምዘለዉ እኳ ኣንተዘርዘሩ፣ እቲ ቀንዲ ጠንቅታት እንታይ ምዃኑ ንምፍላጥ ግን ብቀጥታ ምስ መንእሰያት ተራኺብካ ካብኦ ምስምዑ ኣገዳሲ ከምዝኾነ ብሓባር ኣስሚሮምሉ። ነዚ ዕላሚዚ ንምትግባር ድማ ኣባላትን ዘይኣባላትን ዘይብል መጠነ ሰፊሕ መጽናዕቲ ከምዘድሊ ብምእማት፣ ንመጽናዕቲ ዝሕግዝ ሰነዳት ኣተዳሉ 5ተ ዝኣባላታ ሽመገለ መዚዞም።

ንርእሱ ዘይከኣለ ዜጋ ንህዝቡን ንሃገሩን ኣይበቅዕን እዩ፣ መንእሰያትናውን ካብ ከርፋሕን ትሑትን ህይወት ናብ ኣዝዩ ዝተሓላለኸ ህይወትን መነባብሮን ይመጹ ስለዘለዉ፣ ዕቁባ ምስ ረኸቡ ኮነ ከይረኸቡ ዘሕልፍዎ ዘለዉ ህይወት ጸቅጥን፣ ጭንቀትን፣ ብስጭትን ዝመልኦ ስለዝኾነ እዚ ኩነታትዚ ንባዕሉ ንመንእሰያትና ንድሕነት ህዝቦምን ሃገሮምን እጃሞም ከየበርክቱ ሓሊኹ ካብዝሓዞ ሓደን ቀንድን ክኸውን ይኽእል እዩ ዝብል ሪኢቶውን ኩሎም ኣኼበኛታት ዝተሰማምዑሉ ነጥቢ ነይሩ። ካብዚ ተረድኦዚ ብምብጋስ ድማ፣ ኣባላት ቤት ጽሕፈት ጉዳያት መንእሰያት ሰልፈይ ሰልፍኻ ማሕበረይ ማሕበርካ ንዝብሉ ፈላላዪ ሓጽርታትን ድልድላትን ሰጊሮም ንኹሉ ኤርትራዊ ዘብኡ መንእሰይ መባእታዊ ሓገዝ ከበርክቱ ቃል ኣትዮም። እቲ ከም መበገሲ ንመንእሰያት ክወሃብ ተመዲቡ ዘሎ ሓገዝ፣ መንእሰያት ኣኣብ ዘለውዎ ሃገርን ከባብን ኣቀዲምካ መስቲ ሕግታት፣ ኣገባባት፣ ዝተፈላለዩ ዕድላትን፣ ቀልጢፎ ንኽላለዩን ተጠቀምቱ ንክኾኑን ዝሕግዞም ሓበረታታትን ኮርሳትን ምሃብ፣ ከሙውን ኣብ ኣምር ደሞክራስን መንፈሱን፣ ሰብኣውን፣ ፖለቲካውን፣ ቁጠባውን፣ ማሕበራውን፣ ባህላውን መሰላቶም ንዝምልከት ብቁዕ ኣፍልጦ ከምዝህልዎም ዝሕግዝ ኣስተምህሮታት ምሃብ እዩ። ኮሚተ ምኽርን ምልመላን ድማ ምስ ምትሕብባር ናይ ካልኦት ኣባላት ነዚ መድብዚ ኣብ ግብሪ ከተውዕሎ ሓላፍነት ወሲዳ።

ክብርን ሞገስን ንስዉኣትናን ስንኩላትናን

ዓውት ንዲሞክራስያዊ ቃልስና

ቤት ጽሕፈት ጉዳያት መንእሰያት ሰደህኤ

Last modified on Tuesday, 24 November 2015 19:18