ቃል መርበብ ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራውያን ኣብ ፈስቲቫል 2015 (ፍራንክፈርት)

2015-09-14 22:57:38 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰደህኤ Published in EPDP News Read 2308 times

ክቡር ኣቦ ወንበር EPDP መንግስትኣብ ኣስመሮም

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ኣባላት EPDP

ክቡራት ዕዱማት

ብስም መርበብ ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራውያን (Network Of Eritrean Women) ቃልና ከነስምዕ ዕድል ምሃብኩም እመስግን።

ዓሚ ኣብ ኤርትራ የራኽበና ኢለ ትምኒተይን ትምኒት ብዙሓትን ኣተብቢሄ ነይረ። ኣብ ክንድኡ ኣብ ጀነቫ ተራኺብና። እዚ ናይ መን ኮይኑ።

መርማሪት ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ እቲ መብዝሕትና ንፈልጦ ኣቀዲምና ዝሰምናዕናዮን ዝረኣናዮን ሰኒዳ። ንዓና ናኤርትራውያን ዳግማይ መርድእ ታሪኽ ግፍዒ ታሪኽ ሕገኣልቦነት ታሪኽ ዓመጻ ታሪኽ ቅትለትን ጥፋአትን ስደትን።

ጀነቫ ካብ ተላዕለ ክልተ ካብቲ ንመርማሪት ኮምሽን ዝቕረበ ሓጺር ምስክርነት ክጠቅስ ፍቀዱለይ። እታ መስካሪት ብዛዕባ ናይ ሓንቲ ምስ ህጻን ወዳ ዝተኣስረት መንእሰይ ኣደ ክትገልጽ ከላ ከምዚ ትብል:

„ ኣብቲ መጀመርያ ዝረኣኹዋ ግዜ የእዳዋ ብመቑሕ ተኣሲራ ጸኒሓትኒ። እቲ አተአሳስራ ናይ አእዳዋ ተሪር ስለዝነበረ በጻብዕታ ደም ቲፍቲፍ ይብል ነይሩ። ኣብ ርእሲኡ ውላዳ ከተጥቡ ስለዘይፈቕዱላ ዝነበሩ ብቓንዛ ናይ ኣጥባታን በቲ ብመቑሕ ዝተኣስረን አእዳዋ ኣዝያ ትሳቀ ነይራ። እተን ምስአ ዝነበራ ደቂኣንስትዮ ንኸይሕግዝአ ስለዘፈራርህወን ክገብርኦ ዝኽእላ ነገር ኣይነበረን“።

ሓንቲ ካልእ ብምኽንያት ካብ ኣገልግሎት ዝሃደሙ ደቃ ዝተአስረት ኣደ „ንኽልተ ሰሙናት ተአሲረ ክልተ ግዜ ድማ ብአማሓዳሪ ናይቲ ቦታ ተዕሚጸ። ብሰንኪ ፍርሂ ግን ከምዚተዕመጽኩ ኣይነገርኩን“ ትብል።

ነዚ እዩ ኣብ አርትራ ፍርሒ እምበር ሕጊ ኣይኮነን ነጊሱ ዘሎ ዝተባህለ።

ብመንጽር እዚ ስርዓት ኢሳያስ አፈወርቂ ብሃማድኤ ኣቢሉ ዓሚ ናብ CEDAW/UN ኣብ ዘመሓላለፎ ጸብጻብ „ኣብ ኤርትራ ጾታዊ ዓመጻ የለን“ ዝብል ኢዩ ነይሩ። መሰል ጓልኣንስተይቲ ኣይንታዩን ሲለዚኾነ። ዓመጻ ቑሒምካ ትም በል ዚብል ስርዓት ስለዚኾነ። ወልቀመለኽቲ ንደቂኣንስትዮ ከም መሳርሒ (Object) ኢዮም ዝሪኡወን።

ስርዕተ ኢሳያስ እፈወርቂ ምሕደራ ሃገርን ህዝብን እንዋስአሉ: ክእለትናን ዕቕምናን ንምዕብልናን ሃገርናን ነበርክተሉ ግዜ ዘባኾረ ብኽብረትናን መንነትናን ዝተጣልዔ ህይወትና ብሰላም ንመርሓሉ መዋእል ዝሰረቐ ስርዓት ኢዩ።

በዚ ኣንጻር ክርኤ እንከሎ ካልኦት ናይ ኣፍሪቃ ሃገራት ኣብ ቁጠባዊ ማሕበራዊ ፖለቲካዊ ምዕብልናታት ይኹን ኣብ ሱታፌ ደቂኣንስትዮ ብዝምልከት ገዲፈናና ኢየን ንቕድሚት ዝውንጨፋ ዘለዋ። ንኹነታት ደቂኣንስትዮ ብዝምልከት 30-40% ቦትኤን ኣብ ፓርላማ ትሑዝ ኮይኑ ኣገዳሲ ናይ ሚኒስተር ቦታታት ክሕዛ በቒዒን ኣለዋ። ናይ ኬንያን ሶማልያን ናይ ወጻኤ ጉዳይ ሚኒስተራት ደቂኣንስትዮ ኢየን። ኣብ ሶማልያ ንዝመጽእ ዓመት ንፕረሲደንታዊ ምርጫ ነብሳ ሓጺያ ዘላ ፋዱማ ዳዪብ ኢያ።

ንሕና ኣብ ደምበ ፍትሒኸ ከመይ ኣለና? ካብ ዓሚ ሎምዘመን ንሓይሽ። ኣብ መብዝሕትኡ ተበግሶታት ተጸዊዔን ዶ እዘን ኣሓትና ተባሂሉ ይሕተት ኣሎ። ቁጽሪ ተሳተፍቲ ደቂኣንስትዮ ኣብ ዝኸድካዮ ይልለ ኣሎ። EPDP ሎሚ ኣብ መደብኩም ብዛዕባ ሱታፌ ደቂኣንስትዮ ከም ኣርእስቲ ምስፋርኩም ዝናኣ ኢዩ።

ብወገንና ኣብዚ ዓመት በዓቕምና ንኩነታት ኤርትራን ኩነታት ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራውያን ኣብ ምቅላሕን ደቂኣንስትዮ ንምርግጋጽ መሰለን ኪብገሳ ከነተባብዕ ኸሪምና። ካልኣይ ሲምፖዝዩም ኣብ ፍራንክፉርት ኣብ መጋቢት ናይዚ ዓመት ኣባላት ናይ ተበግሶ ማሕበር ደቂኣንስትዮ ኤርትራ ኣብ ጀርመንን ነጻ ማሕበር ደቂኣንስትዮ ንዲሞክራስን ሰላምን ዚተሳተፍኦ ጽቡቅ ናይ ምርድዳእ መንፈስ ዝዓሰሎ ሰፊሕ ምይይጥ ኣካይድና። ኣወሃሃዲት ኮሚተ መሪጽና። ገላ ክፋል ናቱ ብራድዮ መድረኽ ተዘርጊሑ ናይሩ። ኣባላት ናይዘን ሰለስተ ማሕበራት ኣቀዲምና ብሓባር 8 ማጋቢት ኣብ ፍራንክፉርት ኣብዒልናዮ።እዚ ኩሉ ግን ገና መባኢታዊ ኢዩ።

ንደምበ ፍትሒ ዝጽበየና ዘሎ ብድሆታት ገና ኣይነከየን። ዋሕዚ ስደት አርትራውያን ኣባና ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ኩሉ ማእኸናት ዜና ብፍላይ ድማ ኣብ አውሮጳ ኣሪእስቲ ኮይኑ ኣሎ።

ጸብጻብ መርማሪት ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ንኽውንነትና ብጥርኑፍ ዝገልጽ ናይ መወከሲ ሰነድ ኢዩ። እዚ ግን ንዋንነት ናይ ጉዳይና መተካአታ ኣይኮነን። መመላእታ ጥራይ ኢዩ።

እቲ በብጉጅለኻ በበይንኻ ዝግበር ተበግሶታትን ስርሒታትን ናብ ተጠርኒፍካ ስርሓትካ አተወሃህደሉ ክሰጋገር ይድለ ኣሎ። ዘሎና ምንጭታት ግዜን ብግቡእ ክንትቀመሉ፣ ካብ ተደጋጋምነትን ምስሉይ ውድድራትን ንኽንወጽእ ደምበ ፍትሒ ዚመርሖ ኣካል የድልዮ ኣሎ። ናይ ሚልዮናት ድሌትን ባህግን ዘንጸባርቕ ዝጠምር መሪሕነት። ሓደ ካብቲ ፍሽለት ኣመራርሓ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ንዑኡ ዝትክእ መራሒ ዝሊለየሉ ኩነት ዘይምፍጣሩ ኢዩ። ስለዚ እቲ ሓላፍነት ናባና ናይ ኩልና ኢዩ። ኤርትራ ዋሕዲ ክኢላታትን ሰብ ደለይቲ ፍትሕን ኣይኮነን እቲ ጸገማ። ብዘይ ኣማእካሊ መሪሕነት ኣብ ንበጽሖ የብልናን። ወሃብቲ ዕድልን ተጠቀምቲ ዕድልን ንኹን። ከይተጸባጸብና። እቲ ኣብ መእተዊ ዘንበብኩልኩም ዓመጻ ከይድገም ምእንቲ።

ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘሎ ህዝብና ናይ ተስፋ ንፋስ ከነስንቖ እንተኾይንና ነዛ ቀሪብኩማ ዘለኹም ጭርሖ „ዘተ ብዘይ ቅድመኩነት“ ተግባራዊት ንግበራ፣ ትማሊ፣ ሎሚ። ጩራ ናታ ኣብ ጀነቫ ሪኢናያ ኢና።

ዕዉት ኮንፈረንስ ይምነየልኩም።

የቀንየለይ።

Last modified on Tuesday, 15 September 2015 01:00