ቃል ደገፍ ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራ ንፈስቲቫል ኤርትራ 2015

2015-08-04 06:42:58 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2897 times

EDPLogo

ክብርቲ አደ መንበር አሰናዳኢት ሽማግለ

ክቡር አቦ መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ

ኩቡራንን ኩቡራትን መራሕትን አባላትን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ

ክቡራንን ኩቡራት ተሳተፍቲ ሰፊሕ በዓል ኤርትራውያን 2015

ብቐዳምነት አሰናዳኢት ሽማግለ ሰፊሕ በዓል ኤርትራውያን 2015 አብዚ ናይ ልዝብ መኣዲ ተረኺብና መልእኽትና ከነሕልፍ ንዝተገበረልና ዕድመ መሰረት፡ ብሽም ኣባል ፈጻሚት ሽማግለ ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራዊ ብጻያውን ሃገራውን ሰላምታይ የቕርበልኩም። አስዒበ ካልአይ ሰልፋዊ ጉባኤኹም አብ ድሮ እዚ ስፊሕ ህዝባዊ አኼባ ዝተኻየደ፡ ሃገራዊ ናጽነት ዘዕቅብን ዘውሕስን፤ ሓድነት ህዝቢ ዘውሕስን፤ ውሳኔታትን መደባትን ሒዙ ክወጽእ ምንዩትና ኢዩ። እዚ ሎሚ አብ ትሕቲ ድሕነት ሃገርን ህዝብን ዝብል ቴማ ዝካየድ ዘሎ ሰፊሕ በዓል ኤርትራውያን 2015 ዓቢ ኣበርክቶን ኣገዳስነትን ዘሎዎ ሃገራዊ ጉዳይ ብምዃኑ ምሉእ ዓወት ጨቢጡ ክወጽእ ድልየተይን ትምኒተይን ወሰን የብሉን።

እዛ ድሕሪ ናይ 30 ዓመታት ብረታዊ ቃልሲ ናጻ ዝኾነት ሃገርና ኤርትራ፡ መሰል ህዝባ ዝኽበረላ፤ ሰላምን ምዕባለን ዝረጋገጸላ፤ ዲሞክራሲያዊ ኣገባባት ዝዕምቡብላ ሃገር ንክትከውን ድልየትን ባህግን ኩላትና ኢዩ። ይኹን እምበር እዚ እንገጥሞ ዘሎና ስርዓት ህግደፍ፡ ከም ኩሎም ሚልካውያን፤ ገበቲ፤ ወይ መጸይቲ፡ ዋላ እኳ ነፍሲ ወከፍ ስርዓት ናቱ ፍሉይ ባህሪ ይሃልዎ፡ ብመሰረቱ ኩሎም ሓደ ኢዮም። ኣብ ልዕሊ ህዝቦም ዘውረድዎ፡ ግፍዕን ጭቆናን፤ ሞትን ህልቂትን፤ ጥምየትን ውርደትን፤ ብብእዋኑ ብቡዙሓት ዝተቓለዔ ብምኻኑ ብዝርዝር ምእታዉ ዘድሊ አይመስለንን። እንሆ እዚ እንሪኦን እንሰምዖን ዘሎና ምብትታን ውጽኢት ቁጠባዊ፤ ፖለቲካዊን ማሕበራውን ፖሊሲታት ስርዓት ህግደፍ ኢዮም።

እምበአር ካብዚ መሰረታዊ ሓቂ ብምብጋስ ዕላማ ኩላትና ንሚልኪ ብዲሞክራሲ ንምትካእ ኢዩ። ንፍተዎ ንጽላኣዮ ካብዚ መሰረታዊን ወድዓውን ሓቂ ክንወጽእ ወይ ካልእ መተካእታ ዕላማ ክህልወና ዝኽእል ዘሎ ኣይመስለናን። ኩሎም ፖለትካውያን ውድባትን ሰልፍታትን፤ ሲቪካዊ ማሕበራት፤ ናይ መናእሰያት ማሕበራትን ምንቅስቓሳትን፤ ናጻ ህዝባዊ ምንቅስቓሳትን (Grass-root movements)፤ ኩሎም ብዛዕባ ድሕነት ህዝቦም ሃገሮምን ዝግደሱ ውልቀ ሰባት፡ ኣብ ጉዳይ ሃገርና ዘሎ ጸገማትን አፈታትሑን ብትዕግስቲን ልቦናን ሓላፍነትን ብዝመለኦ አገባባት ክሪኢዎን ክፈትሕዎን ትጽቢት ኩልና ምዃኑ ንአምን።

ክቡራንን ኩቡራትን ተሳተፍቲ

ህሉው ኩነታት ደንበ ተቛውሞና (ነባራት ይኹን፤ አብ‘ዚ እዋናት ዝበጋገሱን ዝወዳደቡን ሓደስቲ ፖለቲካውያን ሓይልታት፤ ማሕበራት ናይ መናእሰያት፤ ህዝባውያን ምንቅስቓሳት (grassroot movements) ሲቪክ ማሕበራት) ወዘተ…..። ኣብ ቀጻሊ ምርባሕ፤ ምፍንጣሕ፤ ምውህሃደ፤ ምፍንጫል መድረኽ ንርከቡ። ዝተጠርነፍናንን ዝተወደብናን መደባትና ኣጻፊፍና ክንብገስ አይከአልናን፡ ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚት ከይከድና ኣብ ጎልጎል ንርዅመሽ ብምህላዉና፤ ከምኡ‘ውን ዘሎናዮ መድረኽ ኣዝዩ ተኣፋፊ ኣብ ኩነታት ናይ ሃገርና ሰማዕቲ እምበር ተዋሳእቲ ካብ ምዃን ንግለፍ ብምህላውናን፡ ከምኡውን ደድሕሪ ፍጻሜታት እምበር ብናትና ተበግሶ እንፍጽሞ ስርሒታት አዝዮም ዝወሓዱን ዝደቐቑን ብምዃኖም ንኹልና ብዓቢ ምረት ዘተሓሳስቡና ጉዳያት ምዃኖም ክንሓብኦም ዘይንኽእል ሓቅታት ኢዮም። እዚ ከም ንቡር መሲሉ እንሓልፎ ዘለና ኲነታት ናይ ስምረትን ምፍንጫልን ተዋስኦ ዘስዕቦ መዘዝ ከም ዘለዎ ንኹልና ብሩህ ዝዀነ ጉዳይ ኰይኑ ኣሎ። ክሳብ ሕጂ ኣብ ታሪኽና ሓድነት ብተቛወምቲ

ውድባት ክመጽእ አይተራእየን ወይ ኣይክእልን ኢዩ ዝብል ርድኢት እኳ ኣይሃልወና፡ ዝተጠቐምናሉ ኣገባባት ብመሰረቱ ክንቅይሮ ዘገድዱና ኩነታት እንዳተፈጥሩ ምህላዎም ግና ርዱእ እንዳኾነ ይመጽእ ኣሎ።

ናይ ተቛውሞ ሓይሊ ተበታቲኑ ምትራፍ ጥራሕ ዘይኰነስ ብኩሉ ሸነኻቱ ናብ ነንሕድ-ሕዱ ክዋቓዕ ይርኤ ኣሎ። ክንድ’ዚ ዝኣክል ርሕቀት ዘለዎ ውጽኢታትን ክስተትን ዘኸትል ካብኰነ ንሓድነት ዝዕንቅፉ ኲነታት ኣየኖት እዮም? ኢልና ክንሓትትን መልሲ ክንረኽበሎም ፍተሽ ክንገብርን ክንጽዕርን ኣገዳሲ ኰይኑ ንረኽቦ።

ክቡራንን ኩቡራትን ተሳተፍቲ

እቲ ክሳብ ሕጂ ክንከዶ ዝጸናሕና መገዲ ከዕውተና ኣይከኣለን፡ ስለምንታይ ኣይተዓወትናን? ኣበይ ኢዩ እቲ ጸገም? ወዘተ….. ቡዙሕ ክሕተቱ ዝኽእሉ ሕቶታት ክቐርቡ ይኽእሉ‘ዮም። ብመሰረቱ እቲ ቁኑዕ ኣገባብ ኣፈታትሓ ግርጭታት/ጸገማት ስለ ዘይተኸተልና ወይ ስለ ዘይደለና ወይ ድማ ስለ ዘየርባሓና ጥራይ ኢዩ ዝብል ግምት ክህልወና ይኽእል ኢዩ። ‘ ናበይ ትኸይድ ኣለኻ እንተደኣ ዘይትፈልጥ ኮይካ፡ ኩሉ መገዲ ይወስደካ ኢዩ። ሓሲብካሉ፤ ዓሊምካሉ ስለ ዘይኮነ መዋእልካ ክትጓዓዝ ትነብር፡ ዘሎናዮ ኩነታት እውን እዚ ይመስል። እቲ ጸገም ኣብ ኩሉ ኢዩ ኣብ ፖለቲካዊ ውድባት/ሰልፍታት፤ ኣብ ማሕበራት፤ ሲቪካዊ ምንቅስቓሳት፤ ብዓቢኡ ድማ ኣብ ህዝቢ። ኩሉ ኣብ ኤርትራ ብጽሒት (stake) ኣሎኒ ዝብል፡ ርእይቶ ካብ ምሃብ ኣይተቖጠበን። ርእይቶን፤ ሓሳባትን፤ ጸገማትን፤ ድልየታትን ናይ ኩሉ እቲ እጀታ ኣሎኒ ዝብል ክንሪኦ፤ ክንፈትሖ (adress) ክንገብሮ ወይ ናብ ሓደ ማእከላዊ ሚዛኑ ዝሓለወ መድረኽ ከነሰጋግሮ እንተዘይኪኢልና ሓድነት ከነረጋጻ ዝከኣል ኣይኮነን፡፡ ሓድነት ናይ ኣተሓሳስባ እምበር ግድነት ኣካላዊ ምትሕንፋጽ ናይ ውድባት/ሰልፍታት ወይ ማሕበራት ኣይሓትትን‘ዩ። ኩለን እተን ተመሳሳሊ ዕላማታት ዘሎወን ኣብቲ የርባሓና ኢዩ ዝብልኦ ጊዜ ክተሓናፈጻ ወይ ክላፈና ጸገም ዘሎዎ ኣይመስልን። እቲ ጸገም ዝተፈላለየ ዕላማታት ሓቒፍካ ናብ ሓደ ምምጻእ ዝከኣል ኣይኮነን ጥራይ ተባሂሉ እውን ክሕለፍ ኣይግብኦን፡ ግቡእ ኣፈታትሓ ጸገማት (conflict resolution) ምስ እንጥቀም ኣብ ኤርትራ ክፍታሕ ዘይኽእል ጸገም ኣሎ ኣይንብልን፡ ምናልባት ገለ ውሑዳት ኣየርባሓናን ኢዩ ዝብሉ ክህሉዉ ይኽእሉ፡ ኣብዛሓ ክፋሉ ግን ረብሕኡ፤ ህላዊኡ፤ ዝደኸመሉን መስዋእቲ ዝኸፈለሉ ስለ ዝኾነ ነዚ መስመር ሓድነት ሓቛፊኡ ኢዩ።

ክቡራንን ኩቡራትን ተሳተፍቲ

መስርሕ ሓድነት ከም ሓደ package ወሲድካ ክረኤ ይግባእ፡ ብኣቋራጭ ትበጽሖ እውን ኣይኮነን፡ ኩሉ እቲ ቅደም ተኸተል (sequencies or logical orders) ከየዛነፍካ እትኸዶ መገዲ ኢዩ። ንድሕሪት ምምላስ መታን ከይህሉ ኣድለይቲ ዝባሃሉ መጽናዕትታት፤ ውጥናት፤ ኣማኸርትን ኣዳለውትን ካብ ኩሉ (Adhoc committee) ከምኡ‘ውን ኣብ ህዝቢ በዚ ናይ ኣዳላዊ ጉጂለ ሰፊሕ ኣስተምህሮታት ኣብ ሓድነት ዘተኮረን መገዲ ሓድነትን ኣገባባቱን ክዝርግሕን ርእይቶታን ሓሳባትን ካብ ህዝቢ ክቕበልን ሙሉእ ሓላፍነት ዝተረከበ መድረኽ ዘተ (stakeholders meeting) ዝዕድም አካል መድረኻዊ ኮይኑ ይረኣየና። መድረኽ ዘተ፦ (stakeholders meeting) ካብ ኩሎም እቶም ኤርትራ ትብጻሓና ኢዮም ዝብሉ ወገናት ፖለቲካውያን ውድባት/ሰልፍታት፤ ህዝባዊ ማሕበራት፤ ተሰማዕነት ዘሎዎም ዓበይቲ ዓዲ፤ ናይ ሃይማኖት መራሕቲ፤ ሙሁራት ወዘተ…… ወኪላት ዝሳተፍዎ ወይ ዝማኸሩሉ መድረኽ‘ዩ።

እምበኣር ካብዚ ሓቂ ተበጊስና ሓደ ናይ መፍትሒ ሓሳብ ከነቕርብ ይፈቐደልና። ናብ ኩሎም ፖለትካውያን ውድባት፤ ማሕበራት፡ ምንቅስቓሳት፤ ሲቪካዊ ማሕበራት፤ ሙሁራት፤ ኣገድስቲ ተሰማዕነት ዘሎዎም ሃገራውያን ብሓፈሻ ኩሎም ኣስተዋጽኦ ብምስጢር ይኹን ብጉሁድ ከነበርክት ግቡእና ኢዩ ዝብሉ ወገናት ዝሓቖፈ፡ ነዚ ዝስዕብ እማመ ከነቕርብ ኮሎና ሃገርና ኤርትራ ካብ ዝኸፈኤ ናብ ኣዝዩ ዝኸፈኤ ውድቀት ትጓዓዝ ብምህላዋ ንድሕነታ ቅድሚ ኩሉ ክስራዕ ስለ ዘሎዎ‘ዩ።

1. ሓድነት ዝህሉ ዕላማን ግብሪን ክሳነ ከሎ ኢዩ። ብመሰረቱ ቀንዲ ዕላማ ናይ‘ዚ ዘተ ዕላማ ምንጻር ኢዩ። ዕላማና ብከመይ ኢና ነነጽሮ? ኣድላይነት ቃልሲ ንጸገማት ወይ ሽግራት መሰረታዊ ፍታሓት ንምርካብ‘ዩ። እንበኣር እቲ ስራሕ ክብ ምንጻር ጸገማት/ሽግራት ይብገስ (problem identification) ድሕሪ‘ዚ ናብ ምትንታን ናይቶም ጸገማት/ሽግራት (problem analysis) ብምእታው ናብቲ ቀንዲን ወሳኒን ጠንቂ ናይቲ ሽግር/ጸገም ምርካብ። እቲ ቀንዲ ጸገም ወይ ሽግር እንተደኣ ሮቚሕናዮ እዚ እቲ መሰረታዊ ናይ‘ዚ ዘለናዮ መድረኽ ቀንዲ ዕላማና (Overall Goal) ይኾውን። ሓድነት ዝህሉ ኣብ ምቕባልን ዘይምቕባልን ናይ‘ዚ ዕላማ ኢዩ። እዚ እቲ ቀዳማይን መሰረታዊ መፈላለዪ ንጥቢ ኢዩ።

2. ድሕሪ ምፍታሕ ናይቲ መሰረታዊን ቀንድን ጠንቂ ማለት ድሕሪ ውድቀት ስርዓት ህግደፍ ዝህሉዉና መጻኢ ዕላማታት (immediate objectives) ምቛም መሰጋገሪ ወይ ጊዝያዊ መግስቲ፤ምቛም ሃገራዊ ኮሚሺን ቅዋም፤ ቅጥዒ መቖሚ ሰልፍታት፤ ምቛም ኣገደስቲ ኮሚሺናት ዕርቂን ካልእ ከም ኣገዳስነቶም፤ ምቛም ባይቶ ወይ ፓርላማ፤ ምትግባር ናጻን ርትዓዊ ምርጫ። ኣብ መወዳእታ እቶም ጠንቂ ንሓድነትና ዝኾኑ ኣብ ንፍሲ ወከፍ ፕሮግራማትና ሰፊሮም ዝርከቡ ሃይማኖታዊዶ ዕልመናዊ መንግስቲ፤ ሙእኩልዶ ዘይምእኩል፤ ፈደራሊያዶ ወይ ብሄራዊ/ክልላዊ ምምሕዳር፤ ምንጻልን ዘይምንጻልን፤ ናይ ቋንቋ፤ ሃገራዊ ባንዲራ፤ ኣስማት ምምሕዳራት ወዘተ… ካብ ደረጃ ውድብ/ሰልፊ ወጺኦም በቲ ዝቖመ ባይቶ ወይ ፓርላማ ዝዝተየሎምን ዝውሰኑን ብምዃኖም ኣብዚ እዋን ጠንቂ መፈላለዪ ክኾኑ ኣይግቦምን።

3. ትጽቢትካ ምንጻር፦ ቃልሲ ውጽኢት ንምርካብ ኢዩ (result oriented) መጻኢት ኤርትራ እንታይ ክትከውን ኢና ንደልያ ዘሎና? ብቅዋም ዝተገዝኤ ዲሞክራሲያዊ ስርዓተ ምምሕዳር ክህልወና፤ ርትዒን ፍትሒን ንምንጋስ ኮታ ኤርትራ ከም ኩለን ሃገራትን ህዝብታትን ንቡር ኩነታት ክህልዋ ኢዩ። ኣብዚ እውን ከም መፈላለዪ ነጥቢ ክቐርብ ዝኽእል ሓሳባት ኣየጋጠመን ወይ ዝተጋሃደ የሎን።

4. ራባዓይን መወዳእታን ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝተዘርዘር ብኸመይ ኣብ ተግባር ነውዕሎ ኢዩ። ነቲ ኣብ ቁጽሪ ሓደ ኣስፊርናዩ ዘሎና ዕላማ ምእላይ ስርዓት ህግደፍ፡ ብከመይ ንእለዮ ኣብ ዝብል ደንበ ተቛውሞ ኣብ ሰለስተ ክፋላት ተመቓቒሉ ይርከብ፡ ማለት ብጎነጽ፤ ብሰላም፤ ብኹሉ ዝብል፡ ኣብዚ ኣብ ሓደ ክንርዕም ኣይከኣልናን። ፍልልያትና ጸይርና ንጓዓዝ ተባሃሂልና ንኸይድ ብምህላውና ብብዝመራሓና መገዲ ንኸይድ ኣሎና። እዚ ድማ ሓደ ጽፉፍን ዝተጸንዔ ስትራተጂ ብዘይ ምህላዉ ኢዩ። ካልኣይ ጉዳይ መሪሕነት ወይ ስልጣን ኢዩ፡ መን ጸብለልታ ረኸበ ኢዩ፡ እቲ ቁርቁስ ናይ ስልጣን እቲ ጽባሕ ክመጽእ ዝግብኦ ብድሮ ነካይዶ ምህላውና ኢዩ። ማለት ኩለን ውድባት ኣብ ፖለቲካዊ ፕሮግራመን ዘስፈረኦ ስልጣን ናይ ህዝቢ ኢዩ ዝብል ብተግባር የፍርሰኦ ምህላወን ኢዩ። እቲ ጉዳይ ክኸውን ዝግብኦ ከመይ ጌርና ነዚ ቃልሲ ንምራሓዮ ክሳብ እዚ ስርዓት ዝወድቕን መሰጋገሪ ዘሎ እዋናትን ኢዩ። ብርግጽ ብዘየማትእ መገዲ ተራ ናይ ፖለቲካዊ ውድባት/ሰልፍታት፤ ተራ ናይ ሲቪካዊ ማሕበራት፤ ተራ ናይ ህዝቢ ብሓፈሻ ኣጉሊሕና ከነቐምጦን ክንሰርሓሉን ይግባእ።

እምበኣር እቲ ኣድላይነት ዘተ ነዞም ኣብ ላዕሊ ዘስፈርናዮም ነጥብታት ብጉቡእ ድሕሪ ምርኣይ ናብ ሓደ ሓባራዊ መሪሕነት ቃልሲ ንምስግጋር ኢዩ። ኣብዚ ክዝንጋዕ ዘይብሉ ግን ዘተ ንስለ ዘተ ኣብ ባዶ መታን ከይከውን ኩሎም እቶም ኣብዚ መዳይ ብዕምቆት ኣፍልጦን ተመኩሮን ዘሎዎም ወረቓቕቲ ስርሖም ክቕርቡ ማለት እንታይ ዓይነት ዝተወሃሃደ ናይ ቃልሲ እስትራተጂ፤ ተራ መሪሕነት፤ ነዚ ቃልሲ ዝመርሕ እንታይ ዓይነት ትካል ወዘተ…… ሓላፍነት ናይ ተዛተይቲ እውን ኪኖ እዚ ክሓልፍ ኣይግቦኦን ዝሓለፍናዮም ተሞክሮታት ከሰንቡዱና ኣይግቦኦምን።

መደምደምታ

ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ኣዝዩ ፈታኒ ዝኾነ መድረኽ ይርከብ። መዓልታዊ ስቅያት ህዝብና እናሰማዕናን እናረኣናን ተጎቲትና እንኸደሉ መድረኽ ከብቅዕ ኣሎዎ። ብኹሉ ኩነታቱ ተዳኺሙ ዝርከብ ስርዓት ህግደፍ ውድቀቱ ሎሚዶ ጽባሕ ኣብ ዝባሃለሉ ወቕቲ ምህላውና ከይዘንጋዕና፡ ነቲ ንዓመታት ሓንኲሉና ዝጸነሔ ፍልልያት ናብ ህዝብና ከይሰጋገር ልቦና ንግበር እናበልና፡ ህዝቢ እንታይ ይደሊ ኣሎ፡ መሰረታዊ መንቀሊናን መበገሲናን ክኾውን ይግባእ። ህዝቢ ስርዓት ህግደፍን ውሑዳት ጉጂለታቱን ካብ ሱሩ ክማሓዉ ይጠልብ። እዚ እቲ ቀዳማይ ዕማምና ናይ ሎሚ ኢዩ። ናይ ጽባሕ ምስ ህዝብና ኮይና እንገጥሞ ኢዩ። መጻኢና እውን ጥጡሕ ኢዩ ኣይንብልን፡ ቡዙሓት ሕጎጽጎጽ ዝመለኦ ብድሆታት ኣብ ቅድሜና ተገቲሮም ክጸንሑና ኢዮም፡ ልክዕ‘ዩ ከም ኩሎም ህዝብታትን ሃገራትን ኣብ መስርሕ ክእለዩ ከምዝኾኑ ንኣምን።

ጽን ኢልኩም ዝሰማዕኩምኒ የመስግን።

ዘልአለማዊ ዝኽሪ ንስውአትና!

ዓወት ንህዝቢ!

ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራ

31/07__

Last modified on Tuesday, 04 August 2015 08:47