ፈስቲቫል ፍራንክፈርት 2015

2015-07-14 02:36:12 Written by  ኣሰናዳኢት ሽማግለ ፈስቲቫል 2015 Published in EPDP News Read 3971 times

ድሕሪ ዓወት ጀንቫ ኸ ናበይ? እንታይ ይገበር?

ንዝብሉ ሕቶታት ዝድህስስን ዝምልስን ሰሚናር ክግበር ህጹጽ ተደላይነት ከም ዘለዎ ብምግንዛብ ኣሰናዳኢ ሽማግለ ፈስቲቫል፡ ነቲ ብደለይቲ ፍትሒ ኣብ ጀነቫ ዝተረጋገጸ ዓወት ንቅድሚት ንምድፋእ ከም ቀንዲ መደብ ፈስቲቫል ገይሩ ሒዝዎ ኣሎ። ኣብ ጀነቫ ብደለይቲ ፍትሒ ብ26 ሰነ 2015 ዝተረጋገጸ ዓውት ኣብዚ ተታሒዝናዮ ዘሎና ቃልሲ ንፍትሕን ደሞክራስን፡ መዘና ዘይርከቦ ኢዩ። ንምስጢራት ከዐውትዎ ዝኸኣሉ ረቛሒታት ከነለሊዮምን፡ ብእኦም ተማሂርና ድማ፡ ኣብ መደረኻዊ ቃልሲና ብዝለዓለ መልክዖም ከነዘውትሮም የድሊየና ኣሎ። እዚ ዓውትዚ ፈጢርዎ ዘሎ ተስፋታት ናብ ጋህዲ ክልወጥ ንሕሉፍ ድኽመታት ወጊድና ንቅድሚት ንመርሽ!!

ርዱእ ክኾነልናን ክቐለልናን ጀንቫ ብማለት ንጠቅስ ኣለና ድኣምበር እቲ ዓወትስ ኣብ ኩሉ ኩርንዓት ናይ ዓለም ብደለይቲ ፍትሒ ተረጋጊጹ ኢዩ። ንሓደ ምልክት ርእዩ፡ ንሐደ ጸዋዒት ሰሚዑ ኣብ እስራኤልን ኣዲስ ኣበባን ሰሜን ኣመሪካን ዝተኻየደ ዓበይቲ ሰላማዊ ሰልፊታት ንፍትሓዊ ቃልስና ናብ በሪኽ ቦታ ዘደየበ ኢዩ። ቃልሲ ንፍትሒ እናተጓሃሃረ ኢዩ ብኣንጻሩ ድማ፡ ጨቋኒ ስርዓት ኣስመራ ሓይሉ እናተሸምረረን እናደቐቐን ኢዩ። እቲ ብ22 ሰነ ብደገፍቲ መንግስቲ ኣብ ጀነቫ ዝተገብረ ሰልፊ ንውድቀታት መላኺ ስርዓት ብጉልሒ ኣመስኪርዎ ኢዩ።

ብመሰረቱ፡ ደላይ ፍትሒ ከካብ ዘለዎ ብዕለት 26 ሰነ ናብ ጀነቫ ክኸይድ ከሎ፡ ነቲ ብኣህጉራዊ ትካል ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ንዝፍጸም ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ንምጽራይ ዝወጸት ኮሚሽን ዘቕረበቶ ጸብጻብ ንከሞግስ ኢዩ ኔሩ። እቲ ኮሚሽን፡ ነቲ ንደላይ ፍትሒ ከም ምኽኒያት መቃለሲኡ ኮይኑ ዘሎ፡ በቲ መላኺ ስርዓት ኣብ ሃገርና ዝፍጸም ስፍሪ-ኣልቦ በደላት ንኣህጉራዊ ማሕበረ-ሰብ ኣቕሪቡ። መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ህዝቡ፡ ብኣህጉራዊ ሕጊ ብገበን ከኽስሶ ዝኽእል በደላት ይፍጽም ከምዘሎ ኢዩ መስኪሩ። በቲ ካልእ መዳዩ ድማ፡ እቲ ኮሚሽን ንሕጋውነት ፍትሓዊ ቃልስና ተፈላጥነት ሂብዎ ከምዘሎ ዘመላኽት ኢዩ። እዚ ተግባርዚ ክሙጎስን ክንኣድን ስለ ዝግብኦ ኢዩ ምበእር ናብ ጀነቫ ዝኸድና።

ኣህጉራዊ ማሕበረ-ሰብ በዚ ደረጃዚ ናብ ህዝብና ቆላሕታ ምግባሩ፡ ንቃልሲ ደለይቲ ፍትሒ ብቐሊሉ ክርከብ ዘይክእል ሓገዝ ኢዩ ዘበርክት ዘሎ። ከመይ ንጠቕሚ ናይቲ መሰረታዊ ዕላማና፡ ፍትሕን ዲሞክራስን ሰላምን ንምርግጋጽ ነውዕሎ ግን ናትና ሓላፍነት ኢዩ።

ካብ 31 ሓምለ ክሳብ 2 ነሓሰ ዝካየድ ዘሎ ፈስቲቫል ፍራንክፈርት ካብዚ ክውንነት ብምንቃል ኢዩ ነዚ እዋናዊ ሕቶዚ፡ ቅጽበታዊ ኣገባብ ኣሰራርሓ ናይ ኩሎም ተቓለስቲ ፍትሒ ክረክብ ናይ መዛተይ መኣዲ ፈጢሩ ዘሎ።

ነዚ ኣብ ጀንቫን ኣብ ካላኦት ቦታታትን ዝተራእየ ናይ ኩሎም ደለይቲ ፍትሒ ስሙር ስራሓት ከመይ ጊርና ቀጻሊ ንገብሮ?

እዚ ኣህጉራዊ ማሕበረ ሰብ ኣብ መዳይ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ በጺሕዎ ዘሎ ኣረኣእያ ከመይ ንሐይሎን ናብ ፖለቲካውን ዲፕሎማስያውን መኽሰባት ንቕይሮ? ወዘተ ንዝብሉ ሕቶታት ሰሚናር ክድህስስን ክምልስን ኢዩ።

እዚ ሰሚናርዚ ንኹሉ ኽፉት ኢዩ። ካብ ፖለቲካዊ ውድባትን ስቪካዊ ማሕበራትን ተወኪሎም ዝመጹ ቀንዲ ተዋሳእቲ ናይዚ ሰሚናርዚ ክኾኑ ዓቢ ትጽቢት ኣለና። ነዚ ሰሚናርዚ ዓቢ ኣበርክቶ ክገብረሉ ኢዩ ኢልና እንኣምነሉ፡ ኣብ ናይ ጀንቫ ዓወት ርኡይ ግደ ዝተጻወተ ናይ ሕጊ ምሁርን ህርኩት ተንቀሳቓሳይ ሰብኣዊ መሰላትን ዶክተር ዳኒኤል ረዘነ ተሳታፋይ ናይዚ ሰሚናር ክኸውን ኢዩ።

ንኹሉ ደላይ ፍትሒ ኣብ ፈስቲቫል ፍራንክፎርት 2015 ክሳተፍ ንዕድም ። ድሕሪ ዓወት ጀነቫኸ እንታይ? ንዝብል ሕቶ ድማ መልሲ ሒዙልና ክመጽእ ንጽውዕ።

ብሰላም ምጽኡ

ኣሰናዳኢት ሽማግለ ፈስቲቫል 2015

Last modified on Tuesday, 14 July 2015 04:47