ጕባኤ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ጨንፈር ቍ.1 ደቡብ ጀርመን

2015-06-24 21:44:24 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2433 times

ኩሉ ዓቕምና ንምዕዋት 2ይ ሰልፋዊ ጉባኤና ኣብ ትሕቲ ዝብል ጭርሖ ጨንፈር ቍ.1 ሰ.ዲ.ህ.ኤ. ፥ ብዕለት 21.06.2015 ዕዉት ጉባኤ ኣካይዱ ። ኣቦ መንበር ጨንፈር ብጻይ ተኽለዝጊ ሚካኤል ፡ ብናይ እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም ሰላምታ ድሕሪ ምቕራብ፡ ሃለዋት ጨንፈር ብዕምቈት ኣቕሪቡ። ወጺኡ ዝነበረ መደባት ኣበየናይ ተዓሚሙ ኣበየናይከ ገና ከይተዓመ ተሪፉ ኣሎ ብጥልቀት ኣቕሪቡን ኣብሪሁን። ኣስዒቦም ብቕደም ተኸተል ስርዒታዊ ሓላፍን ተሓዝ ገንዘብን በብመዳዮም ጽፉፍን ብሩህን ጸብጻባቶም ኣቕሪቦም።

ጉባኤኛ ጸብጻብ ዝጸንሐት ሽማግለ ድሕሪ ምስማዕ ኣብ ናይ ሕቶን ርእይቶን መድረኽ ደኣ ይተኣቶ እምበር፥ እቲ ጸብጻብ ምሉእ ብምሉእ ተቐባልነት ስለዝረኸበ፡ ምስጋናን ናእዳን ንሽማግለ ጨንፈር ብምቕራብ ኢዩ ተዛዚሙ።

መጻኢ መደባት ብዝምልከት፡ መሰረታዊ ስትራተጂ ሓያልን ኣድማዕን ጨንፈር ምህናጽ ኰይኑ፡ ነዚ ንምርግጋጽ ንዝትለም መደባት ኣብ ግብሪ ንምውዓል ሓቦን ኒሕን ጌርካ ምንቅስቓስ ከምዝሓትት ጕባኤ ኣስሚርሉ።

ብድሕሪ‘ዚ ናይ ዝሓለፈ ክልተ ዓመት ጽፉፍ ስራሕ ነባር ሽማግለ ኣብ ግምት ብምእታው፡ እቶም ዝነበሩ ኣባላት ሽማግለ ጨንፈር እንደገና ክቕጽሉ ብምሉእ ዕግበትን ብዲሞክራስያዊ ኣገባብን እንደገና ተመሪጾም። ከምኡ‘ውን ጕባኤ፡ ሓድሽ ናይ ጨንፈር ተቖጻጻሪ መረጹ። ጉባኤ ንቓልሲ ብዘተባብዕ ኣገባብ ብስጥመትን ምርድዳእን ተደምደመ።

Last modified on Wednesday, 24 June 2015 23:46