ጨንፈር ቁ.2 ሰ.ዲ.ህ.ኤ ሃገር ሽወደን ዓመታዊ ጉባኤኡ ኣሰላሲሉ

2015-06-24 08:48:14 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2741 times

ብዕለት 22 ሰነ 2015 ዓ.ም.ፈ. ብመራኸቢ ብዙሓን ኣቢሉ ካብ ስዓት 19.00 ክሳብ 22.30 ብምልኣት ተሳተፍነት ኣባላት ጨንፈር ኣብ ትሕቲ ንታሪኻዊ 2ይ ጉባኤ ሰልፍና ንምዕዋት ንቡር መትከላዊ ዕጥቅና ንደርብ !!! ዝብል መሪሕ ጭርሖ ብልዙብ መንፈስ ዓመታዊ ጉባኤ ኣሳላሲሉ። ኣብ መኽፈቲ ኣቦወንበር ጨንፈር ንህልዊ ኩነታት ህዝብናን ሃገርናን ዝርኤ ዘሎ ኣሰካፊ ኩነታትን፡ ህልዊ ድርብ ዉራይት ሰ.ዲ.ህ.ኤ ንምዕዋት ተባዕ መትከላዊ መሰረታት ተዓጢቁሉ ዘሎ ተንኪፉ ንኩሎም ኣመንቲ ሃይማኖት እስልምና ሮሞዳን ከሪም ብምባል ከፍትዎ። ጉባኤ ብኣካያዲት ሽማግለ ዝቀረበ ስሪዒታውን ፖሊቲካውን ንጥፈታትን ገንዘባዊ ጸባጸብን ናይ ዓመተ 2014 ሰሚዑ ድሕሪ ኣገደስቲ ሃነጽቲ ሕቶታትን መብርህን ብሙሉእ ድምጺ ኣርጊእዎ። ቀጺሉ ንዓመተ 2015 እትመርሕ ሽማገለ 5 ዝኣባላታ ብዲምክራስያዊ ኣገባብ መሪጹ። ኣስዒቡ ንኣብ ዕዉት ምቅርራባት ዝርከብ ዘሎ ታሪኻዊ 2ይ ጉባኤ ሰልፊ ዝውክልዎ ክልተ ኣባላት መሪጹ። ኣብ መደምደምታ ኣገደስቲ ለወባታት ንመጻኢት ሽማግለን ንነፍሲወከፍ ኣባልን ብሓባራዊ ሓላፍነት ንምቅላስ ዕጥቅና ክንድርብን ዝብል ብምትሕልላፍ ጉባኤ ተዛዚሙ።

ነባሪ ክብርን ዝኽርን ንጀጋኑ ሰማእታትና !!!

ንታሪኻዊ 2ይ ጉባኤ ሰልፍና ንምዕዋት ንቡር መትከላዊ ዕጥቅና ንደርብ !!!

ውድቀት ንመላኺ ስርዓት ህግዲፍ።

22/06/2015

Last modified on Wednesday, 24 June 2015 10:49