ጉባኤ ጨንፈር ቁ. 1 ሰ.ዲ.ህ.ኤ ሃገር ሽወደን ብዓወት ተዛዚሙ

2015-05-22 04:13:07 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2699 times

ቀዳም ዕለት 16 ግንቦት 2015 ጉባኤ ጨንፈር ቁ.1 ሰ.ዲ.ህ.ኤ ሽወደን ብዓወት ተዛዚሙ፡ ኣብ መኽፈቲ ጉባኤ ኣቦ/መ ጨንፈር ሓው ሃይለ ትንስአው ንኣባላትን ጨንፈር ከምኡ'ውን ንዕዱማት ጉባኤ ንኣቦ/መ ጨንፈር ቁ.2 ሓው ጸሃየ ቀለታ እንቋዕ ብደሓን መጻኹም ድሕሪ ምባልብ ዝኽሪ ስውኣትና፡ ብዝኽሪ ህልቐት መንእሰያት ሊብያን ማእከላይ ባሕርን ከፊትዎ።

መሪሕነት ጨንፈር ቁ.1 ንጉባኤ ኣሰናዲእዎ ዝጸንሐ ጸብጻባት ቅድሚ ምቕራቡ ምልኣተ ጉባኤ ከም ዘሎ ድሕሪ ምርግጋጽ ጉባኤ ብዕሊ ከም ዝጀመረ ድሕሪ ምግላጽ፡ ህዝብና ኣብ ትሕቲ ምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ዝሕልፎ ዘሎ ኣሕዛንን ኣስቓቒ ሃለዋት፡ መንእሰያት ኣብ ጉዕዞ ስደት ዘጋጥሞም ከቢድ ሓደጋታትን ሞትን ኣብ ልዕሊ ህዝብናን ሃገርናን ተወሳኺ ዓደራዕ ሓዘንን ስቕያትን ምዃኑ ኣብሪሁ።

ጨንፈር ቁ.1 ሰ.ዲ.ህ.ኤ ሽወደን ምስ መሪሕነትን መላእ ኣባላት ሰልፍን ንምእንቲ ፍትሕን ሰላምን ልዕላውነት ሕጊ ንምርግጋጽ ዘለዎ ብጽሒትን ግደን ቀሊል ከም ዘይኮነን፡ ነዚ እዋናውን ኣገዳስን ሕቶ ህዝብን ሃገርን ንምምላስ ከኣ ብሓድነትን ተወፋይነት፡ ብንቕሓት ተዓጢቕካ ምቅላስ እዩ ብምባል፡ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ካልኣይ ሰልፋዊ ጉባኤ ብዓወት ክዛዘም፡ ንሽግራት ፍታሕ ከቕርብ ኣገዳሲ ረቋሒታት ኣለዎ። ጨንፈር ካብ ንድፊ ቅዋም ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ሰልፊ ኣብ ምክትዓ፡ ህጹያት ምቕራብ፡ሓሳባትን ርእይቶታትን ብምእካብ ኣቢሉ ወከልቲ ንጉባኤ ሰልፊ ኣብ ምድላው ዘካየዶ ኣኼባታት፡ ጨንፈር ስርሓቱ ብግቡእ ከም ዝፈጸመን እንሆ ከኣ ሕጂ ዓመታዊ ጸብጻብ ኣብ ምቕራብ ይርከብ ክብል፡ ነዊሕ መንገዲ ተጓዒዙ ንዝመጸ ዕዱም ጉባኤ ጸሃየ ቀለታ ኣመሓላሊፍዎ።

ሓው ጸሃየ ቀለታ ንዝተዋህቦ ዕድል ኣመስጊኑ፡ ንኣባል ፈጻሚት ሽማግለ ሓው ረዘነ ተስፋጽዮን፡ ንኣባል ባይቶ ሓፍትና ገርጊስ ነጋሽን ንኣባላት ጨንፈር ቁ. 1 ስቶክሆልም ሰላምታ ድሕሪ ምቕራብ ንዝተገበረሉ ዕድመ ኣመስጊኑ። ቀጺሉ ጉባኤ ጨንፈር ቁ.2 ኣብ ቅድሚ ጉባኤ ሰልፊ ዝግበር ዘሎ ብምዃኑ ናይ ኣባላት ሓሳብን፡ ርእይቶን፡ ለበዋታትን ንምጥርናፍ ኣዝዩ ደጋፍን ጠቃምን'ዩ ክብል ገሊጹ ዕዉት ጉባኤ ክኸውን ጽቡቕ ድሌቱ ገሊጹ። ቀጺሉ ናይ ደገፍ መልእኽቲ ካብ ኣቦ ወንበር ዞባ ኤውሮጳ ሓው ብርሃነ ገብረክርስቶስ ተነበ።

ካብ'ዚ ብምቅጻል ፖለቲካውን፡ ስርዒታውን፡ ገንዘባውን ጸብጻባት፡ ንጥፈታት ኣባላት ጨንፈር ብሰፊሑ ቀሪቡ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ጸብጻብ ከኣ ንዘይበርሀን ሕቶታትን፡ መብርህን መልሲ ተዋሂብሉ። ተቋጻጻሪ ጨንፈር በቲ ዝገብርዎ ስርሓት'ውን ከም'ቲ ዝግባእ ቅኑዕ ከም ዝነበረ ንጉባኤ ገሊጾምን ጸብጻባቶም ኣቕሪቦምን። ኣብ መወዳእታ ኣብ ወርሒ ሓምለ 2015 ንዝኻየድ ሰልፋዊ ጉባኤ ዝውከሉ ሰለስተ ኣባላት ጨንፈር ቁ.1 ብስቱር ተመሪጾም።

ጨንፈር ቁ.1 ሃገር ሽወደን ንዝመጽእ ሓደ ዓመት እተካይዶም መሪሕነት ብኣምራጺት ሽማግለ ንዝቀረበሎምን፡ ጉባኤ ክሓጽይዎም ንዝደልዩ ኣስማት ክረቝሑ ዕድል ድሕሪ ምሃብ፡ ሰለስተ ኣባላት መሪሕነት ጨንፈር ዶ/ር ሃብተሚካኤል ተኽለብርሃን፡ ፍጹም ገብርሂወትን፡ ኣብርሃም ገብረመድህን ተመሪጾም ጉባኤ ብዓወት ተዛዚሙ።

ክብርን ዝኽርን ንስውኣትና

ክንዕወት'ና

ጨንፈር ቁ.1 ሰ.ዲ.ህ.ኤ ስቶክሆልም

Last modified on Friday, 22 May 2015 06:19