ጨንፈር ቁ.1 ስቶክሆልም መሪሕነትን ተወከልትን መሪጹ

2015-05-17 09:43:51 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2962 times

ጨንፈር ስቶክሆልም ቁጽሪ 1 ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብ16 ጉንበት 2015 ኣብ ዘካየዶ ዓመታዊ ጉባአ፡ ንዝመጽእ ሓደ ዓመት እትመርሕ 3 ዝኣባላታ መሪሕነት ከም ዝመረጸን ኣብ 2ይ ጉባአ ሰደህኤ ዝውክልዎ ከም ዝመዘዘን ተሓቢሩ። ኣብዚ ኣባላት ፈጻሚት ሽማግለን ማእከላይ ባይቶን ሰልፊ ዝተሳተፍሉ ጉባአ ጨንፈር ናይ ሓደ ዓመት ስረሓት ዝሕብር ጸብጻብ ከም ዝቐረበንን፡ እቲ ጨንፈር ንመጻኢ ዝምረሓሉ መደባት ከም ዝጸደቐን\ውን ተጠቒሱ።

እቲ ጉባአ ምልኣት ተረጋጊጹ፡ ብዝኽሪ ሰማእታትን ግዳያት ባሕርንን ምስ ተኸፍተ፡ ናይቲ ጨንፈር ኣቦመንበር ሓው ሃይለ ትንስኤው ብዛዕባቲ ህዝብና ዘሕልፎ ዘሎ መሪር ሃለዋት መብርሂ ሂቡ። ኣስዒቡ ድማ እዚ ጨንፈር ልዕልና ሕጊ ኣብ ምርግጋጽን 2ይ ጉባአ ሰልፊ ኣብ ምዕዋትን ዘለዎ ግደ ዕዙዝ ምዃኑ ጠቒሱ፡ ግደኡ ከበርክት ጸዊዑ። እዚ ጨንፈር መስርሕ ጉባአ ንምዕዋት ኣብ ንድፍታት ሓሳቡ ብምቕራብን ተወከልቱ ብምቕራብን ዘሳለጦ ኣድማዒ ስረሓትን እውን ኣብቲ ጉባ ተገሊጹ። ኣብቲ ኣጋጣሚ መድረኽ ዝተዋህቦ ኣቦመንበር ጨንፈር ቁ.2 ስቶክሆልም ብጻይ ጸሃየ ቀለታ ብወገኑ እዚ ጉባአ ኣብ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ድሮ 2ይ ጉባአ ሰልፊ ይካየድ ስለ ዘሎ፡ ናይ ኣባላት ሓሳባትን ሃናጺ ርኢቶታትን ንምውህላል ጽቡቕ ኣጋጣሚ ምዃኑ ገሊጹ።

ኣብዚ ብተቖጻጻሪ ዝተናእደ፡ ናይቲ ጨንፈር ኩለመዳያው ጸብጻብ ቀሪቡ ዝተዘተየሉ መድረኽ፡ ንዝመጽእ ሓደ ዓመት ነቲ ጨንፈር እትመርሕ ብጾት ዶ/ር ሃብተሚካኤል ተኽለብርሃን፡ ፍጹም ገ/ህይወትን ኣብርሃም ገብረንጉስን ዝኣባላታ መሪሕነት ከም ዝመረጸት ኣብቲ ጉባአ ዝተሳተፈ ጋዜጠኛ ሰደህኤ ሓቢሩ።

Last modified on Sunday, 17 May 2015 11:45