ሰፊሕ በዓል ኤርትራ 2015 ኣብ ፍራንክፎርት ምድላዋቱ ጀሚሩ!

2015-04-30 17:32:23 Written by  Published in EPDP News Read 3448 times

First Announcement Festival 2015 2ብኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ማሕበር ዝዳሎ ሰፊሕ በዓል ኤርትራ ሎሚ ዓመት 2015 እውን፣ ኣብ ከተማ ፍራንክፎርት ክካየድ ምድላዋቱ ጀሚሩ ይርከብ። ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ማሕበር መኽሰብ ኣልቦ ትካል ኰይኑ፡ ብምትሕባባር ጨናፍር ኤውሮጳ ሰ.ዲ.ህ.ኤ. ዓመት መጸ ንኤርትራውያን ውድባትን ሰልፍታትን ማሕበራትን ዓዲሙ፡ መጋባእያ ዘተን ልዝብን ዝኸስት፣ ተሳታፊ ህዝቢ ኣብ ጉዳይ ሃገሩ ርእይቶታቱን ሓሳባቱን ብነጻ ዝገልጸሉን ምስ መራሕቲ ፖለቲካውያንሓይልታቱ ዝራኸበሉን መድረኽ ዘጣጥሕ ማሕበር እዩ። ካብዚ መሰረታዊ እምነትን ተልእኮን እዚ ተበጊሱ ድማ'ዩ፡ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ማሕበር፤ ሰፊሕ በዓል ኤርትራ 2015 ካብ ዕለት 31 ሓምለ ክሳብ 02 ነሓሰ 2015 (31.07.2015 ክሳብ 02.08.2015) ኣብ ዘሎ ግዝያት ኣብ ከተማ ፍራንክፎርት ክካየድ ምድላዋቱ ጀሚሩስ ኣሳናዳኢ ሽማገለ ነብሳ ሰሪዓ ኣብ ኣሳልጦ ከም ትርከብ ተበስረኩም ።

                             ቦታፈስቲቫል ኣብቲ ልሙድ

Campus der Johann Wolfgang Goethe-Universität

Mertonstr. 26-28

60325 Frankfurt/Main                                              ክፍሊ ዜና ፈስቲቫል

Last modified on Thursday, 30 April 2015 19:38