ሽማግለ ፈስቲቫል 2015 ኣኼባ ኣካይዳ

2015-04-28 11:40:46 Written by  ወኪል ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ ዞባ ኣውሮጳ Published in EPDP News Read 2263 times

26-04-2015 ንዝተጋበአ ኣኼባ ሽማግለ ንፈስትቫል 2015 ዝኸፈቶ ሓው ብርሃነ ገብረክርስቶስ ኣቦ ወንበር ዞባ ኤውሮጳ ስ.ዲ.ህ.ኤ እዩ፡፡ ንሱ ከምቲ ሉሙድ ሕውነታዊ ሰላምታ ድሕሪ ምቕራቡ ፣ብዛዕባቲ ብውዕዉዕ ዝዝረበሉን ዝዝተየሉን ዘሎ ህልቀት ዜጋታት ኣብ ባሕሪ መዲተራነዮን ኢሲስ (ISS) ብዝፍለጥ ኣኽራሪ እስላማዊ ምንቅስቓስን ኣብ ልዕሊ ኣመንቲ ክርስትናን ፣ ምስ ራኢኡ ዘይሳነዩ ኣመንቲ ምስልምናን፣ ዓቢይ ይኹን ህጻናትን ደቂአንስትዮን ቢዘይ ምፍልላይ ብኣልማማ ምቕታልን ምሕያርን ቢመራኸቢ ብዝሃን እንርእዮን እንሰምዖን ዞሎና መብርሂ ሂቡ። ብፍላይ ክኣ አብ ሊብያ ኣብ ርእሲ ኢትዮጱያውያንን ኤርትራውያንን ብዝተኻየደ መቕተልቲ ፣ ናይቲ ሓዘን ተኻፈልቲ ምዃና ገሊጹ፡ ንስድራቤታት መወቲ ድማ ናይ ጽንዓት ይሃብኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ። ኣስዒቡ ነዚ ኣረመናዊ ግብርትርታትን ፣ዘይጉቡእን፣ ንኹለን ሃይሞኖታት ክርስትናን እስልምናን ከምኡ ኻልኦት ሃይማኖታትን ዘይኣመንቲ እዉን ከይተረፈ፡ እታ አነ ዝሪአ እምነትን ስርዓትን ዘይክተል እሱን ምስሉን ካብ ገጽ መሬየት ክጠፍእ ኣለዎ ዝብል ዑዉር ራኢ ኣይሲስ፡ ክኹነነ ጥራይ ዘኮይነስ ፡ምስ ኩሉ ደላይ ፍትሒ፡ ዲሞክራስን ሰላምን ብምትሕብባር፣ ኩሉ እምነታት ብማዕረ ዝኽብረሉን፣ ዝዋሳኣሉን ጥጡሕ ባይታ ንምፍጣር ዝዓለመ ተሪር ቓልሲ ከድሊ ምዃኑ ሓቢሩ፡፡

ነዚ ንምዕዋት ምስ ኩሎም ከም ሑቡራት ሃገራት ዓለም፣ ሑቡራት ሃገራት ኤውሮጳ፣ ሑቡራት ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ዓረብ ሊግ፣ ዝኣመሰሉ ንሰብኣዊ መሰላት ዝቃለሳ ትካላትን ውድባትን ኮታ ኩሉ ደላይ ፍትሒ ሕጂ ካብ ትማሊ ተአሳሲሩ፡ ነዚ ካንሰር ዝኾነ ራኢ ኣይሲስ ኣውዲቑ ፡ዓለምና ብሰላም እትነብረሉን፣ ህዝብታት በቲ ንሶም ዝመረጽዎ ስርዓትን፡ ኣብቲ ዝደለይዎ እምነትን ክዋስኡን ከማሓድሩን ንምብቃዕ ክደጋገፉን ንስርዓተ ሕግን ዲሞክራስን ንምምጻእ ክጽዕሩን ይግባእ ኢሉ፡፡ አብ ከንያ፣ ኣብ ዩንቨርሲቲ ዝተቐትሉ ተማሃሮ ብኣልሸባብ፣ ኸምኡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ብደቂ ሃገር፣ አንጻር ስደኛታት ዝተኻየደ መቕተልትታት፣ አብ ኒጀሪያ ብበኮሃራም ዝግበር ዘሎ አረሜናዊ ግፍዕታትን መቕተልትን ብሓቂ ንኽትርእዮን ክትሰምዖን ንሕልናኻ ድቃስ ዘይህብን ዓለምለኻዊ ፍታሕ ዘድልዮ ምዃኑ ኣብቲ መኽፈቲ ኣኼባ ተሓቢሩ፡፡

ኣብ ሃገርና ናይዚ ኩሉ ዘጋጥም ዘሎ ጸገማትን ህልቂትን ጠንቂ ምንጩ እዚ ዲክታተርያዊ ስርዓት ስለዝኾነ ዕምሩ ክሓጽር ሕጂ እውን ብዝያዳ ክንሰርሕ ከድልየና እዩ፡፡ ህዝብና እቲ ዝጋጥሞ ዘሎ ጸገማት ምህላቕ ደቁን ሕሱም ናብራን ድኽነት ሕማም ስእነት ናጽነት ብዘይ ሕጊ ምንባር ዓቕሉ ጸቢብዎ ለውጢ ዝጽውዓሉ ናብኡ ዝጓዓዘሉ እዋን ዝበጽሔ ይመስል፡፡ብወገና ከነተባብዖን ጎዲልዎ ዝነበረ እምነት ኸነሕድረሉን ለውጢ ብኡ ጥራይ ከም ዝመጽእን፡ ስልጣን ናይ ህዝቢ ካብ ኮነ ባዕሉ ክጭብጦ ከምዘለዎ፡ ሰውራዊ ሽግ ከም ዘንበልብል ንምግባር ሓላፍነትና ክንፍጽም ኣብ እንጥለበሉ ግዜ ኢና እርከብ። እዚ ካብ ኮነ እቲ ኩነታት ሰልፍና ነዚ ሒዝዎ ዘሎ ሃገራውን ውድባውን ስርሓት ኸነዕውቶን ይግበኣና ምስ በለ፡ ከም መርእያ ናይዚ ፈስቲቫልና ከነዕውት ይግበኣና ኢሉ መደረኡ ዛዚሙ።

ኣብዚ ኣኼባ ሓው ኣሰፋው በርሀ፣ ኣባል ማእከላይ ባይቶ ሰደህኤ’ውን ተሳቲፉ ነይሩ። ንሱ ብወገኑ እዚ ወሪዱ ዘሎ ትራጀዲ፣ ንሕልና ዝትንክፍ፣ ህዝብና ካብ ዓርዑት ውልቀ መላኺ ክሃድም ፣ አብ ዶባት ብተመልከት ዝቕተለሉ፡ ኻብዚ ኣምሊጡ አብ ሱዳንን ኢትዮጵያ ብኣማኢት ኣሽሓት ኣብ መደበራት ስደተኛ ዝርከብሉ ዘሎ ሁመት፣ ብዘይውሑስ ጉዕዞ ብምቕጻል አብ ሳህራ ዝመቱ፣ ሑሉፍ ሓሊፍዎም ዝተሓተትዎ ክኸፍሉ ዘይከኣሉ፡ ተቐቲሎም ውሽጥዊ ኣካላቶም ክሽየጥ እንከሎ ዘገርምን ዘሕዝንን እዩ ኢሉ። ኣስዒቡ ድማ ነዚ ሓሊፎም አብ ሊብያ በጺሖም ንኤውሮጳ ኽሰግሩ ዘጋጥሞም ዘሎ እዚ እንሰምዖ ዘለና ብሰፊሑ ሓው ብርሃነ ዝገለጾን እዩ ምስ በለ፡ ሓዘናን መሪር’ዩ ኢሉ። ኣብ መወዳእታ ድማ ንስድርኦም ጽንዓት ይሃቦም ኢሉ፣ እቲ አውራ ከተሓሳስበና ዘለዎ ሕማም ኣይሲስ ከም ተላጋቢ ሕማም ከይተኣታተወና ሎሚ’ውን ዝያዳ ካብ ትማሊ ሓድነት ህዝብናን ሃገርናን ከነደልድል ከም ዝግበኣና ብምትሕስሳብ ዘረብኡ ደምዲሙ፡፡

ድሕሪ እዚ ተሳተፍቲ ነቲ በዞም ኣሕዋት ዝቐረበ መደረታት ዘራጉድ ሓሳብ ሂቡ። እቲ ኣኼባ ንመጻኢ ፈስቲቫል 2015 ብዝምልከት ክካየድ ብዛዕባ ዝግበኦ ስረሓት ብዝርዝር ተመይይጡ፡ መምርሕታት ብምውጻእን ሓይሊ ዕማማት ብምቛምን ኣኼባኡ ተዛዚሙ።

ወኪል ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ ዞባ ኣውሮጳ


Last modified on Tuesday, 28 April 2015 13:44