ኣሰናዳኢት ሽማግለ 2ይ ጉባአ ሰደህኤ 8ይ ስሩዕ ኣኼባአ ኣካይዳ

2015-02-27 14:57:27 Written by  ኣሰናዳኢት ሽማግለ ካልኣይ ጕባኤ ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2928 times

ኣሰናዳኢት ሽማግለ 2ይ ጉባአ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብ21 ለካቲት 2015 ኣብ ዘካየደቶ 8ይ ስሩዕ ኣኼበኣ መስርሕ ምስንዳእ ኣበይ በጺሑ ከም ዘሎ ገምጊማ። በቲ ዘካየደቶ ገምጋም መሰረት ቀዳማይ ዙር ምይይጥ መሰረታት ሰልፊ ኣብቲ ናብ ጉባአ ዝቐርብ ንድፊ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ከም ዝተዛዘመ ኣረጋጊጻ፡ እንተኾነ ኣገዳሲ ንዝበሃል ተወሳኺ ሓሳባት እቲ ዕድል ዕጽው ከም ዘይኮነ ኣረጋጊጻ። ብተመሳሳሊ ኩነታት ናይታ ሽማግለ ናይ ሎጅስቲክስን ፋይናንስን ክፍሊ፡ ቦታን ካልእ ንጉባአ ዘድሊ ነገራትን ኣብ ምቕራብን ናይቲ ጉባአ በጀት ነዲፍካ ኣብ ምቕራብን ኣውንታዊ ስረሓት ከም ዘሳለጠት ኣብዚ ኣኼባ ተገሊጹ። ጉዳይ ኣወኻኽላ ኣባላት ኣብዚ ኣብ መጻኢ ወርሓት ክረምቲ ዝካየድ 2ይ ጉባአ ሰልፊ ዝምልከታ ንኡስ ሽማግለ እውን ኣድለይቲ ሓበሬታ ናይ ምእካብ ስረሓታ ቀጻሊ ከም ዘሎ ኣብዚ ኣኼባ ተገሊጹ።

ነቲ ኣኼባ ዝመረሐ ናይታ ሽማግለ ኣቦመንበር፡ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ውደባንን ኣባል ፈጻሚት ሽማግለን ሓው ተስፋሚካኤል ዮሃንስ፡ መስርሕ ምስንዳእ 2ይ ጉባአ ንምዕዋት በቲ ሓደ ወገን መሪሕነት ሰልፊ፡ በቲ ካልእ ወገን ከዓ ኣባላት ኣሰናዳኢት ሽማግለን ንኡሳን ሽማግለታታን የካይድዎ ንዘለዉ ጻዕሪ ንኢዱ፡ እዚ ጻዕሪ ኣብ መጻኢ’ውን ብናህሪ ንክቕጽል ኣተባቢዑ። ንሱ ምስዚ ኣተሓሒዙ እቲ ጉዳይ ናይ ውሱናት ኣባላት ሽማግለ ዕማም ጥራይ ዘይኮነ ናይ መላእ ኣባላት ሰልፍን ደገፍቱን ምዃኑ ጠቒሱ፡ ኣብ ኩሉ መዳያት ኣበርክተኦም ከዕዝዙ ጸዊዑ። ናይቲ ኣኼባ ተሳተፍቲ ብወገኖም ሒዘምዎ ዘለዉ ከቢድ ሓላፍነት ኣብ ሸቶኡ ንምብጻሕ ከይሰልከዩ ክሰርሑ ምዃኖም ኣረጋግጾም።

22 ለካቲት 2015

Last modified on Friday, 27 February 2015 16:01