እቲ መፍትሒ ኣብ ኤርትራ’ምበር፡ ኣብ ቻይና ኣይኮነን ዘሎ

2023-05-20 19:41:56 Written by  ርእሰ ዓንቀጽ ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 1018 times

ጸገማት ኤርትራ ውሽጣውን ግዳማውን ገጻት ከም ዘለዎ ፍሉጥ እዩ።  እንተ ንልምዓት እንተስ ንጥፍኣት እቲ ወሳኒ ቦታ ዝሕዝ ከኣ፡ እቲ ውሽጣዊ ገጽ ምዃኑ ብሩህ እዩ። እቲ ናይ ግዳም ጸገም፡ ምስ ምፍታሕ ውሽጣዊ ጉዳይ ሓቢሩ ዝፍታሕ፡ ወይ ድማ ድሒሩ ዝረአ ኮይኑ፡ እቲ መሰርታዊ ኣቐዲሙ ክፍታሕ ዘለዎ፡  እቲ ውሽጣዊ ጸገም እዩ። ውሽጣዊ ጉዳይ ሃገርን ህዝብን ኣብ ምፍታሕ ረብሓ ስለዘይብሎም፡ ስለ ዘይከኣሉ ንዓኡ ጓስዮም፡ ናብቲ ግዳማዊ ጉዳይ ጥራይ ዝመጣጠሩ ካብቲ ቅኑዕ ኣገባብ ኣፈታትሓ ጸገም ክሃድሙን ክሕብኡን ዝደልዩ ጥራይ እዮም።

በቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ  ናይ ኩሉ ሽግራት  ህዝብና ቀንዲ ጠንቂ ዝኾነ፡ ውሽጣዊ ጸገማት ዝሕተት ጉጅለ ህግደፍ እዩ። እዚ ጉጅለ  ንኹሉ ኤርትራዊ ዘቤታዊ ጸገማት ጸማም እዝኒ ሂቡ፡ ኣብ ስልጣን ምቕጻሉ ጥራይ ዘገድሶ ሕሉፍ ዲክታተር ምዃኑ ብተደጋጋሚ ብግብሪ ዘመስከረ እዩ። ህግደፍ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ጸገማት ዋንኡ ባዕሉ ስለዝኾነ“ይፈልጦን ይረደኦ እዩ” ጥራይ ዘይኮነ፡ ከም ዕለታዊ ጸሎት ደጋጊሙ ዝገልጾን ሓደሓደ ግዜ’ውን ከም ኣስተምህሮ ከቕርቦ እንከሎ ዝተዓዘብናዮ እዩ። በዚ እዩ ድማ “ጸገማት ዝፈትሕ ዘይኮነ ነቲ ጸገማት ኣጸባቢቑ ብምቕራብ ካብ ተሓታትነት ክሃድም ዝፍትን ስግንጢር መራሒ” ዝበሃል። ስለዚ ነቲ ጸገማት ዘይምፍትሑ፡ ናይ ምፍታሕ ዓቕምን ኣፍልጦን ስለ  ዘየብሉ ዘይኮነ፡ እቲ ፍታሕ ንረብሕኡ ከምዘኮነ ሰለ ዝግንዘብን ድሌትን ቅሩብነትን ዘየብሉ ምዃኑን ዘረድእ እዩ። ምኽንያቱ በታ ዘላቶ ዓቕሚ እውን ጸገም ህዝቢ ክፈትሕ ዝፍትን ሕልና ስለ ዘየርኢ። እንተ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ከመይ ዝኣመሰለ ሕማቕ ህይወት ከምዘሎ ንኢሳያስን ጉጅለኡን ከምዘይሕበኦምኳ ዝርዳእ እንተኾነ፡ ደጋጊሙ ናይ “ራህዋ ፍጠረለይን መሰላተይ ኣኽብረለይን”  ስምዕታኡ ንነዊሕ ግዜ ኣቕሪቡ ሰማዒ ዝሰኣነ ግዳይ እዩ።

ንህግደፍ እቲ ዘገድሶ ብኸመይ ንጸገማት ህዝቢ መፍትሒ ከም ዝርከብ ምጭናቕ ዘይኮነ፡ ካብ ተሓታትነት መህደሚ ምኽንያታት ምዝርዛር እዩ። ኩሎም ምኽንያታቱ ድማ ጭካነኡ ንምሕባእ፡ ናይ ግዳም ተሓተቲ ዝብሎም ኣብ ምዝርዛር ዝተሰረቱ እዮም። እቶም ተሓተቲ ዝገብሮም ኣካላት ብዙሓት ኮይኖም፡ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን በቲ ቋንቋኡ “ጁንታ ወያነን” ከኣ ብዝወዓልዎን ዘይወዕልዎን ቀወምቲ ተኸሰስቲ  እዮም። ነቲ ክሱ ፍሉይ ዝገብሮ ከኣ ናብ ውሽጡ ጠሚቱ፡ “ኣነኸ እንታይ እዩ ግደይ?” ዘይብል ሃዳሚ ምዃኑ እዩ። እዚ ጉጅለ ከምዚ ክብል እንከሎ፡ ዝፈሓሶ ተንኮልን ዝሓዞ መህደሚ ሕሳባትን ኣለዎ። ናይቶም ቁሩብ ነቲ ጉዳይ ኣዚሮም ከይረኣዩ፡ ንኢሳያስ “ኣብዚ እነሀልካ መራሒማለት” ዝብልዎ ውሑዳት ልቦና የሕዝንን “ኤርትራውያን ከመይ ዲና ንሓስብ ዘለና?”  ኢልካ ከተስተንትን ይድርኸካ።

ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ፡ ቁጠባውን ማሕበራውን መዳያት ዝፈሸለ፡ ምዃኑ ብናይ ብዙሓት ናጻ ኣካላት መጽናዕቲ ዝተረጋገጸ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ከኣ ኣብታ ኢሳያስ ዝፈሸለላ ሃገር ይነብር ስለ ዘሎ ናይ ካለኦት ምስክርነት ዘድልዮ’ውን ኣይኮነን። ብሰንኪ ኢሳያስ፡ እቲ ፍሽለት ናብ ኤርትራ ከም ሃገር ዘላግብዎ ዘይሓላፍነታዊ ወገናት ምህላዎ ከኣ ዘተሓሳስበና እዩ።

እቲ ካልእ ዘሕዝንን ዘገርምን ከኣ ኢሳያስ በዚ ዘቤታዊ ፍሽለቱ ኣብ ክንዲ ዝሓፍር፡ ኣብ ዞባውን ኣህጉራውን መድረኻት ክዋሳእ ዝፍትን እዩ። እዚ ፈተንኡ ኣብ ኩለን ሳልሳይ ርእሱ ኮለል ዝበለን ጐረባብቲ ሃገራትን ከባብያዊ ውዳበታትን እቲ ዝሓለሞ ተቐባልነት ኣይረኸበን። እታ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብ ኣስመራ፡ ኣዲስ ኣበባ፡ ስዑድ ዓረብን ኢማራትን ኮለል ዝበለላ ምህዞ’ውን ትቕምስል ዘላ ኢያ። ፈተነኡ ተቐባልነት ዘይረኽበሉ ምኽንያት ኢሳያስ መሕደሲ፡ ኣብ ዝወዓሎ ዘይሓድር መናውን ጠላምን ምዃኑ ሓደ ምኽንያት እዩ። እቲ ቀንዲ ምኽንያት ግና እቶም ክዛመዶም ዝደሊ ወገናት ዋላ ኣግሂዶም ከምኡ ኣይበልዎ፡ “ንገዛእ ህዝቡ ዘይኮነስ ምስኡ ምዝማድ እንታይ ክዓብሰልና?” ዝብል ሕቶ ኣልዒሎም ንግዜኡ ተጠቒሞም ስለ ዘርሕቕዎ እዩ።

ኣብ ሃገሩን ዞባኡን ምስላጥ ምስ ኣበዮ፡ ምስ ኣሜሪካ ክጻረፍን ምስ ሩሲያ ክመሻኸንን ዝተዓዚብናዮ እዩ። ሎሚ ከኣ ከምቲ “ርሑቕ ዓድስ መሕሰዊ” ዝበሃል፡ ናብ ቻይና ገይሹስ ናይ ብዙሓት ኣጀንዳ ኮይኑ ቀንዩ። መራሕቲ ቻይና ብጀኦግራፊኳ ካብ ኤርትራ እንተረሓቑ፡ ምስቲ ኣይኮነንዶ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ዝፍጸም ዘይሕበኦ ናይ ቴክኖሎጂ ዕቤቶም፡  ኢሳያስ ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ህዝባን ዝፍጽሞ በደላት ዝሕበኦም  ኣይኮኑን።

ኣብ ቻይና ንኢሳያስ ርእይዎ ዘይፈልጥ ብተኹሲ መድፍዕ ዝተስነየ ዝተገብረሉ ኣቀባብላ፡ ንገለ ወገናት ናይ ሓያልነቱን ብቕዓቱን መምዘኒ ኮይኑ ዝተራእዮም፡ ከም ዘዕሸወ ተገንዚብና ኣለና። ነቲ ድራማ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ዓወት ኣምሲሎም ከቕርብዎ ዘይሓፈሩ’ውን ኣይተሳእኑን። እንተኾነ “እቲ ወዛሕዛሕ፡ ብመንጽር ረብሓ ህዝቢ ኤርትራ ክረአ እንከሎ፡ እንታይ እዩ ሸርፉ?” ዝብል ሕቶ ክቐርብ እንከሎ፡ ናይቶም ዘጣቕዕሉ መልሲ  “እዚኣስ እንድዒ” ካብ ምዃን ዝሓልፍ ኣይኮነን። ቻይና ጉዳይ ህዝቢ ኤርትራ ቀዳምነቶም ከምዘይኮነ ምርዳእ የድሊ። ምናልባት እውን ኢሳያስ ከምቲ ዘለዎ ጸረ ህዝቢ ኮይኑ ክቕጽል የደፋፍርዎ ይኾኑ። ምስዚ ኣብዚ እዋንዚ ንዕዘቦ ዘለና ፖለቲካዊ ኣሰላልፋ ቀዳምነት ቻይና፡ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዜቤታዊ ዋኒኑ  ጠንጢኑ ዘገልግሎም እሙን ተለኣኺ ምርካብ እዩ። ነዚ ኣገልግሎትዚ ዝበቅዕ ከኣ፡ እቲ መተካእታ ዘየብሉ ተመራጺ ንኢሳያስ ኣፈወርቂ ምዕሳብ እዩ። ነዚ ሓቀኛ ተልእኮ ቻይና ንናይ ምቕባል መገሽኡ፡ ልምዓትዶ ምሕዝነት፡ ሕርሻዶ ኢንዳስትሪ፡ ምህናጽ መንዲገዶ ምሕዳስ ወደብ ዝኣመሰሉ መጎልበቢ መልክዕ ከም ዝወሃብዎ ርዱእ እዩ።

ምናልባት ምስቲ ቻይና ዘለዋ ቁጠባዊ ዕቤት፡ ኢሳያስ ነገራውን ገንዘባውን ትኳቦ ክረክብ እሞ፡ ህይወት ኤርትራዊ ዘመሓይሽ ኣጋጣሚ ክፍጠር ዝጽበዩ’ውን ይህልዉ። ኢሳያስ ግና ካብ ቻይና ብዝርከብ ትኳቦ ይጽናሕ’ሞ  በቲ ኣብ ኢዱ ዘሎ ዝርካቡ ኤርትራዊ ሃብቲ’ኮ ጸገም ህዝቢ ከቃልል ፈቓደኛ ኣይኮነን። ኣብ ኢዱ ብዘሎ፡ ህዝቡ ካብ ዘየዕንግል፡ ካብ ትኳቦ ካብ ዝረኽቦ በጺሑ ክልግስን ክድንግጽን ምጽባይ ድማ ዘይመስል እዩ። ደሓር ኢሳያስ ኣብ ግዜ ኮቪድ-19 ብናጻ ንህዝቢ ኤርትራ ዝተለገሰ መድሃኒትን ካልእ ሓገዝን ምስምሳት ብምፍጣር  ዝተሓሰም ምዃኑ ተረሲዑ ማለት ድዩ?። ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ  ኢሳያስ ካብ ቻይና ማና ከምጸኣሉ ክጽበ ዘይኮነ፡ “እቲ መፍትሒ ኣብ ኤርትራ’ምበር፡ ኣብ ቻይና ኣይኮነን ዘሎ” ዝብል ግንዛበ ከይዘንገዐ፡ ኢሳያስ ብሰንኪ ዞባውን ኣህጉራውን ተለኣኣኽነቱ መዓት ከየምጸኣሉ እዩ ክሰግእን ክሓስብን ዝግበኦ።

Last modified on Saturday, 20 May 2023 21:45