ጠንቂ ህልዊ ጸገምና፡ ኣይኮነን ናጽነትና

2023-04-04 17:03:49 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 1031 times

ኤርትራውያን ምእንቲ ናጽነትና ነዊሕን መሪርን ቃልሲ ዘካየድና ኣብ ትሕቲ ኣርዑት መግዛእቲ ምንባር  ስለ ዝመረረና ኢና። ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ምንባር መሪር ዝኸውን ናይቶም ገዛእቲ ጓኖት ምዃን ጥራይ ዘይኮነ ዝኽተልዎ ስርዓተ-ምሕደራ ዘየናሕሲ ዘይሰብኣዊ ብምዃኑ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ምረት ኣብ መዋእል ኩሎም ተኸታተልቲ ገዛእቲ ሓይልታት ተገንዚብዎ እዩ። ኣብ ኤርትራ ዝነበሩ ገዛእቲ ፍልልያቶም ኣብ ንኡሳን ኣፈጻጽማታት እንተዘይኮይኑ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ኩሎም ጨካናትን ጨቆንትን እዮም ነይሮም። ህዝቢ ኤርትራ ምእንቲ ናጽነቱ ክቃለስ ዝወሰነ ከኣ ብስምዒትን ኣብ ጉዕዞ ቃልሲ ከጋጥም ዝኽእል ውረድ ደይብን ምኽፋል ክቡር ዋጋን ዘንጊዑ ዘይኮነ፡ ካብ መኽተ ሓሊፉ ካልእ ምርጫ ስለ ዘይነበሮ እዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ምእንቲ ናጽነት ዝተቓለሰ ጭቆና ገዛእቲ ስለ ዝመረሮ ጥራይ ዘይኮነ፡ ዝነበሮ ናጻ ሃገር ናይ ምውናን ሕጋውን ታሪኻውን መሰረት ብሓያላት  ስለ  ዝተጠልመ እውን እዩ። ናጽናት ኤርትራ ካብ ናይ ምዕዋቱ ምስጢራት ሓደ ከኣ፡ ሕቶ ህዝቢ ኤርትራ ፍትሓዊ ስለ ዝነበረ እዩ። ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ሕጋውን ታሪኻውን መሰረት ዘይነበሮ ኣብ ሓይልን ተዋጊእካ ምስዓርን ጥራይ ዝተንጠልጠለ እንተዝነብር፡ ንኤርትራ ከምዚ ንሶማሊ ላንድ ኣጋጥምዋ ዘሎ ኣብ ዓለምለኻዊ መድረኽ ኣፍልጦ ናይ ዘይምርካብ  ዕንቅፋት መጋጠማ። ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ኣብ ሕጋዊ ባይታን ሓቀኛ ታሪኽን ዝተሰረተን  ብክቡር መስዋእቱ ዝተረጋገጸን ናጽነቱ፡ ብመንገዲ  ረፈረንደም ብናይ 99.83% ዓብላሊ ናይ “እወ ንናጽነት”  ድምጹ ልኡላውነቱ ከመዝግብ ኣይተጸገመን።

ምርግጋጽ ናጽነት፡ ውሑስን ቀጻልን ማሕበረ ቁጠባውን ፖለቲካውን ሓርነት ክትሃንጽ መሰረታዊ ቅድመ ኩነት እዩ። ነጻነት ኣብ ዘይተረጋገጸሉ ብዛዕባ ቁጠባዊ ዕቤት፡ ማህበራዊ ርግኣት፡ ዲሞክራስያዊ ስርዓትን ውሑስ ሰብኣዊ መሰልን ከተዕውት ዘይከኣል ጥራይ ዘይኮነስ፡ ዘይሕሰብ እዩ። ምስዚ ግና ምስ ምርግጋጽ ናጽነት ከም ውሁብን ርዱእን ኩሉ ሓርነታትን መሰላትን ይእመም እምበር፡ ይረጋገጽ ማለት ኣይኮነን። ምእንቲ ናጽነትን ካለኦት መሰላትን ሓርነታትን ዝግበሩ ቃልስታት ነናቶም ምዕራፋት ዘለዎምን ነናቶም ግዜ ዝወስዱን ዋጋ ዘኽፍሉን ይጽናሓለይ ዘይበሃሉ እዮም። ስለዚ ክልቲኦም ምዕራፋት ቃልሲ ዝመጋገቡ እምበር እቲ ሓደ ካብቲ ካልእ ነጻጺልካ ዝረኣዩ ኣይኮኑን። ኤርትራውያን ዝሓለፍናዮ፡ ንሓልፎ ዘለናን ኣብ መጻኢ ዝጽበየና ዘሎን  ህይወት ድማ ነዚ  መስካሪ እዩ።

እዚ ሎሚ ንኹለ-መዳያዊ ሓርነት፡ ራህዋ፡ ዕቤትን ዲሞክራስያዊ ምሕደራን ነካይዶ ዘለና ናይ ድሕሪ ናጽናት ቃልሲ፡ ካብቲ ቃልሲ ምእንቲ ናጽነት ዝወሰደልና ግዜ ዝነውሐን ካብቲ ሽዑ ዝኽፈልናዮ ዋጋ ዝኸበረን ዝበዝሐን ክሓተና እዩ ዝብል ናይ መብዛሕትና ግምት ከምዘይነብር ርዱእ እዩ። ናይዚ ምኽንያት ከኣ ብክንድቲ ሎሚ ንዕዘቦ ዘለና ንህዝቢ ዝጠልምን ዝያዳ ገዛእቲ ጨካንን ጠላምን ኤርትራዊ ሓይሊ ክመጽእ ይኽእል እዩ ዝበል ትጽቢት ናይ መብዛሕትና ዘይምንባሩ እዩ። ብግብሪ ግና  ከምቲ ውሑዳት “ተጽግበኒ ቅጫስ ኣብ መቑለኣ እንከላ እፈልጣ” ዝበሃል ሰማዒ እዝኒ ኣይረኸቡን እምበር፡ ብዓንተብኡ  ዝጠርጠርዎን ዝተቓለስዎን፡ ህግደፍ ንህዝብናን ሃገርናን “ዳርጋ ግዜ መግዛእቲ ናብ ዘናፍቕ” ደልሃመት ኣጥሒልዎ ኣሎ። ህዝቢ ኤርትራ ከኣ ቀደም እውን ኣብ ትሕቲ ኣርዑት ወጽዓ ንዘይምንባር እዩ ተቓሊሱ እሞ፡ ሎሚ’ውን  መሪጽዎ ዘይኮነስ ተገዲዱ፡ ኣንጻር ኣርዑት ህግደፍ  ይቃለስ እነሆ። ህዝብና ኣንጻር መግዛእቲ ተቓሊሱኳ ናጽነቱ ዘረጋገጸ፡ ናይ ግዜ ጉዳይ እንተዘይኮይኑ ኣብ ሓርነታዊ ቃልሲ’ውን ብዘይጥርጥር  ተዓዋቲ እዩ።

ሎሚ ብሰንኪ ምረት ወጽዓ ህግደፍ ድሕሪ ናጽነት፡ ገለ ኤርትራዊ ወገናት ብውልቂ ይኹን ብእኩብ  ኣብ ኣድላይነትን ዘይኣድላይነትን ናጽነት ክማትኡ ይስምዑ ኣለዉ። ከምቲ ነርእስትና “ጠንቂ ህልዊ ጸገምና፡  ኣይኮነን ናጽነትና“ ዝበልናዮ፡ ናይ ኩሉ ጸገማትና ጠንቂ ዘይፍትሓዊ ምምሕዳር ህግደፍ ክነሱ፡ ብሰንኪ ናጻን ልኡላዊትን ሃገር ኤርትራ ምውናና ዝወረደና ዘሎ ሳዕቤን ገይሮም ዝወስድዎ ኣለዉ። ካብዚ ነቒሎም ንመስርሕ ቃልሲ ንናጽነትን ንክብሪ ናይቶም ኣብቲ ጉዕዞ ዝተሰውኡ ሓርበኛታትን ዘነኣእሱ ስምዒታት እውን ክንጸባረቑ ንዕዘብ ኣለና። “ብኻ እዛ ናጽነት እዚኣ ተሪፋ፡ ምስ መግዛእቲ ተመሳሲልና መነበርና” ብዝብል ኣስማት ዝተፈላለዩ ገዛእቲ ኤርትራ ዝነበሩ ስርዓታት ዘኮማስዑ እውን ኣይተሳእኑን። እዚ ስምዒታት ሕድሪ ስዉኣት ተረኪብካ ግቡእካ ናይ ዘይምፍጻም ድኽመትካ መሸፈኒ ከይከውን ኣስተብህሎ ዘድልዮ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ ናይቶም ኤርትራዊ ሃገርነትን ሓድነትን ዘይተዋሕጠሎም መዕለበጥቲ መዳመቒ ምዃን’ውን እዩ።

“ተረጋጊጻ ዘላ ናጽናት እታ ህዝቢ ኤርትራ ዝተጸበያ ዘይኮነት ህግደፍ ንዓኡ ዝሰርሓ እያ” ዝብሉ ኤርትራዊ ወገናት እውን ኣለዉ። ኣብዚ ቅድሚ ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ እንተዘይኮይኑ ህግደፍ ናጽነት ኣየምጸአን። ህግደፍ ንናጽነት ካብ ህዝቢ ጨውዩዋ ንምባል እንተኮይኑ ግና ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ እዩ። እቲ መፍትሒ ከኣ ብቃልሲ ዝተዓመጸ ናጽነትካ መሊስካ ዲሞክራስያዊ ሓርነት ምልባስ እምበር፡ ብውዲታት ናይቲ ተቓሊስካ ክትስዕሮ እትኽእል ዓመጸኛ ጉጅለ ተስፋ ቆሪጽካ ኣብ  ናጽናት ተዋጊኻን ተጣዒስካን ንድሕሪት ምምላስ  ኣይኮነን።

ብዛዕባ ኣገዳስነት ናጽነት ኣብ ዝግበር ክተዓት፡ ንናጽነት ዘይድግፉ ወገናት “ናጻ ሃገር ምዃን ማለት እኮ ከም ኤርትራ ምዃን እዩ” ዝብል ተስፋ ናይ ዝቖረጹን ነቲ መሰረታዊ ምኽንያት ክርድኡ ዘይከኣሉን ድምጽታት ሓሓሊፉ ይስማዕ እዩ። ክሳብ ክንድዚ ናጽናት ረኺብካ ሓርነት ናይ ምስኣን ኣብነት ምዃና ከኣ፡ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ዕድላትን ብደሆታትን ኣዝዩ ዕዙዝን ፈታንን ምዃኑ ዘርኢ እዩ። ስለዚ ኤርትራውያን ስዉኣትና፡ ናጽነትናን  ታሪኻዊ መስርሕ ቃልስና ምእንቲ ናጽነትናን ኣነኣኢስናን ማእዝና ስሒትናን መፍቶ ህግደፍን ብናጽነትና ዓይኖም ደም ዝነብዕን ናይ ወጻኢ ሓይልታት ክንከውን ኣይግበኣናን። ኣብ ክንዳኡ ንናጽነትናን ምእንታኡ ዝተገብረ ቃልስን ዓቂብና፡ ናጽነት ኤርትራ ጠንቂ ህልዊ ጸገምና ዘይኮነ መሰረታዊ መንጠሪ ንመጻኢ ሓርነትና ምዃኑ ብምሉእ ልቦና ኣሚና ንቀበል። እታ መፍቶ ኢሳይስን ጉጅለኡን ኮይና ዘላ ናጽነትና ናይ ብሓቂ ናይ ህዝባ ክንገብራ ድማ ቃልስና ብሓድነት ካብ ምቕጻል  መተካእታ የብልናን።

Last modified on Tuesday, 04 April 2023 19:06