ፍሽለት ናይሮቢን ናይ ምሽፋኑ ሃቐነን

2023-02-16 10:00:41 Written by  EPDP Information Office Published in EPDP Editorial Read 834 times

 ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ሕሉፍ ዲክታተር ኢሳያስ ኣፈወርቂ ካብ ዝግለጸሎም ቀንዲ ባህርያቱ ትካላውን ግሉጽን ኣካይዳ ዘይክተል ምዃኑ  እዩ። ናይዚ ዘይግልጽነቱ ቀንዲ መርኣያ ኣብቲ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ዝጸንሖን ዘለዎን ዝምድና ገሊሑ ዝንጸባረቕ እዩ። እዚ ዘይግሉጽነት ኣብ ዝምድናኡ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ዝድረት ዘይኮነ፡ ምስ ካለኦት ወገናት ዝገብሮ ርክብ እውን ብሃላሊ ፖሊሲ ዝምድና ዝግለጽ እዩ። ዘይግልጹነቱ ምስቶም ናይ ቀረባ መቓልስተይ ዝብሎም ከይተረፈ ከም ዝተራእየ፡ ካብ ናይ ቀረባ ግዜ ተግባራቱ ምግንዛብ ይከኣል። እቲ ብ2018 ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዝገበሮ’ሞ ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ዝምድና ከሰጋገር ትጽቢት ተገይርሉ ዝነበረ ርክብ፡ ናይ ብዙሓት ኣጀንዳ ኮይንሉ ዝነበረ ቀንዲ ምኽንያት ከኣ ዘይግልጹነቱ እዩ።

ድሒሩ ኢሳያስ ናብ ከተማታት ኣዲስ ኣበባ፡ ጎንደር፡ ባህርዳር፡ ኣዋሳ፡ ናይሮብን ካልኦትን ይገብሮ ኣብ ዝነበረ ኮለል፡ ዕላምኡ እንታይ ከም ዝገበረ ምናልባት ንዑስማን ሳልሕን የማነ ገብረኣብን እምበር ንህዝቢ ኤርትራ ግሉጽ ኣይነበረን። በብግዜኡ ምስ ስዑድያ፡ ቀጠር፡ ሱዳንን ኤመረትን ዝነበሮ ወደኽደኽ እውን ተመሳሳሊ እዩ ነይሩ። ምስ ሩሲያ ዝረአ ዘሎ ሓድሽ ዝመስል ኣረጊት ዕርከነት’ውን  ከምኡ ሽፉን እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ብዛዕባቲ ብስሙ ዝእለም ኣሻቓሊ ሕቡእ ተንኮላት ናይ ምፍላጥ ድሌትን መሰልን እኳ እንተነበሮ፡ ነዚ ብዝምልከት ዝሓተሉ ዕድልን ኣጋጣምን ግና ኣይረኸበን።

ኢሳያስ ኣብ 8-9 ለካቲት 2023 ናብ ናይሮቢ ኣብ ዝገበሮ መገሻ ሳላ ውሕልነት መንግስቲ ከንያ  ዲፕሎማስያዊ መልክዕ ብዘለዎ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ስምምዓት ተፈሪሙ ተባሂሉ። ሓደ ካብቲ ስምምዓትኳ “ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ናይ ዜጋታት ካብን ናብን ብዘይቪዛ ምጋሽ ክህሉ” ዝብል ከም ዝርከቦ ኣብቲ ወረቐት ሰፊሩ’ሎ። ብግብሪ ግና  ብምስምስ ኣብ ኤርትራ ዘሎ  ሓናቒ መጻወዲያ “መውጽኢ ቪዛን ወተሃደራዊ ኣገልግሎትን”  ከም ዝኹለፍ ርዱእ እዩ። ነቶም ሰብ ፍሉይ ሓለፋ ነጋዶ ኣባላት ንግዳዊ ትካል 03 ግና መንገዲ የጣጠሓሎም ይኸውን።

ኣብ መወዳእታ ነቲ ርክብ “ንቡር ዲፕሎማሲያዊ መልክዕ ንምትሓዝ” ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ቅድሚ ጋዜጠኛታትን ወከልትን ፍሉጣት ማዕከናት ዜና ዓለም ዝተዓደምሉ ናይ ሓባር ጋዜጣዊ ዋዕላ ተዳልዩ። ኣብዚ ዋዕላ ምናልባት ኢሳያስ ብዛዕባ ኣብቲ ስምምዕ ዝሰፈሩ ነጥብታት ዘተኩሩ ሕቶታት ክሕተት ትጽቢት ነይርዎ ይኸውን። እንተኾነ እቶም ናይ ኤርትራ ዘይግሉጽነትን ዕጽዋ ሓበሬታን ከተሓሳስቦም ዝጸንሐ ጋዜጠኛታት፡ “መጺእካለይዶ ክጽበየካ” ኢሎም፡ በቲ ኢሳያስ ዘይተጸበዮ ድኹም ጐኑ ኣትዮም፡ ናብቲ ብዛዕባ ኤርትራ ክፈልጥዎ ዝደልዩ እዋናዊ ሓበሬታ ኣተኲሮም። በዚ መሰረት እቲ ካልእ ገዲፍካ፡ “ሰራዊቲ ኤርትራ ካብ ትግራይ ወጺኡዶ ኣይወጸን?፡ ሰራውትኩም ኣብ ትግራይ ፈጺምዎ ብዛዕባ ዝበሃል ናይ ውግእ ገበናት እንታይ ትብሉ?፥ ኣብ ትግራይ ክንደይ ኣባላት ሰራዊት ሞይተሙኹም?፡ ህላወኹም ኣብቲ ውግእ ስለምንታይ ን5 ኣዋርሕ ሓቢእኩምዎ ጸኒሕኩም?፡ ……….ወዘተ”  ዝብሉ ወጠርቲ ሕቶታት  ኣከታቲሎም ምስ ኣዝነብሉ፡ ቅርኑ ከም ዝተወቕዐ ብዕራይ ጽርውርው ክብሎ ጀሚሩ። ብፍላይ “ጋዜጠኛ ዋሽንግተን ፖስት” ዝብል ድምጺ ምስ ሰምዐ፡ ብምሒር ስንባደ የማነ ጸጋም እናጠመተ፡ “ይስመዓኒ የለን” ክብል ኣማኻነየ። ድሕሪዚ ዓቕሊ ጽበት ብዝተሓወሶ፡ መልሲ እዩ ክትብሎ ብዘጸግም ኣጓጣጥ ብዝተሓወሶ “ፋብሪካ ሓሶት”  ብዝብል ዘለፋ ጀመረ። ሕርቃኑ ክጻወር ከም ዘይከኣለ ብዘመልክት ምንቅስቓስ ኣካላት ድማ ኣንጸርጸረ። ነቲ ኩነታት ዝተዓዘቡን  ካብኡ ከይገድድ እሞ ዝያዳ መስሓቕ ሰብ ከይከውን ዝሰግኡን ኬንያውያን ሰብ መዚ ነቲ ጋዜጣዊ ዋዕላ ኣቋሪጾም ኣገላጊለምዎ። ነቶም ጋዜጠኛታትን ነቲ ምርኢት ዝተዓዘበ  ህዝብን ግና፡ ኢሳያስ እንታይ ዓይነት ዲክታተር  ምዃኑ ንምርዳእ እኹል መረዳእታ  ነይሩ።

ኢሳያስ ኣብ ከምዚ ወጥሪን ስንባደን ዝኣተወ፡ ቅድሚ ኩሉ ዘይግሉጽ ባህርያቱ ስለ ዝሃወጾ እዩ። እቲ ንሱ ዝለመዶ  ኣቐዲሙ ዝሃቦም ሕቶታት ዘንብቡ ብፍርሒ ዝተዋህጡ ክልተ “ጋዜጠኛታት” ኣሰሊፉ ከም ድላዩ ምዝራብ ምዃኑ እቲ ካልእ ምኽንያቱ እዩ። ካብ ኬንያ ናብ ኤርትራ ምስተመልሰ፡ ከምቲ ዝለመዶ ኣብ ገዛ ተዓጽዩ ሕነ ናብ ዝፈድዩሉ መድረኽ ክኣቱ ምዃኑ ናይ ብዙሓት ግምት ነይሩ። ብ12 ለካቲት 2023 ድማ ከምኡ ገይሩ።

ኣብዚ “ናይ ናይሮቢ ፍሽለቱ  ንምሽፋን ዝሃቀነሉ” ቃለ መጠይቕ ምጽዋዕ፡ ኣብ ቅድሚኡ ዝነበሩ እቶም ኣብ ናይሮቢ ውቃበኡ ዝገፈፍዎ፡ ናይ ቢቢሲ፡ ዋሽንግተን ፖስትን ኣሾሾይት ፕረስን ጋዜተኛታት ዘይኮኑ፡ እቶም ከም ድላዩ ዝዕንድረሎም ሱሌማ ዑስማ ዓበ ካብ ኤሪቲቪን ጳውሎስ ነታባይ ካብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራን  እዮም። ኣብዚ ኮለል ክብል ልዕሊ 80 ደቓይቕ ዝወሰደሉ ቃለ መጠይቕ፡ ዘልዓሎም ነጥብታት ካብ 30 ደቓይቕ ዝያዳ ዘድልዮም ኣይነበሩን። ብትሕዝቶ ከምቲ ልሙድ ኣብ ውግእ ትግራይ ተዓዊቱ ከም ዝወጸ እምበር ዘሕትቶ ከምዘየለ መሲሉ ቀሪቡ፣ ነቲ ደጊም “ጸወታ ወያነ ተወዲኡ” ኢሉ ነቲ ውግእ ኣቐዲሙ ምብራኹ ዘንጊዑ፡ ነቲ ውግእ ኣሜሪካ እያ ኣጀሚራቶ ኢሉ። ነቲ ውግእ ዕላማ ዘይነበሮ ኢልዎ። እቲ ዝያዳ ዕላማ ዘይነበሮስ ናይ ሰራዊት ኤርትራ ናብቲ ውግእ ምእታው ምንባሩ ግና ክዝንጋዕ ዘየብሉ እዩ። እቶም ኣብ ከንያ ዘዋጠርዎ ጋዜጠኛትት፡ ነቲ ካብኣቶም ሃዲሙ ብትግርኛ ዝሃቦ ቃል እንተዝሰምዑ እንታይ ከም ዝብሉ ምግማቱ ኣየጸግምን። 

 እታ ኣብዚ ቃለ መጠይቑ ሓዳስ እትበሃል፡ እታ ቀደም ወያነ ንምግላጽ  ጥራይ ዝጥቀመላ ዝነበረ “ጃንዳ” እትብል ቃል ሎሚ  ንዋሽንግተን እውን ለጢፉላ። ኢሳያስ ንዋሽንግተን መመሊሱ ዝሓይካ ዝነበረ፡ “ውግእ ትግራይ ተወዲኡ ስግኣትና ካብ ተቐንጠጠ፡ ናብ ጉዳይና ንእቶ” እንተተባሂሉ “ናይ  ኣሜሪካ ስግኣት ኣየለና”፡ ብምባል ከም ልማዱ  ብህዝቢ ክለዓል ካብ ዝኽእል ሕቶ፡ መህደሚት ንክትኾኖ ዝምህዛ ዘሎ ምዃኑ ፍሉጥ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ኣብ ውግእ ዩክረይንን ሩሲያን ዝሓዞ ኣብ ህልኽ ዝተመስረተ እምበር ኤርትራን ህዝባን ዘይረብሕሉ መርገጹ ምኽኑይ ንምምሳል ብዙሕ ተዛሪብሉ። እቲ ዝተረፈ ፈጺሙ ምስ ቀዳምነት ህዝቢ ኤርትራ ዝምድና ኣብ ዘይብሉ፡ ዛንታ እዩ ሃለው ኢሉ። እዚ ኩሉ ኣንጻር ኣሚሪካ ዘንጸርጽሮ ዘሎ፡ መራሕቲ ኣሚሪካ “ምሳኻትኩም ክሰርሕ እንዶ ፍቐዱለይኢልዎምስ፡  “ነዚ ኣይትምጥንን ኢኻ” ኢሎም ስለ ዝነጸግዎ ምዃኑ  ምንስሑ  ምናልባት ኣብዚ ቃለ መጠይቑ ከም ሓድሽ ዝውሰድ እዩ። እቲ ዘገርም ኢሳያስ ንሓያላት ስለ ዝጸረፈ፡ ዝሓየለ ዝመስሎም ቁንጣሮ ደገፍቱ ምህላዎም እዩ።

እንተ  እተን ተዓዊቱ ዘይኮነ፡ ባዕሉ ብዝተኣመኖ ተኾሊፉ፡ ካብ “ትግራይ ድሕሪ ምምላሱ”፡  ህዝቢ ኤርትራ ክምለሳሉ ዝጽበየን እሞ ኣብ ናይሮቢ ጋዜጠኛታት ዘልዓልወን እዋናውያን ሕቶታት  ኣይተንከፈንን። ኣብ መጻኢ ክምልሰን እዩ ኢልካ ትጽበዮ’ውን ኣይኮነን። ስለዚ ብፍላይ ኣብቲ ዘይምልከቶም ውግእ ትግራይ ተጠቢሶም ናይ ዝጠፍኡ ደቁ ደሃይ ንምፍላጥ ህዝቢ ኤርትራ በዚ ናይ ኢሳያስ ናይ ህድማ ሃበስቀደስ ክጥበር ኣይግበኦን። ኣብ ክንድኡ ዘይግሉጽነት ናይዚ ዲክታተር ቀሊዑ ጉዳይ ደቁ ክፈልጥ ምቕራብ ወጣሪ ሕቶታቱ ክቕጽል ይግበኦ። 

Last modified on Thursday, 16 February 2023 11:03