ምውጣጥ ጫፋት ንረብሓ መን?

2022-09-22 17:51:35 Written by  EPDP Information Office Published in EPDP Editorial Read 942 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ኣብዚ እዋንዚ ብሓፈሻ ኣብ ዓለምና፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ዞባና ቀጻሊ ሓደስቲ ፖለቲካዊ ምዕባለታት ይረኣዩ ኣለዉ። እዚ ምዕባለታት ዘስዓቦ ሓደስቲ ፖለቲካዊ ኣሰላልፋታትን ዝምድናታትን እውን ንዕዘብ ኣለና። ካብቶም ምዕባለታት ዘኸትሉ ዘለዉ  ኣሰላልፋታት፡ ሩሲያ ኣንጻር ዩክረይን፡ ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣንጻር ትግራይን ኣብ መንጎ ቻይናን ታይዋንን ዘሎ ምትፍናን፡ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሱዳን ዝረኤ ዘሎ ምስሕሓብን ካለኦት ናብ ውግእ ዘይማዕበሉ ምትፍናናትን ከም ኣብነት ዝጥቀሱ እዮም። እዞም ዝተጠቕሱ ተሰለፍቲ በበይኖም ዝቖሙ ዘይኮኑ፡ ብግሁድ ይኹን ብሕቡእ ዘዕጥቑን ዘስንቑን “ኣለናልካ” በሃልቲ ኣለዉዎም። በዚ መሰረት ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ዝፍጠር ፖለቲካዊ ምስሕሓብ ኣብቶም ውሱናት ቅድሚት ዝስለፉ ተሰሓሓብትን ተዋጋእትን፡  ዝድረት ዘይኮነ ነዊሕ ሰራውር ዘለዎ እዩ።

ኤርትራን ኤርትራውያንን ከም ኣካል ሕብረትሰብ ዓለም፡ ካብዚ ጽልዋን ኣሰላልፋን ወጻኢ ኣይኮናን። ጉጅለ ህግደፍ ድሮ ከም መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ኤርትራ ክኽተሎ ዝጸንሐን ዘሎን፡ ዘይሕገመንግስታዊ፡ ዘይህዝባዊ፡ ዘይብዙሕነታውን ዘይደሞክራስያውን ፖሊሲኡምስቶም ኣንጻር፡ ዩክረይን፡ ታይዋንን ትግራይ ገለን ዘፈራርሑ ገለን ከኣ የራጉደለይ’ዩ ብዝብል ዝወሩ ዘለዉ ናይ ባህሪ መሓዝቱ ክለኣኾም ቅሩብ ኮይኑ ኣዳዕዲዑ ተሰሊፉ ኣሎ። ማእከላይ ስሕበት መምረጺ መዛምድቲ ህግደፍ፡ ህልዊ ጸገም ህዝቢ ኤርትራን መጻኢ መፍትሒኡን ኣብ ግምት ዘእተወ  ዘይኮነ፡ ኣብ ስልጣን ምቕጻሉን ዘይምቕጻሉን ቅድሚት ዝሰርዕ እዩ። እዚ ኣሰላልፋዚ ከቢድ ዝሳዕቤንን ብቐሊሉ ዘይሓዊ ስንብራትን ዝገድፍ እዩ።  እቲ ጉጅለ ነዚ ስጉምትታት ክወስድ እንከሎ፡ ህዝቢ ኤርትራ ዘይፈልጦ ምዃኑ ድማ ክሳብ ክንደይ መበገሲኡ  ካብ ባህጊ ህዝብና ዝረሓቐን ዝተመስጠረን ምዃኑ ዘርኢ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ሕልሚ ህግደፍ ንኤርትራን ህዝባን ዕድመ ልክዑ ኣብ ምድሃኾም ጥራይ ዝድረት ዘይኮነ፡ ናይ ዞባና ተሰማዕን ጐብለልን ናይ ምዃኑ ምህሙን ተስፋ እውን ዝቐበጾ ኣይመስልን።

እቲ ጉጅለ ነዚ ረብሓን ድሌትን ህዝቢ ኤርትራ ዝጓሰየ ኣሰላልፋ ክመርጽ እንከሎ ዝተኸተሎ ስልቲ፡ ሕሉፍ ተሓላቒ ሃገርን ልኡላውነታን መሲልካ ምቕራብ እዩ። “ኤርትራዊ ልኡላውነት ብዘይካይ ዘውሕሶ የለን” ዝብል ዝኣረገ ኣዳህላልነቱ እውን ቀጻሊ ኣሎ። ማዕረ ማዕረዚ ግዳ ቀዳማይ ገሃስን ኣሕሊፉ ወሃብን ልኡላውነት ኤርትራ ንሱ ምዃኑ ክሓብኦ ዘይከኣለ ንመጻኢ እውን ዘይክእል ባህሪኡ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ካብ ኩሉ መሰረታዊ ዲሞክራስያውን ሰብኣውን መሰላት ከም ዝሕረም ኣብ ርእሲ  ምግባሩ፡ ኣብ ውግእ ኢትዮጵያ ደይ-መደይ ኢሉ ኢድ ምእታው፡ ምስቶም ጌና ኣብ ናጽነትና ሕቶ ምልዓል ዘየቋረጹ ኢትዮጵያዊ  ሓይልታት ናይ ቀረባ ዝምድና ምምስራቱን ኤርትራ ናይ ኢትዮጵያ ሰራዊት መዕንደሪት ከም እትኸውን ምግባሩን ከኣ  ኤርትራዊ ሓልዮትን ተሓታትነትን ዘይብሉ ባህርያቱ ዘርኢ እዩ። ኣእሚኑ ዘይኮነ፡ ኣሰናቢዱን ኣደናጊሩን ደጋፊ ንምርካብ ድማ፡ ሎሚ ምስኡ ንዘይተሰለፈ ኤርትራዊ ከመዮ “ወዮ ናታስ ንሓማታ” ዝበሃል፡ ከም ንልኡላውነት ኣሕሊፉ ዝሃበ ኣምሲሉ ክቕርቦ ይፍትን ኣሎ። ንኤርትራ ኣደዳ ኣራግጽ ናይ ግዳም ሓይልታት ክትከውን ዘፍቐደ ኣካል፡ ተሓላቒ ልኡላውነት ክኸውን ከኣ ብቕዓትን ሞራልን የብሉን።  በዚ ሽፈጡ ተዓሽዮም፡ ልኡላውነት ሃገር ዝሕልዉ ዘለዉ መሲልዎም፡ ምስዚ ብክብሪ ህዝቢ ዝጣላዕ  ጉጅለ ተሰሊፎም ዘጣቕዑ፡ ሰብኣዊ ልኡላውነቶም ኣሕሊፎም ዝሃቡ፡ ጐሓላሉ ምርኣይ  ከኣ ቃልስና ጌና ዝተሓላለኸን ግቡእ መስርዑ ዘይሓዘን ምዃኑ ዘርኢ እዩ።

ክሳብዚ ቀረባ  ዓመታት ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ሓይልታት ንሰማመዓሉ ካብ ዝነበርና ዛዕባታት ሓደ፡ ብሰንኪ ብሓባር ዘይምስራሕና ግዳይ ከፋፋሊ ህርፋን ህግደፍ ምዃና እዩ። ካብዚ ንምውጻእ ከኣ ናይ ኣተሓሳስባ ብዙሕነትና ዓቂብና፡ ብምጽውዋርን ምክእኣልን ተገዚእናን ኣርሒቕና ብምርኣይን ንህግደፍ ዘሕምሞ ኣድማዒ ዓቕሚ ምፍጣር ክንቃለሰሎም ካብ ዝጸንሕና  ዓበይትን ወሰንትን ዕማማትና ሓደ እዩ። ህግደፍ ብኣንጻሩ ነዚ ሕልሙ ዘምክን ምቅርራብ ሓይልታት ለውጢ፡ እንተ ኽኢሉ ናብ ረብሓኡ ከውዕሎ፡ እንንተዘይክኢሉ ከኣ በታቲኑ ዘርሞዘርሞ ክገብሮ ክጽዕት ጸኒሑ። ብሓፈሻ ነቲ ዝተኸስተ ሓድሽ ኣሰላልፋ፡ ብፍላይ ከኣ ንተረኽቦ ውግእ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን መርወዪ ህርፋኑ ክጥቀመሉ ስምዒታት ኣነሃሂሩ። ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ሓይልታት ነዚ ሓድሽ ኣሰላልፋን ክስተትን ተኸቲሉ ሒዝዎ ክጐዓዝ ዝጸንሐ ፍልልያት ኤርትራዊ ናይ ሓባር ዕማሙ ንድሕሪት ብዘይመልስ ከመሓድሮ ይግበኦ ነይሩ። ብግብሪ ግና  ከም ዘይበቐዖን ኣብ ክንድኡ  ኣብ  ናይ ጫፋት ምውጣጥ ምእታዉን  መርኣያ ድኽመቱ እዩ።

እቲ ዝገርም፡ ዝተበተነ ዓቕምኻ ኣማእኪልካ ብሓባር ምቅላስ ኣገዳሲ ምዃኑ ክጭርሑ ዝጸንሑ  ኣካላት ከይተረፉ፡ ከካብቲ ዝተጸግዕዎ ጫፋት ተመሊሶም ማእከላይ መፍትሒ ክረኽቡ ዘይምኽኣሎምን ኣብ ተመዓዳዲኻ ምፍርራድን ምንእኣስን ምውዳቖም እዩ። እዚ ኣብ ክንዲ ብመትከል እካን ሃባን፡ ከክንድቲ ክትከዶ ዝግበኣካ ርሕቀት ኬድካ ኣብ ማእከል ምርኻብን ኣተሓሳስባ ምትዕራቕን ኣብ ዘዘለኻዮ ኮይንካ “እዛ እምባይ መን ይወርሳ”  ምብህሃል ብዘይካ ንህግደፍ ንኻልእ ዘርብሕ ኣይኮነን። እቲ ዘገርም ከኣ ካብቲ፡ “ህግደፍ ብየናይ ኣገባብ ይወገድ፡ ድሕሪ ህግደፍ ብኸመይ ብህዝቢ ናብ ዝተመርጸ መንግስቲ ንሰጋገር፡ ብኸመይከ ሕገመንግስቲ ነዲፍና ነጽድቕ” ኣብ ዝኣመሰሉ ኣገደስቲ ዛዕባታት ዝጸንሓና፡ ብሓልዮትን ህዝባዊ ሓላፍነትን ክመሓደር ዝኽእል ፍልልይ፡ ኣብ “ብኸመይ ምስ ቃልሲ ጐረቤት ህዝቢ ትግራይ ንዛመድ?”  ዝብል ዘረሓሕቕ ጫፋት ተጸሚድና ኣለና። ከምቲ ንቃወሞ ዘለና ናይ ኢሳያስ ኣገባብ ንኤርትራዊ ዘቤታዊ ጉዳይካ ኣቐሚጥካ ናብ ደገ ምምዕዳው ይብርኽ ኣሎ። ያኢ እቲ “ምስ ሰራዊትና” ወይ “ምስ ሓይልታት ትግራይ” ዝብል ናይ ምቅርራብ ኣንፈት ዘየብሉ ዝመስል ጫፋት ቅኑዕ መርገጻት ተባሂሉስ፡ እቲ “ነዚ ሓደገኛ ጫፋት ኣወጊድና፡ ፍልልያትና ኣጻቢብና ኣብ ማእከላይ መፍትሒ ንራኸብ” ዝብል ሓላፍነታዊ ማእዝን ክሳብ “ናይ በለጽ ምርጫ” ዝብል “ሓባል በልያ ከይትቕድመኪ”  ዝዓይነቱ ስግንጢር ድምጽታት እውን ይስማዕ እዩ።

ካብዚ ክልተ ጫፋት “ወይከ ንቕንቕ” ምባል፡ ውሕሉል ኮነ ምቕሉል ኣተሓሕዛ ጉዳያት ኣይኮነን። ነቲ ዝጸንሓና ናይ ዘይምትእምማን ነቓዕ፡ውን መሊሱ ዘጋድዶ እዩ። ኣብ ከምዚ ኩነታት “ሓድነት ሓይልታት ለውጢ ዓቕሚ እዩ” ኢልካ ምጭራሕ ጥራይ ትርጉም የብሉን። እዚ ክሳብ ዘይተቐየረ ንህግደፍ ስዒርና ሕቶ ህዝብና  ንምምላስ ዝወስዶ ግዜ ሓጺር ኣይክኸውንን እዩ። ነዚ እንዳተረዳእካ  ጫፋት ምውጣጥን ምምጣጥን ድማ፡ መፍቶ ህግደፍ ካብ ምዃን ሓሊፉ፡ ካልእ ትርጉም የብሉን። መፍቶ ህደፍ ምዃን  ብኡ ንብኡ ንህዝብና ምብዳል’ዩ እሞ  ነናብ ልብና   ተመሊስና ብጽሞና ንሕሰብ።

Last modified on Thursday, 22 September 2022 19:56