መኽሰብ ሃገራዊ ቃልስና ንድሕሪት ከይምለስ

2021-09-14 08:06:35 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 1237 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ህዝቢ ኤርትራ ዝሓለፎ ናይ ቃልሲ መስርሕ ክሳብ ክንደይ ብብድሆታት ዝተሓጽረ ከም ዝነበረ ኣብ ቅድሚ ፈታዊ ኮነ ጸላኢ ፍሉጥ እዩ። እቲ ብደሆታት በቲ ብቐጥታ በቶም “እንተዘይገዛናካ” ዝብልዎ ዝነበሩ ዝመጸ ጥራይ ዘይኮነ፡ ግደ ናይቶም ዘስንቕዎምን ዘዕጥቕዎምን ዝነበሩ ዘራያቶም እውን ቀሊል ከምዘይንበረ ታሪኽና ዝሰነዶ እዩ። እንተኾነ ግን ክንድቲ ዝኸብዶ እንተኸበደ ዘራያት እውን ክንድቲ ዝበዝሕዎ ይብዝሑ፡  ህዝቢ ኤርትራ ካልእ መተካእታ ስለ ዘይነበሮ  በቲ “ዝከኣል ዘይመስል ዝነበረ ደሓር ግና ዝተኻእለ እሞ ንህዝቢ ኤርትራ ናይ ጽንዓትን ተስፋ ዘይምቑራጽን ኣብነት”  ዘበሎ ቃልሲ ስኑ ነኺሱ ቀጺሉ።

ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ከምቲ “በትሪ ሓቅስ ትቐጥን እምበር ኣይትስበርን”  ዝበሃል፡ ዋሕዲ ሰራዊቱ ክስስን፡ እቲ ትሑት ደረጃ ዝነበሮ ዕጥቁ ዘመናዊ መልክዕ ክሕዝ ግዜ ኣይወሰደሉን። ወያ ንቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ብ”ውሽጣዊ ጉዳይ ኢትዮጵያ” ኣጐልቢባ ከተዕጠጢ ዝጸንሐት ዓለም እውን ደሓርስ ክትፈልጦ ተገዲዳ። ብንዋትን ሞራልን ዝደርዕዎ ወገናት እውን ነይሮም። እዚ ምዕባለዚ ክርከብ ግደ ናይተን ኣብ ሜዳ ዓጢቐን ዝኳሸሓ ዝነበራ ውድባትኳ ቀሊል እንተዘይነበረ፡ ቀንዲ ዋንኡ ግና ህዝቢ ኤርትራ እዩ ነይሩ። ህዝቢ ኤርትራ ኣብዚ ቀዳማይ ምዕራፍ ቃልሱ ልዑል ዕጥቅን ብዝሒ ሰብን ጸላኢ ከየንበርከኾ ናይ ጽንዓትን ጅግንነትን ኣርኣያነቱ ኣመስኪሩ እዩ።

እቲ ብኽንድዚ ዘገርም ጽንዓትን ተወፋይነትን ብረታዊ ቃልሱ ኣዐዊቱ ብህዝበ-ውሳነ ልኡላውነቱ ዝኾለዐ ህዝቢ እቲ ድሕሪኡ ዝመጽእ ረብሓ  ህዝቢ ብዝማእከሉ መንገዲ ምህናጽ ሃገር ከጸግሞ እዩ ኢሉ ዝሰግአ ኣይነበረን። እኳ ደኣ በቲ ኣብ ቀዳማይ ምዕራፍ ቃልሱ ዘዋህለሎ ተመኩሮ ተሓጊዙ፡ ነቲ መስርሕ ምህናጽ ሃገር ከቀላጥፎ’ዩ ዝብል ናይ ብዙሓት ትጽቢት ነይሩ። እቲ መስርሕ ንክዕወት ቀሊል ከምዘይከውን  ዝገመቱን ጸኒዖም ዝመከቱን ግና ነይሮም። “ድሕሪ ናጽነት እውን ግድል ኣሎ፡ መሰላት ህዝብና ንክሕሎ”  ዝብል ትንቢታዊ ዜማ ነፍሰ-ሄር ተኽለሚካኤል ገብሩ (ወዲ ገብሩ) ከኣ ነዚ ዘመልክትን ህዝቢ ከይህመል ዝምህርን እዩ ነይሩ። እቲ ሎሚ ንርእዮ ዘለና ግና፡ ህዝቢ ኤርትራ እቲ ዕማም ካለኣይ ምዕራፍ ምድፋእ ኣብይዎ ጥራይ ዘይኮነ፡ እቲ ኣብ ቀዳማይ ምዕራፍ ዘዐወቶ ሃገራዊ መኽሰባት ንድሕሪት ከይምለስ ኣብ ዝሰግኣሉ ደረጃ ከም ዘሎ ብዓይንና ንርእዮን ብእዝንና ንሰምዖን ዘለና እዩ።

ሎሚ ኤርትራ ኣብ ዝኾነ ናይ ድኽነት፡ ሕመቕን ድሕረትን መስርዕ ካብተን ቀዳሞት ሃገራት ሓንቲ ኮይና እያ እትጥቀስ። እዚ ዘሕዝን  ንጽንዓትን ህርኩትናን ህዝቢ ኤርትራ ዘይምጥን ተረኽቦ ኣብ ፈቐዶ ኣደባባያት ዝዝረበሉ ዘሎ እዩ። እዚ ክለዓል እንከሎ ቀንዲ ዝጥቀሱ ጐቦታት፡ ሩባታትን ባሕርን ኤርትራ ዘይኮኑ፡ ህዝቢ ኤርትራ እዩ። እቲ ኣጠቓቕሳ ከኣ ነቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ናይ ጽኑዕ እምቢ ኣይግዛእን በሃላይነት ኣርኣያነቱ ብዘንጸባርቕ ዘይኮነ፡ ክትደግሞ እውን ብዘሰክፍ ብናይ ኣሜን ኢልካ ወጽዓ ርዓምነት እዩ። ገለገለ ወገናት ብናይ ህግደፍ ከም ድላይካ ህላን ፍንጭራዕን ተገሪሞም “ህዝቢ ኤርትራሲ እንታይ ኮይኑ እዩ ተዓዚሙን ጃጅዩን  ክልተ ግዜ ተራእዩ” ክብሉ ምስማዕ ልሙድ ኮይኑ ኣሎ።

ካብ ቀደሙ እውን ናጽነት ኤርትራ ዘይተዋሕጠሎም ወይ ደሓር ዝተጣዕሱ ወገናት፡ “ኤርትራን ህዝባን ናብዚ ዘለዉዎ ሕሰም ዝወደቑ ኤርትራ ኣብ ክንዲ ኣብ ትሕቲ ኢትዮጵያ ትቕጽል ልኡላዊት ሃገር ብምዃና እዩ” ክብሉ ይስምዑ እዮም። ምእንቲ መሰል ርእሰ-ውሳነኦም ንዝቃለሱ ወገናት ንምኹላፍን ንምፍርራሕን “ንኤርትራን ህዝባን ርኢኹም ተቐጽዑ” ምባል እውን ብጋህዲ ይረአ ኣሎ። ብመሰረቱ ግና ኤርትራ ኣብዚ ዘላቶ ሕማቕ ኩነታት ንክትወድቕ እቲ ጠንቂ ብቓልሲ ደቃ ናጻን ልኡላዊትን ምዃና ከምዘይኮነ ከም ጸሓይ ቀትሪ ብሩህ እዩ።

እቲ ኣብ ኤርትራ ዝጀመረ ቃልሲ ኣብቲ ክበጽሖ ዝግበኦ ንክበጽሕ፡ ግደ ናይቲ ዝተወደበ ሓይልታት ዝስገር ኣይኮነን። ምኽንያቱ ውዳበ ሓይሊ ስለ ዝኾነ። እንተኾነ ግን እቲ ናይ ለውጢ ቀንድን ወሳንን ብሓፈሻ ግደ ናይ ህዝባ ብፍላይ ከኣ ብጽሒት መንእሰያ ምዃኑ ኣየማትእን። ጠንቂ ናይቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ እሞ ንምቕያሩ ንቃለሶ ዘለና ጽልሙት ዘይዲሞክራስያዊ ኩነታት፡ ኣብ ክንዲ ብህዝቢ ዝፍራሕ ንህዝቢ ዝፈርሕ ምምሕዳር ምብኳሩ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ናጽነትን ልኡላውነትን፡ ፍትሓውን ዲሞክራስያውን ምምሕዳር ንምትካል መንገዲ ዝጸርግ እምበር ዝዕንቅፍ ከቶ ክኸውን ኣይክእልን። “ንህዝቢ ዝፈርሕ ምምሕዳር” ክንብል እንከለና፡ መሰረታዊ ሕቶ ህዝቢ እንተዘይመሊሱ ተሓታቲ ከም ዝኸውን ተረዲኡ ካብ ፈቓድ ህዝቢ ዘይወጽእ ማለት እዩ። ነዚ ከተግብር ከኣ ብወሳኒ ዲሞክራስያዊ ተሳትፎ ህዝቢ ዝጸደቐ ህዝብን  መንግስትን ዘራኽብ መቆጻጸሪ ውዕል ክህልው ይግበኦ። እዚ ሎሚ ኣብ ኤርትራ የለን።

ኣብዚ እዋንዚ ህዝቢ ኤርትራ እቲ ቀንዲ ሞተረኡ ዝኾነ መንእሰይ፡ ገለን ብስደት ገለን ከኣ ተገዱዱ ተዓስኪሩ ኣብ ዘይጉዳዩ እትዩ ኣብ ኣጀንዳኡ የለን። ብመንጽርቲ “ለውጢ ብህዝቢ ኤርትራ እዩ ዝመጽእ”  እንብሎ  ህዝቢ ኤርትራ ተዳኺሙ ዘሎ ግደ መንእሰዩ ኣሕይሉን ጠርኒፉን ክሳብ ዘይመከተ  ናይ ለውጢ ዓቕሙ ክደክምን ግዜ ክበልዕን ምዃኑ ምርዳኡ ዘጸገግም ኣይኮነን። ናይ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ስልጣን ምቕጻልን ዘይምቕጻልን ከኣ ካብዚ እዩ ዝነቅል። ክንዲ ፖለቲካዊ ለውጢ ዝኣክል ዓብይ ጉዳይስ ይትረፍ፡ ምድኻም ግደ መንእሰይ ኣብ ማሕበራውን ቁጠባውን ህይወት ዝፈጥሮ ዘሎ ተጽዕኖ ንኹላትና ብሩህ እዩ።

ኤርትራ ኣብዚ ዘላቶ ዓሚቕ ወጥርን ድሕረትን ክትውድቕ፡ ተሓታትነት ጠላም ጉጅለ ህግደፍ ገዚፍ ምዃኑ ኣይኮነንዶ ህዝቢ ኤርትራን ናይ ለውጢ ውዳበታቱን ባዕሉ እውን ዕባራ ምኽንያታት ደኣ ይምህዝ እምበር  ንኤርትራ ንድሕሪት ከም ዝመለሳ ዝሃድመሉ ኣይመስለናን። ንሕና ነዚ ጉጅለ ከነቃልዖ ውሁብ እዩ። ግን ከኣ ኣጻብዕና ናብኡ ጥራይ ዘይኮነ፡ ነቲ እንብህጎ ከተግብር ዝኽእል ዓቕምን ሓድነትን ክንፈጥር ዘይምብቃዕና ድኽመት ስለ ዝኾነ፡ እቲ ኣጻብዕትኻ ዊጥ ምባል  እውን ከም ዝምልከት ኣይንዘንግዕ። ብመሰረቱ እውን እቲ መፍትሓዊ ለውጢ ነቲ ጉጅለ ብምኹናን ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣውራ ናይ ለውጢ ዓቕምና ብምትርናዕ እዩ ክረጋገጽ ዝኽእል። “ወዮ ናይ ጽንዓትን ጀግንነትን ኣብነት ህዝቢ ኤርትራ ስለምንታይ እዩ ነቲ  ሸፋጢ ጉጅለ ምውጋድ ኣጊምዎ?” ዝብል ሕቶ በብኹርናዑ ይስማዕ እዩ። ነዚ ሎሚ ዝረአ ዘሎ ድኽመት መዝሚዞም፡ ንዝኸፈልናዮ ዋጋ ደፊኖም ህዝቢ ኤርትራ ናጽነቱ ብዕድል ከም ዝረኸበ ከምስልዎ ዝደልዩ ወገናት እውን ኣለዉ። ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ እቲ መስተንክር ዝሰርሐ ተመኩሮኡ ንድሕሪት ተመሊሱ፡ መስሓቕ ሸራፋት ከይከውን ብግብሪ ኣብ  ጉዳይ ሃገሩ ዘለዎ ተወፋይነት ከመስክር ኣብ ዝግደደሉ ኰነት እዩ ዘሎ

Last modified on Tuesday, 14 September 2021 10:10