ሃገርና ካብዚ ዞባዊ ዕግርግር ንምድሓን

2021-08-21 18:27:50 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 1651 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ዞባና ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሩ ዕግርግር ዘይተፍለዮ ከባቢ እዩ። ካብቲ ንከምዚ ዘብቀዖ ምኽንያታት ኣቀማምጣኡ ምስ ቀይሕ ባሕሪ ዝተሓሓዘን ካብተን ካለኦት ዞባታት ኣፍሪቃ ናብ ኤውሮጳን ኤስያን ዝቐረበን ቀይሕ ባሕሪ ዝተጐዝጐዘን ምዃኑን ናይ ብዙሓት ግምት እዩ። እዚ ዞባዊ ዕግርግርን ቅልውላውን ናይ ሓጺር ግዜ ዘይኮነ ብፍላይ ካብቲ ኤውሮጳውያን ንኣፍሪቃ ከም ስጋ ጉዚ ክመቓቐልዋ ዝተላዕልሉ ግዜ ጀሚሩ ክሳብ ሎሚ መልከዓቱ እንዳቐያየረ ዝቕጽል ዘሎ እዩ። ናይ ቀረባ ናይቲ ዘይህድኣት ኣብነት ምጥቃስ እንተድለየ፡ ሰውራ ኤርትራን ትግራይን፡ ውግእ ሱዳንን ምጥቃስ ይከኣል። ናይ ኤውሮጳውያን ወራራት ነዚ ህልዊ መልክዕ ሃገራት ዞባና ኣትሒዙ እዩ ተዛዚሙ። እቲ ድሒሩ ኣብ ዞባና ዝተኸስተ ሰውራታት ከኣ ናይ ኤርትራ ልኡላውነት፡ ናይ ደቡብ ሱዳን ሃገርነትን ኣብ ኢትዮጵያ ሓድሽ ስርዓት ምትእትታውን ኣረጋጊጹ እዩ ሓሊፉ።

ቅልውላው እዚ ዞባ ድሕሪዚ ዝተጠቕሰ ተረኽቦታት እውን መልክዓቱ ቀይሩ ደኣ ይቕጽል ኣሎ  እምበር ኣይዓረፈን።  ቅድሚ ዕስራ ዓመታት ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተኻየደ፡ ብዙሓት ፈላጣትን ተመራመርትን “ትርጉም ዘይነበሮ” ዝበልዎ ውግእ፡ ጌና ኣብ መንጎ ኤርትራን ትግራይን ዘሎ ናብ ዳግማይ ውግእ ዝዓረገ ሕያል ምትፍናን፡ ንዝተወሰነ ግዜ ክሕቆን ጸኒሑ መወዳእታኡ ንምግማት ብዘጸግም ዝቕጽል ዘሎ ዝተፈላለዩ መልከዓት ዝሓዘ ውግእ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሱዳንን ዘሎ ናይ ዶብ ምስሕሓብን ጉዳይ ዓብይ ሕዳሰ ሓጽቢ ኢትዮጵያን፡ ሓንካሪ ኢድ ኣእታውነት ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያን ኣሻቐልቲ እዮም። እዞም ተረእዮታት እዚኣቶም፡ ቅልውላው ዞባና  መልክዑ ቀይሩ እምበር ከምዘይገደፈና መርኣያታት እዮም። እዚ ቅልውላዋትዚ ንመን ሃኒጹ ንመንከ ኣፍሪሱ ከም ዝውዳእ ከኣ ምግማቱ ዘጸግም ኣብ መጻኢ እንርእዮ እዩ። እቲ ኣዝዩ ዘሕዝን ከኣ ልቦናን ሓልዮትን እንተዝነብር እቶም ኣብዞም ዝተጠቕሱ ተረእዮታት ከም ናይ ውግእ ጠንቂ ዝተወሰዱ ምስሕሓባት ናይ ሓደ ሰብ ደም እውን ከይፈሰሰ ከከም ባህሪኦም ብሕግን ብልዝብን ክፍትሑ ዝኽእሉ ምንባሮም እዩ።

ሃገርና ኤርትራ  ንዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ካብ ዘቑማ ሃገራት ሓንቲ ብምዃና ኣብዚ ዞባ ብዝፍጠር ኣወንታ ኮነ ኣሉታ ክትጽሎ ናይ ግድን እዩ። ንህልኽን ቅርሕንትን ከም ፖሊሲ ዝምድና ወሲዱ፡ ልዕሊ ህዝብን ሃገርን ኣብ ስልጣን ምቕጻሉ ዘገድሶ ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣብዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ኢድ ምእታዉ  ኤርትራ ተጸላዊት ዘይኮነትስ ኣብ ማእከልቲ መጋርያ ዘላ እያ። ኣብዚ ሎሚ ዝሕቆን ጽባሕ ጻዕዩ መወዳእታኡ ግና ኣይፍለጥን ዝበልናዮ፡ ኤርትራ ኣብ ቀራና መንገዲ እያ ዘላ።

ኤርትራን ህዝባን ኩሉ ዓቕሞም ጸንቂቖም ን30 ዓመታት ምእንቲ ናጽነት ተቓሊሶም ተዓዊቶም። እዚ ኩሉ ምእማኑ ዘጸግም ዋጋ ከፊሎም፡ ድሕሪ ናጽነት ዝሓልፍዎ ዘለዉ ሃለዋት ግና “ሕማቕ” ኢልካዮ ጥራይ ዘይሕለፍ ብዙሕ ናይ ሕሰም ዝርዝር ዘለዎ እዩ። ነቲ ሕሰም ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚ ዘርዚርናዮ ስለ ዝኾና ከኣ ኣብዚ ኣይክንደግሞን ኢና። ኤርትራ ህዝበን ንናጽነት ተቓሊሶም “ፍረ ናጽነት ናይ ዘየስተማቐሩ” ሃገራት ኣብነት ኮይና ክትጥቀስ እንከላ ከኣ በቲ ሓደ ወገን ዝያዳ ዘሕዝን በቲ ካልእ ወገን ከኣ ዘሕርን እዩ። እንተኾነ ከምቲ ስነ ጥበባዊ ነፍሰሔር ኣብረሃም ኣፈወርቂ፡ “ነቲ ሕማቕ ዝሓመቐ ኣለዎ” ዝበሎ፡ ካብዚ ዘላቶ ናብ ዝሓመቐ ናይ ምንቋታ ዕድላ ዕጽዊ  ዘይምዃኑ ካልእ ኣሻቓሊ እዩ። እቲ ከይመጽእ እንሰግኦ ዝሓመቐ ከኣ እቲ በብኹርናዑ ብዝተፈላለዩ ወገናት ዝሰሓል  ዘሎ ንልኡላውነታ ዘስተናቕን ንሓርበኛዊ መስዋእቲ ደቃ  ዘራኽስን ሴፋት እዩ።

ሃገርና ካብዚ ኣብዚ ዞባና ዝጋማዳሕ ዘሎ ሓደገኛ ማዕበል፡ እቲ ካልእ መመላእታ ኮይኑ፡  ብኣና ብደቃ እያ ክትድሕን እትኽእል። ንሕና ደቃ ነዚ ብደረጃ ሓሳብ ቅሩባት ምህላውና  ርዱእ እዩ። ቅሩብነትና ግብራዊ ንምግባሩ ግና ኣብ ቅድሜና ዘሎ ወሳኒ ሓላፍነት እዩ። እንተ ህግደፍ ብምስ ኤርትራ ደኣ ይምሕል እምበር፡ ንዓኣ ኣትሒዙ ቀንዲ ኣጓድ ሓዊ ስለ ዝኾነ ከድሕና እዩ ኢልካ ዘይሕሰብ እዩ።

ናይ ዓለምና ሓያላት መንግስታት ኣብ ከምዚ ኣብ ዞባና ዝርአ ዘሎ ኣሻቓሊ ዕልቕልቕ፡ ግደ የብሎምንኳ እንተዘይበልና፡ ቀንዲ ሸቶኦም ግና  ናቶም ረብሓ ምዕቃብን ኣብቲ ውድድር ጐብለል ኮይንካ ምውጻእን እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ቱርክን ምቅልቓል ናብ ጉዳይ ኢትዮጵያኳ ካብዚ ወጻኢ ዝረአ ኣይኮነን። በዚ ንዕዘቦ ዘለናን ዝያዳ ክሰፍሕ ዝኽእልን ኣሰላልፋ ከኣ ኣብ ኢትዮጵያ ዝዘንብ ዝናብ ኮነ በረድ ንኤርትራውን ዝጓስያ ኣይኮነን።

ኤርትራውያን በዚ ኣብ ቅድሜና ተገቲሩ ዘሎ ዞባዊ መልክዕ ዝሓዘ ህውክት፤ ዕማምና ድርብ ኮይኑ ኣሎ። እቲ ንብዙሕ ዓመታት ዋጋ ክንከፍለሉ ዝጸናሕና ዲሞክራስያዊ ለውጢ ምርግጋጽን ልኡላውነት ኤርትራ ህያው ኮይኑ ከም ዝቕጽል ምኽኣልን። እዚ ዕማምዚ ኣይኮነንዶ ብሓባር ምስራሕ ከይከኣልና፡ ሓቢርና ክንብደሆ እውን ቀሊል ኣይኮነን። ከምዚ ዘለናዮ ተበታቲና ከዕውቶ ምሕላን እሞ ኸኣ ዘይሕሰብ እዩ። ስለዚ ኩሎም “ንሃገርና ከነድሕናን ናብቲ ዋናኣ ህዝባ ከነሰጋግራን ኢና” ዝብሉ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ሰልፍታት፡ ማሕበራት፡ ምንቅስቓሳት፡ ህዝባዊ ምልዓላት፡ ክኢላታትን ማዕከናት ዜናን፡ ብሓባር ምስላፍ ግዜ ዘይህብ መተካእታ ዘየብሉ ጠለብ ምዃኑ ተረዲእና ናብ ተግባር ክንኣትው ኣብ እንግደደሉ ግዜ ኢና ዘለና። እቲ ብሓባር ምስላፍ፡ ፍልልይ ምስ ዘየብልካ ምሉእ ብምሉእ ብምትሕንፋጽ፡ ብልፍንትን ሰፊሕ ጽላልን ዝትግበር እምበር፡ ኣብ ሓደ ኣገባብ እንተዘይተረዳዲእካ ተመሊስካ ከምዘይትራኸብ ጠንጢንካዮ እትረሓሓቐሉ ኣይኮነን። ካብዚ ወጻኢኣብ ዞባና ተዓዘብቲ ዘይኮነስ፡ ተዋሳእቲ እንኾነሉ መንገዲ የብልናን።

Last modified on Saturday, 21 August 2021 20:34