ቃልስናን ኩነታት ከባቢናን

2021-02-07 10:50:58 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 1840 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

መሰረትን መንቀልን ቃልስና እቲ ኣብ ሃገርና ዘሎ በብግዜኡ መልክዑ እንዳቀያየረ ዝኽሰት ማሕበረ-ቁጠባውን ፖለቲካውን ክውንነት እዩ። ኣብ ሃገርና ብሰንኪ መላኺ ኣመራርሓ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ዝሓለፈ 30 ዓመታት ዝተራእየ  ወጽዓ ቀጻሊ ስለ ዘሎ ቃልሲና ነቲ ወጻዒ ስዒርካ  ብራህዋ ንምትካእ እዩ። ነቲ ንቃለሰሉ ዘለና ዓላማ  ኣብ ሸቶኡ ንምብጻሕ ከኣ እቲ ወሳኒ እቲ ኣብ ኢድና ዘሎ ኤርትራዊ ዓቕምን ሓላፍነትን እዩ። እዚ ከበሃል እንከሎ ግና ኩነታት ሃገርና ብከባብያዊ ምዕባለ ኣይጽሎን ናይ ከባቢና ዓቕምን ጽልዋን ከኣ ኣብ ርእስቲ ናትና ግደ የብሉን ማለት ኣይኮነን።

ኣብዚ እዋን’ዚ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ርእሲቲ  ከቢድ መገላበጢ ዘየብሉ  ወጽዓ ህግዲፍ፡ ብሰንኪ እቲ ጉጅለ ኣብ ኮረና ቫይረስ ዘለዎ ግጉይ ኣተሓሕዛ’ውን ንከቢድ ሽግር ተቓሊዑ ኢዩ። ኮረናቫይረስ ዘስዓቦ እሞ እቲ ጉጅለ ብዘይሓላፍነታዊ ኣተሓሕዛ ዘጋደዶ ዕጽዋን ሳዕቤናቱን፡ ምስቲ ህግዲፍ ዝዋሰኣሉ ዘሎ ዘይምርግጋእ ተወሲኽዎ ኣብ ከባቢና ዘሎ ኩለ-መዳያዊ ወጥሪ ንጉዳይ ህዝብና ክሳብ ክንደይ ኣብ ኣዝዩ ዝሓመቐ ደረጃ በጺሑ ከም ዘሎ ንዕዘቦ ዘለና እዩ። ነዚ ንህዝብና ዘንጸላልዎ ዘሎ ዓቕሊ ዘጽብብ ቅልውላው ንምብዳህ እምበኣር ቃልስና ካብቲ ዝጸንሖ ክዛይድ ከም ዝግበኦ ክንዝንግዕ ኣይግበኣናን። ነዚ ክንበቅዕ ከኣ ዝተበተነ ዓቕምናን ዘይተጠርነፈ ኣተሓሳስባናን ከነከኣእል ክንበቅዕ ምርጫ ዘይኮነስ ግደታ ምዃኑ ክንቅበል ናይ ግድን እዩ።

እቲ ካብ ቅድሙ እውን ዘየቅስን ብድኽነት፡ ብሕማምን ካልእ ማሕበራዊ ጸገማት ዝተሃስየ ሃገርና እትርከበሉ ከባቢ ቀይሕ ባሕርን ምብራቕ ኣፍሪቃን እነሆ ሎሚ ከኣ ብበብዓይነቱ ፖለቲካዊ ምስሕሓብን ጐንጽታትን ይሕቆን ኣሎ። ኣብ መንጎ፡ ኬንያን ሶማልያን፡ ኢትዮጵያን ኬንያን፡ ኢትዮጵያ ሱዳን ግብጺ፡ ኢትዮጵያን ሱዳንን ዘሎ ኩነታት ወጥሪ ዘመልክት እዩ። ብዘይካዚ ዳርጋ ኩለን ክበሃል ብዝከኣል ሃገራት ከባቢና ኣብ ወውሽጠን ብዓሌት፡ ብሃይማኖትን ካልእ ድሑር ዝንባለታትን ብዝተላዕሉ ወጥርታት ዝሕቆና ዘለዋ እየን። ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ መተከል፡ ደቡብ ጉራፈርዳ፡ ኣብ ዓፋርን ዒሳን መመሊሱ ዝግንፍል ዘሎ ጐንጽታት ናይዚ ኣብነት እዩ።  ብዓብይኡ ከኣ እቲ ብሓደ ወገን ኢትዮጵያ፡ ኤርትራን ሶማልን ብኣንጻሩ ከኣ ትግራይ ዝተሰለፍሉ ደማዊ ውግእ ካብ ዝጅምር ሰለስተ ኣዋርሕ ኣሕሊፉ ይቕጽል ከኣ ኣሎ። ክሳብ ሕጂ ሰፍ ዘይብል ጉድኣት ኣስዒቡ ክነሱ፡  ሕጂ እውን ኣንፈቱ ኣየነጸረን። ኣብዚ ውግእዚ ናይ ዝሞቱ ወተሃደራት ኤርትራን ዝዓነወ ንብረት፡ ኣብ ልዕሊ ኣብ ትግራይ ዝነበሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝሰዓበ በደልን ክንጽብጽብ እንከለና እቲ ኩነታት  ታራ ናይ ጐረቤት ጉዳይ እዩ ኢልና እንሓልፎ ኣይኮነን። እቲ ብዝተፈላለዩ ወገናት ኣብ ማእከል ኣቲኻ እቲ ጉዳይ ካብ ዓውዲ ውግእ ናብ ክቢ ጠረጴዛ ክመጽእ ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ እንተዘይተዓዊቱ ከኣ  እቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝወርድ ጥፍኣት  መሊሱ ከም ዝኸፍእ ምግማቱ ዘጸግም ኣይኮነን።

እዚ ውግእዚ ንዓና ኣብ ጥቓኡ ዘለና ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ከም ኢጋድ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ዓረብ ሊግ፡ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራትን ኣብ ዓበይቲ ጸለውቲ ሃገራት እውን እዋናዊ ኣጀንዳ ኮይኑ ዘሎ እዩ። ብዙሓት ዓለምለኻዊ ሰብኣዊ ትካላትን ለገስትን እውን  ብሰንክቲ ውግእ ኣብ ትግራይ ዝወርድ ዘሎ፡ ስእነት መግቢ፡ መድሃኒት፡ ማይን መራኸብታትን ወሲኽካ ዘጋጥም ዘሎ ማሕበራዊ ቅልውላውን ቅትለትን ኣሻቒልወን መፍትሒ ክረኽባ ላዕልን ታሕትን ይብላ ኣለዋ። ካብዚ ሓሊፉ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ናይዘን ኣብዚ ውግእ ዝሳተፋ ዘለዋ ሃገራት እውን ፖለቲካዊ ቅልውላው ይንህር ኣሎ። ኣብ መንጐ ኢትዮጵያውን ምሁራት ብሰንኪ ናይ ኤርትራ ኢድ ኣእታውነት ኣብ ውግእ ትግራይ ዝፍጠር ዘሎ ምስሕሓብን ኣብ ሶማል ሞቃድሾ ብሰንኪ ደቆም ብሕቡእ ኣብ ውግእ ትግራይ ምስታፎም ተላዒሉ ዘሎ ናዕብን ከም ኣብነት ዝጥቀስ እዩ። ህዝብን ሰራዊት ኤርትራ እውን ”ስለምንታይ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ንኣቱ ኣለና?” ክብሉ ትጽቢት ናይ ብዙሓት ነይሩ። እንተኾነ ነዚ ዝምጥን ዝስማዕ ድምጺ ክሳብ ሕጂ የለን። እዚ ዝተፈላለየ  ምኽያታት ዝወሃቦ ዘሎ ስቕታ ዘመሓላልፎ መልእኽቲ ከኣ ረዚን እዩ። በቲ ይኹን በዚ ግና ህዝብና ደምጹ ዘየስመዐ ንተግባር ጉጅለ ህግደፍ ስለ ዝደገፎ ከምዘይኮነ ርዱእ እዩ።

እዚ ውግእ ኣይኮነንዶ ኣብዚ ርግኣት ዘይተዓደለ  ከባቢና ኣብ ርሑቕ እውን ክሳብ ሕጂ ዘይጸንሐ ናይ ሓይልታት ኣሰላልፋ ከስዕብ ይኽእል’ዩ ዝብል ናይ ብዙሓት ግምት ኣሎ። ንኣብነት ናይ ብዙሓት ሃገራት ወሽመጥ ምስቲ ኢትዮጵያ እትሃንጾ ዘላ ዓብይ ናይ ኣግእዞ ዲጋ እንዳተጐዛጐዛ በብግዜኡ ዝቀያየር መርገጻተን ናበይ ከም ዝወስደን ፍሉጥ ኣይኮነን። ስለዚ ኤርትራውያን እውን መጻኢና ብመንጽርዚ ናይ ከባብያዊ ምዕባለ እንታይ ከም ዝኸውን ብዓንተቦ ክንሓስበሉ ዘለና ዘይስገር ጉዳይ እዩ። ጉጅለ ህግደፍ እንተ ንጥፍኣቱ እንተ ንልምዓቱ ኣሰላልፍኡ ኣነጺሩ እዩ። እቲ ምርጫኡ ከምቲ ዝተጸበዮ ስለ ዘይኮነሉ የውጠጢ ከም ዘሎ ከኣ ንዕዘቦ ኣለና። እቲ  ወሲድዎ ዘሎ ምርጫ ናቱ ጸቢብ ህርፋን ዘርዊ እምበር ኣብ ኤርትራዊ ሓልዮት ዝተሰረተን ኣርሒቑ ዝርእን ከም ዘይኮነ ብሩህ እዩ። ስለዚ ሓይልታት ለውጢ ኤርትራ ከምቲ “ምርጫ ህግደፍ ምርጫ ህዝብና ኣይኮነን” ኢልና ዝሓሸ ከነምጽእ ንቃለሶ ዘለና፡ ኣብዚ ክፍጠር ዝኽእል ኣሰላልፋ እውን ሃገርና ንምድሓንን ረብሓ ህዝባ ንምዕቃብን እንታይ ክንገብር ከም ዝግበኣና ክንሓስብ ንጽባሕ ዝበሃል ኣይኮነን። ኣብዚ ዘለናሉ ናይ ወጥርን ሻቕሎትን መድረኽ ካብቲ ናይ ክሳብ ሕጂ ዝያዳ ክንሓስብ፡ ክንጭነቕን ክንቀራረብን ናይ ግድን እዩ። እንተ ዘይሓቢርና ግና ኣይኮነንዶ ነቲ ክመጽእ ዝኽእል ዝኸበደ መድረኽ ነቲ ክሳብ ሕጂ ዘሎ ኩነታት እውን ኣይክንበቕዖን ኢና።

Last modified on Sunday, 07 February 2021 11:56