መልእኽቱ ናብ ኣደታት ኤርትራ እንታይ’ዩ?

2021-01-25 18:00:27 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 1831 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ናብቲ ህዝቢ ኤርትራ ዘካየዶን ዘካይዶ ዘሎን ቃልሲ ኮነ ናብ ካልእ ውሳነ ዘድልዮ ዋኒን ክትነቅል እንከለኻ እቲ ቀንዲ መበገሲ ምኽንያት እቲ ኣብ ኢድካ ዘሎ ሓቂ እዩ። ግን ድማ ከምቲ “መለበምን ኣይግበርካ፡ መለበምንከ ኣይኽላእካ” ዝበሃል፡ ነቲ ኣብ ኢድካ ዘሎ ዓቕምን ምኽንያትን ዘህብትም ሓጋዚ ተመኩሮ ምድህሳስ እውን የድልየካ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ምእንቲ ናጽነቱ ናብ ቃልሲ ክወፍር ክውስን ዘገደዶ እቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝወርድ ዝነበረ ግዳማዊ መግዛእታዊ ወጽዓ እዩ። ቃልሱ ከሕይል ከኣ ኣብቲ ግዜቲ ዝካየድ ዝነበረ ናይ ርሑቕን ቀረባን  ሃገራዊ ሓርነታዊ ምንቅስቓሳት ከም መወከሲ ሓጊዝዎ እዩ።

ናይዚ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ነካይዶ ዘለና ቃልሲ ቀንዲ ምኽንያትን መንቀሊኡን እቲ ብጉጅለ ህግዲፍ ኣብ ልዕሊ ህዝብናን ሃገርናን ዝወርድ ዘሎ ወጽዓን ጥልመትን እዩ። ኣብዚ ሕገመንግስታዊት፡ ብዙሕነታዊትን ዲሞክራስያዊትን ኤርትራ ኣብ ድልዱል ባይታ ንምምስራታ ነካይዶ ዘለና ቃልሲ መንቀሊ ምኽንያቱን መዕወቲ ዓቕሙን ናትና እዩ። በዚ ነካይዶ ዘለና ናይ ቃልሲ መስርሕ ሓሊፎም ናይ ዝተዓወቱ ወገናት ተመኩሮ ምቕሳም እውን ኣገዳሲ እዩ። ናይዚ ነካይዶ ዘለና ቃልሲ ቀንዲ ናይ ዓወት ሞተር ከኣ ህዝቢ ኤርትራ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ናብቲ ዝጽበዮ ዘሎ ዘይተርፍ ዓወት ንክበጽሕ ናትና ብዝመስል  ናይ ካለኦት ህዝብታት ተመኩሮታት ክተባባዕ፡ ድፍረት ከሕድርን ኣብ ልዕሊ ወጻዕቱ ዘይምሕር ኢዱ ክስንዝርን ኣገዳስነቱ ዕዙዝ እዩ። ካላኦት ህዝብታት ዝኸድዎ መንግዲ ዓወት ምድህሳስ ከኣ ኣገዳሲ እዩ። ኣብ መስርሕ ቃልሲ ህዝባዊ ሓያልነትን ወሳንነትን መተካእታ የብሉን። በዚ ህዝባዊ ሓያልነት ዝተመዝገቡ ዓወታት ከኣ ኣብ ብዙሕ ኩርነዓት ንረክብ። ካብቶም ብብዙሕ መልክዓቶምን ቅርበቶምን ምስ ኤርትራዊ ኩነታትና ዝመሳሰሉኳ፡ ናይ ህዝብታት፡ ቱኒዝያ፡ ግብጽን ሱዳንን ከም ናይ ቀረባ ግዜ ተመኩሮ ምውሳድ ይከኣል።

ካብዞም ዝጠቐስናዮም ህዝባዊ ሓያልነት ለውጢ ጐሊሑ ዝተራእየሎም ተመኩሮታት ህዝቢ ኤርትራ ክመሃር ይግባእ።  ብሓፈሻ መንእሰይ ኤርትራ ብፍላይ ከኣ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ኣብ መንጐ ህዝብን  ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህግደፍን ወጽዓ ሳዕሪሩ ናብ ለውጢ ዝእምት ወጥሪ ክፍጠር እንከሎ፡ ኣብ ጐኒ ህዝብኻ ምስላፍ ክሳብ ክንደይ ክብርን መጐስን ዘጐናጽፍ ታሪኻዊ ሓላፍነት ምዃኑ ክምኮር ይግበኦ። ፖለቲካዊ ሰልፍታትናን ውድባትናን፡ ከምኡ እውን ህዝባዊ ምልዕዓላትን ማሕበራትን ነቲ ዝፍጠር ለውጢ ብህዱእ ኣገባብ ብኸመይ ናብ ረብሓ ህዝቢ ምውዓል ከም ዝከኣል ዝመሃረኦ ኣለወን። ኣብ ወጻኢ ዝነብር ኤርትራዊ ቅድም ኣብ ቃልሲ ኣንጻር ወጽዓ፡ ደሓር ከኣ ነቲ ብናይ ሓባር ቃልሲ ዝመጽእ ዓወት ድሕሪት ከምዘይምለስ ኣብ ምግባሩ ግደኡ ክፈልጥን ከበርክትን ካብ ተመኩሮ ናይዘን ዝጠቐስናየን ሃገራት ክመሃር ይግበኦ።

ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ ኤርትራ ወተሃደራዊ ታዕሊም ክከታተሉ ዝጸንሑ መንእሰያት ሶማል መቃድሾ ኣብቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ከም ዝተሳተፉን ከቢድ ማህሰይቲ ከም ዘጋጠሞምን ብዝተፈላለዩ ማዕከናት ዜና ክዝረበሉን ክጸሓፈሉን ቀንዩ። ካብ ባህሪ ህግዲፍ እንተነቒልና ኣይግበሮንኳ ዘይበሃል እንተኾነ፡ ክጻረ ዝግበኦ ምዃኑ ግና ውሁብ እዩ። እቲ ቀንዲ ቁምነገር፡ ነዚ ዘሰንብድ ወረ ብሶማላውያን ዝወሃቦ ዘሎ ግብረ-መልሲ እዩ። ዝተፈላለዩ ሕብረተ-ሰብ ሶማል መንግስቶም ብዛዕባዚ ጉዳይ መብርሂ ንክህብ ብጐረርኡ ሓኒቖም ሒዘምዎ ኣለዉ። ብዓብይኡ ከኣ ኣዴታት ሶማል ኣብ መቃድሾን ካለኦት ከተማታት እታ ሃገርን “ደቅና ሰልጢኖም ሃገሮም ክሕልዉ እምበር ምስ ወተሃደራት ኤርትራ ኮይኖም ኣብዘይጉዳዮም ኣብ ውግእ ትግራይ ኣትዮም ንክሃልቁ ኣይኮናን መሪቕና ኣፋኒናዮም” ብዝብል ብዘይስግኣት ይሓታ ኣለዋ። ከምዚ ምግባረን ህይወት ናይቶም ኣብ ትግራይ ሃሊቖም ዝበሃሉ ዘለዉ ደቀንኳ እንተዘይመለሰ ብውሕዱ እቲ መንግስቲ ንብድሪሕጂ ከምዚ ዓይነት ህዝቢ ዘስተናዕቕ ውዲታዊ ስጉምቲ ከይወስድ ዘጠንቅቕን ዝተረፉ ደቀን ናብ ዓዶም ክምለሱ ጸቕጢ ዝፈጥርን   እዩ።

ኤርትራውያን መንእሰያት ቅድሚ ሕጂ፡ ብዘይካ ንናይ ኢሳያስ ዝናን ሕነ ናይ ምፍዳይ ህርፋን ምርዋይን ንኤርትራን ህዝባን ኣብ ዘይምልከቶምን ዘየርበሖምን ናይ ግዳም ውግኣት ክጥበሱ ጸኒሖም እዮም። ሎሚ ድማ እነሆ ኣሉ ብዘይበሃለሉ ሓቂ፡ ኣብ ጐኒ ሰራዊት ኢትዮጵያ ተሰሊፎም ኣብ ትግራይ ይካየድ ኣብ ዘሎ ውግእ  ኣትዮም ይዋግኡን የዋግኡን ኣለዉ። ኣብዚ ሃገርናን ህዝብናን ዘይርብሕሉ ጥራይ ዘይኮነ ዘይወጽእ ጽልእን ቅርሕንትን ዘስዕብ ውግእ ይሳተፍ ምህላዉ  ብኹሉ መለክዕታት ገበን’ዩ ኢልካ ዝሕለፍ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንመጻኢ ወለዶ’ውን ዕዳ  ሃገር ይውስኽ ምህላዉ ክፍለጥ ይግባእ።

ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ኣብዚ ውግእዚ ብምስታፉን ብዝስዕቦ ጉድኣትን ብዙሓት ኣደታት ክሓዝናን ብዙሓት ቆልዑት ክዝኽትሙን ምዃኖም ርዱእ እዩ። ድሮኳ ኣብ ትግራይ ኣብ ዝተኻየደ ውግእ ኣስማት እንዳጸራሕካ፡ ክንድዚ ተሰዊኦም፡ ተወጊኦምን ተማሪኾምን  ዝብል ወረ ኣብ ኤርትራዊ መድረኻት ልሙድ ኮይኑ ኣሎ። ስለዚ እተን ቅድም ደቀን ኣብ ሃገሮም  ህዝባዊ ሕድሮም ንምዕዋት ስለ ዝተሰውኡ፡ ሞቶም ሰሚዐን ክነሰን መሪር ሓዘነን ውሒጠን ጸጉሪ ርእሰን ደርሚመን ገጥ ዝበላ  ኤርትራውያን ኣደታት፡ ሕጂ ኣብ ትግራይ ኣብ ዘይጉዳዮም ኣትዮም ደቀን ክመቱ እንከለዉ ከምዘየጽቅጣ ርዱእ እዩ።  ኣብ ርእስቲ ከም ወለዲ ዝስመዐን ሓዘን፡ ቁጠዐ ኣደታት ሶማልያ እውን ተወሲኽዎ፡ ”ስለምንታይ ደቅና  ኣብዘይጉዳዮም ኣትዮም ንሳቶም ይሃልቁ፡ ስድራኦም ንሓዝንን ደቆም ይዝኽትሙን?” ዝብል ድምጸን ከስምዓ እዋኑ እዩ። እዚ ነዴታት ጥራይ ዝተርፍ ዘይኮነ፡ ሰራዊት ኤርትራ እውን መድሕን ህዝቡ ምዃኑ ተገንዚቡ “እምቢ ንውግእ ኣብ ዘይጉዳይካን ኢድ ኣእታውነትን” ክብል፣ መላእ ህዝቢ እውን ስግኣትን ዘይሓላፍነታዊ ዕጽዋን ጉጅለ ህግደፍን ሰይሩ፡ ንድሕነቱን ድሕነት ደቁን ክለዓል ይግበኦ።

Last modified on Monday, 25 January 2021 19:10