እንዳእመነ ዘይኮነስ፡ እንዳደናገረ

2020-09-05 07:57:43 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 2428 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

“ጉጅለ ህግዲፍ ምስዚ ኩሉ፡ ሕገ-መግስታዊ ምምሕዳር፡ ህዝባዊ ምርጫ፡ ምኽባር ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰል፡ ትካላላዊ ኣሰራርሓ፡ ልዕልና ሕጊ፡ ዝያዳ ኩሉ ከኣ ምዕቃብ ልኡላዊ ሃገር ዘይቕበልን ዘየኽብርን ክነሱ፡ ብምንታይ ተኣምርዩ ዳርጋ ን30 ዓመታት ኣብ መንግስታዊ ስልጣን ተኾዲጩ?” ዝብል ናይ ብዙሓት ሕቶ እዩ። እዚ ሕቶ ናይቶም ጉዳይ ኤርትራ ዘይዋኒኖም፡ ካብ ርሑቕ ዝዕዘብዎ ጥራይ ዘይኮነ፡ ናትና ናይቶም ሰብ ዋኒን እውን እዩ።

ንሕና እቶም ሰብ ጉዳይ ግና ሕቶ ጥራይ ዘይኮነ፡ ናይቲ ሕቶ መልሲ እውን ኣለና። መልስና “ዲክታተር ኢሳያስ ምስዚ ኩሉ ክፋኡ ንክንድዚ ዓመታት ዝኣክል ግዜ ኣብ ስልጣን ዝጸንሐን ዘሎን፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣገናዕ ሕራይ ገበርካ ስለ ዝበሎ እዩ” ዝብል ከምዘይኮነ፡ ኣተሃላልዋና ንገዛእ ርእሱ ህያው መስካሪ እዩ። ባህጊ ናጻነት ህዝቢ ኤርትራ ክሳብ ክንደይ ሰማይ ዝዓረገ ከም ዝነበረ’ውን፡ ኣይኮነንዶ ንዓና ንኤርትራውያን ንህዝቢ ዓለም እውን ብሩህ ነይሩን እዩን። ህዝቢ ኤርትራ ምብሃግ ናጽነት ጥራይ ዘይኮነ ንህያውነት ባህጉ ዝኸፈሎ፡ ብደረጃ ግዜ፡ ንዋት ኮነ ክቡር ህይወት ክምዘን እንከሎ መወዳድርቲ የብሉን። ካብ መግዛእቲ ተቓሊሱ ናጻ ዝወጸ እሞ ክንዲ ህዝቢ ኤርትራ ዋጋ ዝኸፈለን ዝተጸመመን ህዝቢ የለን። ነዊሕ ግዜ ወሲድካ ኣዝዩ ክቡር ዋጋ ከፊልካ ንዘውሓስካዮ ልኡላውነት ፍሉይ ክብሪ ክትህቦን ከም ብሌን ዓይንኻ ክትሕልዎን ከኣ ግድን እዩ።

ኣብ መሪሕ ቦታ ደረጃ ቃልሲ ኮይኑ፡ ክንዲ ናጽነት ዝኣክል ክብደት ዝወሃቦ ኣኽሊል ንዘድፍኣልካ ኣካል ፍሉይ ግምት ምሃብ ንቡር እዩ። ኣብ ባህልና እውን “ንዝገብረልካ ወይ ግበረሉ ወይ ንገረሉ” እዩ ዝበሃል። ህዝቢ ኤርትራ ንግደ ኢሳያስን ደቂ መዛምርቱን ኣብ ምምራሕ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ንዝነበሮም ቦታን ኣበርክቶን ዝሃቦ ክብደት ፍሉይ ምዃኑ ኣብ ብዙሕ መድረኻት ኣንጸባሪቕዎ እዩ። ነቲ ዝተረፈ ናይ ድሕሪ ናጽነት ቀጻሊ ኩለ-መዳያዊ ኤርትራዊ ረብሓን ቀጻልነትን ከውሕሱለይ እዮም ዝብል እምነት እውን ኣንቢርሉ ነይሩ። ህዝብና ምህናጽ ናይ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ቀሊል ከም ዘይነበረ ተረዲኡ፡ ክንድቲ ቃልሲ ንናጽነት ዝወሰዶ 30 ዓመታትኳ እንተዘይኮነ፡ ናይቲ ቀዳማይ ምዕራፍ ቃልሲ ቁስሊ ኣሕዊኻ፡ መሰል ህዝባ እተኽብር ኤርትራ ናብ ምህናጽ ምስግጋር ግዜን ትዕግስትን ከም ዘድሊ እውን ኣብ ሕልና ህዝቢ ኤርትራ ዝነበረ እዩ። ጉጅለ ህግዲፍ ከኣ ብድሕሪ መጋረጃ ዲክታተርያዊ ባይታኡ እንዳጣጠሐ፡ ናብ ህዝቢ ኤርትራ በብግዜኡ  ናይ “ግዜን ዕድልን ሃቡና፡ ዓዲ ኣብ ባዶ ካዝና ኢና ተረኪብናያ፡ ካብ መግዛእቲ ዝወረስናዮ ዓንቃፊ ባህሊ ኣይሓወየን” ዝብሉ  ዕባራ ምኽንያት እዩ ዝስንዕ ነይሩ።

እቲ ካልእ ዲክታቶር ኢሳያስ ህዝቢ ንምድንጋር ዝጥቀመሉ ዝነበረ፡ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ክደራረቡ ዘይግበኦም ጉዳያት ደዋዊስካ ናይ ምርዳእ ጸገም እዩ። በቲ ሓደ ወገን ሓደ ዘይጥዑይ ውድብን ህዝቢ ኤርትራን ምድውዋስ ተራእዩ። እቲ ኢሳያስ ቅድም ከም መሕብኢ ዝጥቀመሉ ዝነበረ፡ ሎሚ ግና ዝጠለሞ ጉጅለኡ እንተ ተተንኪፉ ኤርትራ ከም ሃገር ኣይክትህሉን እያ ዝብል ኣብ ልቢ ገለ ኤርትራውያን ቦታ ረኺቡ ነይሩ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ናጽነት ኤርትራ ብዝለዓለ ወሳኒ ተሳትፎ  ህዝብን ተወፋይነት ሰማእታቱን ዝተረጋገጸ ክነሱ፡ ንግደ  ዲክታተር ኢሳያስ ኣብዚ መስርሕ ልዕሊ ክኾኖ ዝግበኦ መጢጥካ ምቕራቡ ነቲ ዲክታተር ካብ ዘሻደንዎ ሓደ እዩ። እቲ ብግሩሃት “ወዲ ኣፎም ብሪየ ንሱ ኣንበሳ፡ ዓሻክሩ ነብሪየ” ዝተደረፈሉ ሎሚ ክትዝክሮ እንከለኻ ዘሕፍር እዋን’ውን ነይሩ’ዩ፡ ጥራሕ ኢልካ ዝሕለፍ ዘይኮነስ፡ ለካ ናብዚ ንምብጻሕ ዝጽረግ ዝነበረ ዘይተሓስበሉ ወፍሪ እዩ ነይሩ።

ህዝቢ ኤርትራ ኣብቲ ናይ መጀመርያ ዓመታት ድሕሪ ናጽነት፡ ኣብ ከምዚ ዝተጠቐሰ ናይ ትጽቢት ህሞት እንከሎ፡ እቲ ጉጅለ ደቂሱ ኣይሓደረን። ምናልባት ህዝቢ ኤርትራ ሓደ እዋን  እቲ ሓቂ ተረዲእዎ፡ “ናብ ናይ መሰል ምሕታት ኣተሓሳስባ ከይብርኽ”፡ ብዓንተብኡ መሕለውታ ውዲታት ካብ ምጽዋድ ዓዲ ኣይወዓለን። ሰባት ኣንጻሩ ኣፍ ኣውጺኦም ኣብ ምንቃፉ ከይበጽሑ፡ “ኣንጻረይ ይሓስቡ ከይህልዉ” እንዳበለ ይኣስር ምንባሩ ክሳብ ክንደይ ብንግሆኡ ካብ ህዝቢ ይፈርሕ ከም ዝነበረ ዘመልክት እዩ። ህዝቢ ኣብ ሕድሕዱ ከይተኣማምን እሞ ሓቢሩ ንከይለዓሎ ዝተፈላለዩ መልከዓት ዝነበሮ መርበባት ስለያ  ዘርጊሑ። ካብቲ እዋንቲ ጀሚሩ ኤርትራውያን “ሰብኣይን ሰበይትን ወይ ወላድን ውሉድን” ኣብ ዘይምትእምማን ደረጃ ምብጸሖም ተዓዚቡ “ኣቤት ሕማቕ ዘበን በጺሕና” ዝብል ዝነበረ ኤርትራዊ ብዙሕ እዩ። እዚ ኩነታትዚ ሎሚ እውን መልክዑ ደኣ ቀይሩ ይኸውን እምበር ብትሕዝቶኡስ ኣይተለወጠን። ምናልባት እውን ይገድድ ይህሉ።

እቲ ጉጅለ ሓሓሊፉ ካብ ተዓዘብቲ ንዝቐርበሉ ሕቶታት ዝህቦ ዝነበረ መልስታት፡ ዕዳጋ ወሪዱ ዓዳጋይ ምስ ሰኣነ፡ “ካብኡ ኣይትሕለፉ” ብዝብል ባህ ኣይበሎ፡ “ምርጫ ናይ ዲሞክራሲ መርኣያ ኣይኮነን፡ ዘጽደቕኩምዎ ሕገ መንግስቲ ኣገልግሎት ከይጀመረ ኣበርዒኑ እዩ፡ ብዘይሕገ-መንግስቲ ምምራሕ ኣባና ዝተጀምረ ኣይኮነን” ብኣኡ  ኣቢሉ ከኣ እነሆ መጀመርታኡ እምበር መዓርፎኡ ናብ ዘይፍለጥ መደናገሪ መንገዲ ይጐዓዝ።

ካብዚ ሓሊፉ እዚ ጉጅለ ኣቐድም ኣቢሉ፡ ኣታሃራሪፍካ ናይ ምድዕዓስ መንገዲ እውን ነይርዎ እዩ። ንሓንሳብ ኣብ ጥራይ ጐልጎል ንኤርትራ ከም ሲንጋፖር ክንገብራ ኢና ኢሉ ይሓልም። ንሓንሳብ ድማ ኣብ ዘይተጨበጠ ሓቂ ኤርትራ ካብኣተን ከም እትሕይል ኣምሲሉ ብምቕራብ፡ ምስተን ኣብ ኑክሌራዊ ደረጃ ዝበጸሓ ሃገራትን ዞባዊ ትካላትን ክጻረፍን ክወዳደርን ይውዕል ነይሩ። ኣብዚ ሓደ ዘገርም ዛንታ ክንጠቅስ።

ሓደ ኣብ ስርዓት ደርጊ ስልጣን ዝነበሮም ኤርትራዊ ድሕሪ ናጽነት ኣብ ጸጸራት ይእሰሩ። ሓደ ካብቶም ዝሕልዉዎም ዝነበሩ  ብናይ ኢሳያስ ሓሶት ዝሰኸረ እሞ እቶም ዝሕልዎም ዝነበረ  እሱር ምሁርን ፈላጥን ምዃኖም ዝተነግሮ፡ ”ኣቦይ እገለ ኣብዛ ዓለምናስ ከም ኤርትራ ዝኣመሰለ ሓያልን ሃብታምን ሃገርዶ ትህሉ?” ይብሎም። ወዮም ናይቲ ስኻር ጠንቂ ዝተረድኡ ኤርትራዊ እሱር ከኣ እቲ ሓላዊኦም ከሕጐስ እሞ ክተሓባበሮም ስለ ዝደለዩ፡ “እንድዒ ምናልባት ኣሜሪካ እምበር ንኤርትራ ትወዳደር ሃገር ዘላ ኣይመስለንን” ኢሎም መለስሉ። እቲ ወዲ ሓደ ድኻ ኤርትራዊ፡ ገርሂ ልቡ ወታደር ከኣ፡ እንዳተሓጐሰ ከደ  ዝብል ዘገርም ዛንታ ኣሎ። እዚ ኢሳያስ ከምቲ ዝተጸበዮ ደኣ ኣይኮነሉን እምበር ክሳብ ክንደይ ንህዝቢ ኤርትራ መጻወቲ ክገብሮ ይህቅን ከም ዝነበረ ዘርኢ እዩ። ሕጂ እውን ኣብ ናይ ምትእምማን ዘይኮነ፡ ኣብቲ ናይ ምድንጋርን ምትሕብባእን ቦታኡ ምህላዉ ከኣ “ኣመል ምስ መግነዝ” ዘብል’ዩ።

Last modified on Saturday, 05 September 2020 10:02