ባህግና ብቓልስና

2020-03-04 07:51:39 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 3286 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

“ህዝቢ ብኣድማዒ ኣገባብ ክቃለስ፡ ንውጽኢት ቃልሱ'ውን ካብ ኢዱ ከይወጽእ ክቆጻጸርን ድልዱል ውደባ ከምዘድልዮ እምነት ሰዲህኤ እዩ። ብቑዕ ውደባ ዝሰኣነ ህዝባዊ ናዕቢ ዕላምኡ ብጸረ ህዝቢ ሓይልታት ክጭወ ይኽእል ኢዩ። ነዚ ድማ ኢዩ ሰደህኤ ህዝቢ ይንቃሕ፡ ይወደብ፡ ይቃለሰ፣ ንመጻኢ ዕድሉ ድማ ኣብ ትሕቲ ፍጹም ቍጽጽሩ የእትዎ፣ ዝብል ዘይዕጸፍ እምነት ዘለዎ።” (ኣብ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ሰዲህኤ ካብ ዝሰፈረ ተልእኾ ሰልፊ ዝተወስደ)

ኤርትራውያን ሎሚ’ውን ኣብ ቃልሲ ኢና ዘለና። “ሎሚ እውን ኣብ ቃልሲ ኢና ዘለና” እንብል ነቲ ትማሊ ዘካየድናዮ ናይ 30 ዓመታት በሊሕ ቃልስን መስተንክራዊ ዓወትን ንዘይምዝንጋዕ እዩ። እዚ ናይ ሎሚ ቃልስና ናይቲ ናይ 30 ዓመታት ቃልሲ መቐጸልታ ምዕራፍ እምበር፡ ካብኡ ነጺልካ ዝረአ ከም ዘይኮነ ዝዝንጋዕ ኣይኮነን። ብዙሓት ናይዚ ሎሚ ነካይዶ ዘለና ረቂቕ ናይ ምውሓስ መሰረታዊ መሰል ቃልሲ ተዋሳእቲ እውን ኣብቲ ቀዳማይ ምዕራፍ ዝነበሩ ምሉእ ህይወቶም ንቃልሲ ዘውፈዩ ሰብ ኒሕን ሕድርን ሓርበኛታት እዮም።

ኣብቲ ናይ ናጽነት ቃልስና ኤርትራውያን በሃግቲ ናጽነት ኔርና። ባህግና ካልእ ኣካል ከግህደልና ከይተጸበና ከኣ፡ ከከም ዓቕምናን ኩነታት ዘፍቀደልናን ጸኒዕና ተቓሊስና። ሳላ ኢደይ ኢድካ ዝበልና ከኣ ቃልስና ብናጽነትን ልኡላውነትን ኤርትራ ሃገርና ተጸንቢሉ። ስለዚ ኢና ከኣ “ናጽነት ኤርትራ ናይ ኩልና ብኹልና እምበር፡ ከምዚ ኣብ ግዜ ህግዲፍ ዝረአ ዘሎ፡ “ናጽነት ኣምጻእን ናጽነት ተተኳብን” እንበሃሃለሉ ኣይኮነ ኢልና እንኣምን። እዚ ክበሃል እንከሎ ግና፡ ነቲ ከም እታ በላሕ ጫፍ ኲናት ዝምሰል፡ ግደ መሪሕ ውድባት ኤርትራ ብምንእኣስ ኣይኮነን። እታ በላሕ ክፋል ኲናት፡ እቲ ዝተረፈ ኣካላት ናይታ ኲናት ብሓባር እንተዘይደፊኡ ወጊኣ ከምዘይተድሚ፡ ውህደት መሪሕ ውድባትን ህዝብን ቅድም ኮነ ሎሚ ወሳኒ ምዃኑ ክዝንጋዕ ዝግበኦ ኣይኮነን።

ነዚ ሎሚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ዓለም ዝመስከረሉ ወጽዓ፡ ግፍዕን ግህሰትን ዝፍጽም ዘሎ ጉጅለ ኢሳያስ ንምውጋድን፡ ብራህዋ፡ ፍትሒ፡ ምዕሩይን ትካላውን ምምሕዳርን ንምትካእን ነካይዶ ዘለና ፍትሓዊ ቃልሲ ባህሪ፡ ካብቲ ብረታዊ ቃልስና ዝተኻየደሉ ግዜ ኣብ ዝተፈለየ ዓለማዊ ኩነታትን ምዕባለን፡ ዝተፈልየ ፖለቲካዊ ኣሰላልፋን ዝካየድ ዘሎ ምዃኑ እንተዘይኮይኑ፡ ክልቲኡ ማእከሉ ህዝቢ ስለ ዝኾነ መሰረታዊ ምርሕሓቕ የብሉን። ከምቲ ኤርትራውያን በሃግቲ ናጽነት ባህግና ንምግሃድ ኩልና ነናትና ጸጸር ዝደርበና እሞ ዝተዓወትና፡ ሎሚ እውን ኩልና ኢና ነዚ ዘለናዮ መዋእል ብዝምጥን ኣገባብ ኣንጻር ህግዲፍ ክንስለፍ ዝግበኣና።

ኣብ ቃልሲ ግደ ውድባት ክሳብ ክንደይ ምዃኑ ጠቒስና ኣለና። እተን ውድባት ብበሃጊት ሓርነት ዝተነድቃ እምበር ኣብቲ ሓርነት ባህጊ ብዘይብሎምን ንናይ ካለኦት ባህጊ ጥራይ ብዝቃለሱን ዝቆማ ኣይኮናን። እዚ ማለት ብዙሓት ንነናይ ገዛእ ርእሶም ሓርነት ዘካይድዎ ቃልሲ፡ ብሓባር ክውደብ እንከሎ እዩ ህዝባዊ ናይ መሰልን ሓርነትን ቃልሲ ማዕበል ዝኸውን። ኣብዚ ዝኾነ ወገን፡ ወይ ንገዛእ ርእሱ ከም ንናይ ካለኦት መሰል ፍሉይ ተሓላቒ ወይ ድማ ከም መሰሉ ዝረጋገጽ ብናቱ ኣበርክቶ ዘይኮነ፡ ብናይ ካለኦት ቃልሲ ገይሩ ዝሓስብ እንተልዩ፡ ክልቲኦም ወገናት ግጉያት እዮም። ምኽንያቱ ኩልና ናይቲ ብሰንኪ ጉጅለ ህግደፍ ዝወርድና ዘሎ በደል ግዳያት ኢና። በቲ ካልእ ወገን ካብዚ ናይ ጸልማት እዋን እንወጽእ፡ ብናይ ኩልና ቃልሲ ምዃኑ ኣነጺርና ክንርዳእ ናይ ግድን እዩ። እዚ ኣብ ዘይተነጸረሉ፡ ቃልስና ኣድማዒ፡ ውዱብን ኣሳታፍን ክኸውን ኣይክእልን እዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ተወዲብካ ምቅላስ፡ ነቲ መሪሕ ኣካል ዝመርጾ መንገዲ፡ ክሳብ ክንደይ “መንገዲ ደሓን መጻኢ” ምዃኑ ግቡእ ምክትታል ዘይምግባር ናብ ሕማቕ መደምደምታ ከም ዝወስድ ኣብ ተመኩሮ ህግዲፍ ኣርእይዎ እዩ። ደጊም “ኣነ እየ እዚ ለውጢ ኣምጺአልካ እሞ ብምርጫኻ ዘይኮነ፡ ብምርጫይ ክመርሓካ እየ” ዝብል ካልእ ኣካል ከይመጾን ወናኒ ናይቲ ተጠኒሱ ሎሚዶ ጽባሕ ይሕረስ ዝበሃል ዘሎ ለውጢ ክኸውንን፡ ብንቕሓት ኣብዚ መስርሕ ቃልሲ ክሳተፍን ከበርክትን ይግበኦ።

እዚ ንህዝቢ ጥራይ ዝምልከት ዘይኮነ፡ ኣብ ሰልፍታት፡ ውድባት፡ ማሕበራትን ካለኦት ናይ ለውጢ መድረኻትን ተሰሊፍና ንዘለና ኤርትራውያን እውን ዝምልከት እዩ። ውዱብ ምዃን ኣብ መስርሕ ቃልሲ ነቲ መንገዲ ምሓዝ እዩ። እቲ ዝኸበደ ሓላፍነት ከኣ በዚ ዝመርጽካዮ ጉደና ቃልሲ፡ ኩሉ ካባኻ ዝድለ ግቡእን መሰልን እናተግበርካ፡ ቅድሚ ብዛዕባ ካለኦት ብዛዕባኻ እናተዛረብካን እጃምካ እንዳበርከትካን ክትጐዓዝ ምብቃዕ እዩ። ኩልና ከም እንፈልጦ ናይ ሓደ ሃገር ህዝብን መንግስትን እንታይ ክገብሩ ይግበኦም፡ እንታይከ ክገብሩ ኣይግበኦምን ዝዳኒ ናይ ውዕል ሰነድ ኣለዎም። ንሱ እቲ ኣብ ሃገርና በዂሩስ ንክህልው ንቃለሰሉ ዘለና ሕገ-መንግስቲ እዩ። ኣብ ከምዚ ንሕና ተወዲብና ኣንጻር ጉጅለ ህግዲፍ ንቃለሰሉ ዘለና መስርሕ እውን፡ እቲ ዓብይ ዕላማ ዘመልክት ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ኮይኑ፡ ናይ መሪሕነትን መሪሕነት፡ ህዝብን መሰላትን ሓላፍነታትን ዘነጽር ሰነዳዊ ውዕል ኣለና። ነዚ ተማእዚዝካ ብትካላዊ መንገዲ ግቡእካ ብምፍጻም ካብ ናይ ካለኦት ተጸባይ ምዃን ናጻ ምውጻእ ከኣ መባእታዊ ሓላፍነት እዩ።

ኤርትራዊ መንእሰይ ከም ዝኾነ ውዑይ ናይ ምስግጋር ሓላፍነት ዘለዎ ክፍሊ ሕብረተ-ሰብ፡ ኣብ ቅድሚኡ ከቢድ ሓላፍነት ኣለዎ። እዚ ክፍሊ ሕረተ-ሰብዚ ከም ምርጫኡ፡ ኣብቲ ኣብ መስርሕ ቃልሲ ዘሎ ውዱብ ኣካላት ተሳቲፉ ናይ ምብርባር፡ ምስግጋርን ግደኡ ክፍጽም ሓደ ምርጫ እዩ። ወይ ድማ እቲ ኣብ መስርሕ ዘሎ ውዱብ ኣካላት ዝሓዞ ኣቕጣጫ እንተዘይተሰማሚዕዎ፡ ናቱ ውደባት ክፈጥርን ኣተሓሳስባኡ ከሰጉምን ኣብ ኢዱ ዘሎ እምበር ካልእ ዝተኹበሉ ኣይኮነን። እቲ ዝምረጽ ኣገባብ ግና ካብ ዘዝመጸ ሓድሽ ትውልዲ ጀማሪ ዝኸውን፡ ኣብቲ ዝኸይድ ዘሎ መስርሕ ቃልስን ምህናጽ ሃገርን እናተዋሳእካ ናትካ ኣበርክቶ ወሲኽካ ምምዕባሉ እዩ። ማለት ኣብቲ ተነቢሩ ዘሎ ናይ ለውጢ ቃልሲ መሰረት፡ ናትካ ሕጡብ ኣብ ርእሲ ሕጡብ እንዳቐመጥካ ምብራኹ እዩ ስልጡን ኣተሓሕዛ። ነዚ ኣቐሚጥካ ንውድባት እንዳነኣኣስካ፡ ናይ ርሑቕ ተዓዛቢ ወይ ነቓፊ ጥራይ ምዃን ግና ብሓጺሩ ሓጋዚ ኣይኮነን። ኣይኮነዶ መንእሰይ ካልእ ክፍሊ ሕብረተሰብ እውን ባህጉ ብኣበርክቶኡ ከግህድ እምበር፡ ምስምስ ብምፍጣር ካብ ቃልሲ ዓዲ ክውዕል ኣይግበኦን።

Last modified on Wednesday, 04 March 2020 09:00