ኣግኣዝያን ብመንጽር ሓድነት ኤርትራ

2019-09-10 07:55:29 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 3439 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ኣብዚ ነዊሕ ጉዕዞ ቃልስና፡ በብግዜኡ ዝቕልቀሉ መድረኻውያን ዛዕባታት ኣለዉ። ንሓንሳብ ብዛዕባ ግፍዕታት ወጻዒ ስርዓት ህግዲፍ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ንዛረብ፡ ንሓንሳብ ብዛዕባ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ኣብ ኤርትራ ንጽሕፍ፡ ንሓንሳብ ድማ ብዛዕባ ስደትን ሳዕቤናቱን ንምድር፡ ከም “ይኣክል” ዝኣመሰሉ ኣነቓነቕቲ ተርእዮታት መደርኽ መሓዞም ከኣ ነዚ ዘመልክት እዩ። ምንቅስቓስ “ኣግኣዝያን ኢና” ዝብሉ ወገናት ከኣ ሓደ ካብቶም ንሓንሳብ ክገሃዱ ንሓንሳብ ከኣ ክስወሩ ዝጸንሑ ዛዕባታት እዩ። ኣብቲ ዝጀመረሉ እዋን ብርክብ ህዝቢ ንህዝቢ ክኽወል ጀሚሩ ነይሩ። ሎሚ ግና ዳርጋ ዋናታቱ መን ምዃኖም ተነጺሮም ኣብ ሰፋሕቲ መድረኻት ክቃላሕ ጀሚሩ ኣሎ።

ምንቅስቓስ ኣግኣዝያን ናይቶም ኣብ ኤርትራን ትግራይን ዘለዉ ትግርኛ ዝዛረቡ ምትእኽኻብ ዝምነ ምዃኑ ዋናታቱ ክነግሩና ይፍትኑ ኣለዉ። ኣብቲ ምምስሳል ኣብ ልዕሊ እቲ ቋንቋ ትግርኛ፡ እምነት ሃይማኖት ተዋህዶ ምድራብ እውን ኣሎ። ምስቲ ኣብ 40ታት ኣብ ሃገርና ተፈቲኑ ዘይተዓወተ ፖለቲካዊ ርኢቶታት ከዛምድዎ እንከለዉ ከኣ “ከምቲ ናይ ቅድም ትግራይ ትግርኚ ማለት እዩ” ክብልዎ ንሰምዕ ኢና። ብዙሓት ከም ዝሰማምዕሉ እዚ እቲ ኤርትራ ከም ሃገር፡ ባህጊ ህዝባ ከተማልእ ዘይምኽኣላ ዘሕደሮ ተስፋ ምቑራጽ ዝተሃንደሰ ናይ ዓቕሊ ጽበት ምህዞ እዩ። ካለኦት እውን ናይቶም መንቀልቱ ናይ መንነት ቅልውላው ዝወለዶ እዩ ዝብልዎ ኣለዉ። እቲ ክኸውን ዝነበሮን ዝግበኦን ግና ዓቕሊ ኣጽቢብካ ዓዲ ዘየእቱ ኣቋራጭ መንገዲ ዝመስለካ ምምራጽ ዘይኮነ፡ ነታ ባህጊ ህዝባ ከተማልእ ዘይከኣለት ዘላ ኤርትራ ጸገማ ኣጽኒዕካ፡ ናብቲ ክሳብ ሎሚ ዘይበቐዓቶ ከም እትበቅዕ ንምኽኣል ስንኻ ነኺስካን ሓድነትካ ኣደልዲልካ ምቅላስ እዩ። ቅልውላው ዝወለዶ ምርጫ ግና ቅልውላው ዝውስኽ እምበር ካብ ቅልውላው ዘውጽእ ኣይኮነን።

ንኣግኣዝያን ብዝምልከት ክለዓል እንከሎ፡ ኣብ መንጎ ጐረባብቲ ኤርትራውያንን ተጋሩን ዘሎ፡ ናይ ቋንቋ፡ ባህሊ፡ መውስቦ፡ ወለዶ፡ እምነትን ንግድን ዝኣመሰሉን ዘሎ ምቅርራባት ዝከሓድ ኣይኮነን። ነዚ መሰረት ገይሮም ኣብ ኩሉ መዳያት ህይወቶም ክቀራረቡን ንክልቲኦም ኣብ ዘርብሕ ክተሓጋገዙን ከኣ ኣድላይን ዝድገፍን እዩ። ወዮ “ካብ እመት ስድሪ ኣላታ” ኮይኑ ብዛዕባ ምስ ህዝቢ ትግራይ ንዛረብ ኣለና እምበር፡ ኤርትራና ምስ ኢትዮጵያ፡ ሱዳንን ካለኦት ጐረባብትን ኣብ ናይ ሓባር ረብሓን ምክብባርን ዝተሰረተ ጽቡቕ ዝምድና  ክህልዋ ምስራሕ ካብ ቀዳምነታትና ሓደ እዩ። እንተኾነ ከምቲ “ከም ሓው ተፋቐር’ሞ ከም ጓና ከኣ ተሓሳሰብ” ዝበሃል፡ ኣብ ከበሳ ኤርትራን ትግራይን ዘሎ ህዝቢ ዘለዎ ምምስሳል ከም ዘለዎ ኮይኑ፡ ነናቱ ልኡላዊ ሃገራት ኤርትራን ኢትዮጵያን ከም ዘለዉዎ ፈጺሙ ዘይስገር እዩ። ዶብ ከይዓገተካ ብዛዕባ ዝግበር ምቅርራብን፡ ዶብ ስለ ዝኽልክለካ ክግበር ብዛዕባ ዘየብሉን ዝምድናታት ምርዳእ ከኣ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። እቶም ነዚ ሕቶዚ ምምላስ ምስ ሰኣኑ ንኤርትራ ከም ልኡላዊት ሃገር ክቕበልዋ ዕጥይጥይ ዝብሉ ግና ወድዓዊ ሓቂ ኣብ ምቕባል  ዝተሳዕሩ እዮም።

ቅድሚ ኩሉ ናይታ ብቃልሲ ደቃ ልኡላውነታ ዘረጋገጸት ኤርትራ ሓድነት፡ ዘይቁርመም ዘይሽርመም ምዃኑ ኩልና እንተላይቶም ኣብ ምንቅስቓስ ኣግኣዝያን ኣለና ዝብሉ ክርድእዎን ክርዕምዎን ግድን እዩ። ነዚ ዝድህሰስ ሓቂ ዘይቅበልን ዘየኽብርን ግና፡ ምናልባት ንነብሱ ዓዲ ክቕይር ይኽእል እምበር ቆርሚመ ቆራሚመ ሓድሽ ክሊ ክፈጥር እየ እንተበለ፡ ከሎ ጋና ከምዘይክእል ክርዳእ ይግበኦ። ኤርትራ ብብዙሓት፡ እምነታት፡ ቋንቋታት፡ ባህልታት፡ ኣውራጃታት ዝወቀበት እምበር። ትግርኛ ናይ ዝዛረብን ሓደ ሃይማኖት ናይ ዝኽተልን ክፋል ህዝቢ ጥራይ ኣይኮነትን። ትግራይ እውን ከምኡ። ኤርትራዊ ሓድነትን ልኡላውነትን ዘይስገር ካብ ኮነ፡ እዚ ተዓቂቡ ንክነብር ትግርኛ ንዝዛረብ ህዝቢ ኤርትራ ካብቲ ኣብ ካልእ ልኡላዊት ሃገር ዝነበር ብቋንቋ ዝመሳሰሎ፡ እቲ ኣብ ኤርትራ ዝነብር ካልእ ቋንቋ ዝዛረብ ወገኑ እዩ ዝቐርቦ። እዚ እቲ ዓብይ ዘይስገር ጉዳይ ኮይኑ ነዚ ብዘይሃሲ ምስቲ ካብ ልኡላዊ ክሉ ወጻኢ ክነሱ ብቋንቋን መሰል ዛዕባታትን ዝመሳሰሎ ኣይንገድን ኣይዋሰብን ማለት ግን ኣይኮነን። ከምቲ ዝበልናዮ ትግርኛ ዝዛረብ ኤርትራዊ ምስቲ ኣብ ትግራይ ዝነብር ብቋንቋ ዝራኸቦ ከም ዝቀራረብ፡ እቲ ትግረ ዝዛረብ ኤርትራዊ ምስቲ ኣብ ሱዳን ዝነብር ትግረ ዝዛረብ ዘይዛመደሉን ዘይቃረበሉን ምኽንያት የለን። ኣብ ዓፋርን ኩናማን እውን ተመሳሳሊ ኩነታት ክፍጠር ይኽእል።

ካብዚ ሓሊፉ ካብዝን ካብትን መመዥሪጥካ፡ ከምዚ ኣግኣዝያን ኢና ባሀልቲ ዝብልዎ፡ ሓደስቲ ከባብታት እንዳፈጠርካ፡ ነዛ ምእንቲ ህላወኣ ዝተቃለስናላን ምእንቲ ህንጸታ ንቃለሰላ ዘለናን ኤርትራና ንምህሳስ ዝውሰድ ወስታ ብሓጺሩ ነውሪ እዩ። ወይ ድማ ንሓደ ብቋንቋ ዝመሳሰለካ ወገን ወሲድካ ኤርትራ ናይቶም ዝተረፉ ትኸውን ኢልካ ምሕሳብ እውን ዘይሩ ዘይሩ  ሓድነታ ምግሃስ ስለ ዝኾነ ቅቡል ኣይኮነን። ብመንጽር እዚ ክንርእዮ እንከለና፡ ምንቅስቓስ ኣግኣዝያን ኢና በሃልቲ “ኣብ ዝበጽሖ የብሉን” ኢልካ ሸለል ዝበሃል ዘይኮነስ፡ ከሎ ጋና ቆላሕታ ሂብና ክንሰርሓሉ ዝግበኣና እዩ። ቅድሚ ኩሉ እቶም መንቀልቲ ክሳብ ክንደይ ኣብ ከውሒ ጸሚዶም ከም ዘለዉ ተረዲኦም ኣእዳዎም ክእክቡ ሓገዝ ከድልዮም እዩ። ካብዚ ሓሊፉ እቶም ኣብቲ ምንቅስቓስ ዘየለናን ዘይንቅበሎን፡ ሓድነት ኤርትራ ንምድኻም ክሳብ ክንደይ ብዙሕ መጻወድያታት ይጻወድ ከም ዘሎ ክንርዳእ’ሞ እጅገና ሰብሲብና ክንቃለሶ ከም ዝግበኣና ክንፈልጥ የድልየና።

Last modified on Tuesday, 10 September 2019 09:59