ወደን ከይሓምያስ፡ ሰበይቲ ወደን

2019-02-12 11:40:05 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 2496 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ሎሚ’ውን ከም ቀደም፡ ብዛዕባ ፖለቲካዊ ኰነታት ሃገርና ኤርትራ ዝመራመሩን ሓሳብ ዝህቡን ብዙሓት እዮም። ሃለዋት ሃገርና ክለዓል እንከሎ፡ ብዛዕባ ዝምድነኣ ምስ ኢትዮጵያ ካብቲ ብቐጻሊ ዝጥቀስ ነጥቢ እዩ። እዚ ኣብ ዙርያ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝለዓል ሓሳባት፡ በብመድረኹን ከከም በሃሊኡን ዝተፈላለዩ መልከዓት ዝሕዝ እዩ። ሓደ እዋን ኣብ መንጎ ክልቲአን ጐረባብቲ ሃገራት ዝተባርዐ ብዙሓት “ሰዓርን ተሰዓርን ዘይነበሮ ዘይምኽኑይ ውግእ” ዝብልዎ ኣዛራቢ ነይሩ። ድሕሪ ዝተወሰነ ግዜ ከኣ ካብዚ ዓብይ ዛዕባ፡ ውዕል ኣልጀርስን ቀያድን ናይ መወዳእታን ብይን ዶብ ሕቡራት ሃገራትን ኣተገባብርኡን ኣዛራቢ ነይሩን ኣሎን። እነሆ ሕጂ ከኣ ኣብ ዙርያ እዚ ዓብይ ናይ ጐረባብቲ ዛዕባ፡ እቲ ቅድሚ ሸውዓተ ኣዋርሕ ዝተራእየ፡ ሃንደበታዊ፡ ዘይግሉጽን ጌና መዕለቢኡ ዘይተፈልጠን ምሕዳስ ዝምድና ክልቲአን ሃገራት ኣዛራቢ ኮይኑ ኣሎ።

ብፍላይ ምሕዳስ ዝምድና ብዝምልከት ክዝረብ እንከሎ፡ ምስቲ ንኤርትራ ዝመርሕ ዘሎ ዘየናሕሲ ጉጅለ ኣጎዝጒዝካ እቲ ምስኡ ዝዛመድ ዘሎ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምልዓሉ ኣይተረፈን። መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስዚ ኣብ ኤርትራ ዝዘርግ ዘሎ ስግንጢር ጉጅለ ክዛመድ እንከሎ፡ ቀንዲ ማእከሉ ጠቕሚ ሃገሩ’ኳ እንተኾነ፡ ብወገን ኤርትራ፡ እቲ ዝምድና ማእከሉ ህዝቢ ኤርትራን ረብሓኡን ዘይኮነስ፡ እቲ ብደም ኤርትራውያን ዝሃጠረን ኣእዳዉ ብደም ንጹሃት ዝጨቀወን ውልቀ-መላኺ ምዃኑ ንከስተብህል፡ ናብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ስምዕታ ምቕራብን፡ ዘይሩዘይሩ ኣብ ኤርትራ መሊኡ ናብ ኢትዮጵያ ዝፈስስ ኣሉታዊ ሳዕቤን ክህልዎ ከም ዝኽእል ምዝኽኻሩን ሕማቕ ኣይኮነን። ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ ኤርትራውያን ሓይልታት ለውጢ ኣብ ከተማ ፍራንክፈርት ዘስምዕዎ ቃል ከኣ ናይዚ ኣብነት’ዩ።

እንተኾነ ናይቲ ኣብ ኤርትራ ሳዕሪሩ ዘሎ ወጽዓ፡ ዘይግሉጽነትን ንዕቀትን ብደዐ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራን ተሓታቲ እቲ “ንኤርትራ እመርሓ ኣለኹ” ዝብል ጉጅለ እምበር መንግስቲ ኢትዮጵያ ኮነ ካልእ ናይ ግዳም ሓይሊ ከምዘይኮነ ክንእመን ይግበኣና። እንተኾነ እቲ ናይ ግዳም ናይ “ጽቡቕ ኣለኻ” ኣተሓሳስባ ኣየሻህርቶን/ኣየሻድኖን ማለት ኣይኮነን። ምስዚ ኩሉ፡ ጠመተና ናብ ህግደፍ ጓሲና ናብቶም ንረብሓኦም ክብሉ ዘሻህርትዎ ኢድና እንተ ቀሲርና፡ ከምቲ “ወደን ከይሓምያስ ሰበይቲ ወደን ይሓምያ” ዝበሃል ኣብ ትዕዝብቲ ክንወድቕ ኢና።

ኣብዚ እዋንዚ ብዘይካቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝኸይድ ዘሎ ብኣና ጥራይ ዘይኮነ፡ ብኢትዮጵያውያን’ውን ሕቶ ዘልዕል ዘሎ ዝምድና ጥራይ ዘይኮነ ምስ በዓል ሱዕድያን ሕቡራት ዓረብ ኢምሬትን ዝካየድ ዘሎ ዘይጥቅው ዝምድና እውን ኣዛራቢ እዩ። ከም ሳዕቤን ናይቲ ምስዘን ሃገራት ዝግበር ዘሎ “እዛ ብርኩታ እምኒላታ” ዘብል፤ ዝምድና ኣብ ዝተወሰነ ከባብታት ሃገርና ምኽፍት ናይ ወጻኢ ወተሃደራዊ መደበራትን ካልእ ምስጢራዊ ስርሒታት ይካየድ ከም ዘሎ ናይ ኣደባባይ ምስጢር ካብ ዝኸውን ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። እዘን ሃገራት ካብ ርእስና ክወርዳ ክንጽውዕን ክንምሕጸንን ንቡርኳ እንተኾነ፡ ከምቲ “ንስኻ እንተዘይትደፋኒ መን መጽደፈኒ” ዝበሃል፡ እቲ ጠንቂ ናይ ኩሉ ስግኣት፡ ዲክታቶር ኢሳይያስ ምዃኑ ክንዝንግዕ ኣይግበኣናን። ነዚ ዘይቅዱስ ምዕባለ፡ ንምስሊ ህግደፍ ከነጸባብቕ ክንብል፡ ንዓኡ ካብ ተሓታትነት ኣውጺእና ናብ ደገ ክንቋመት እንተፈቲና፡ ንቃልስና መስመሩ ዘስሕት ኣብ ልዕሊ ምዃኑ፡ ዕድመ ወጽዓ ዘንውሕ ከምዝኮነ ክዝንግዕ ኣይግበኣናን፡

እዚ እዋንዚ ጉጅለ ህግደፍ ዘይመሰረታዊ ስጉምቲ ወሲዱ ካብቲ መሰረታዊ ሕቶ ህዝቢ ኤርትራ ክሕባእ ህርዲግ ዝበለሉ ዘሎ እዩ። ናይዚ መርኣያ ከኣ ነቲ ምስ ብዙሕ ዋጢጡ መጺኡ፡ ኣቀጻጽላኡ ዘይፍለጥ ዝምድና ምስ ኢትዮጵያ ንቕድሚት እንዳምጸአ ንኤርትራዊ ዘቤታዊ ጉዳይ ክደፍኖ ብዙሕ ሃቐነታት የካይድ ኣሎ። እንተኾነ ተመኩሮ መምህር እዩ’ሞ  ኤርትራውያን “እዚ ምስ ኢትዮጵያ ወሲድካዮ ዘለኻ ስጉምቲ እኹል ኣይኮነን” ዝብል ድምጾም ብውልቅን ብእኩብን ብዝለዓለ ኣገባብ የስምዑ ኣለዉ። ሕብረተሰብ ዓለም እውን “ዝምድናኹም ምስ ኢትዮጵያ ናብ ንቡር ምምላሱ፡ ናብቲ ቀንዲ ጉዳይኩም ዝወስድ ሓደ ስጉምቲ እምበር፡ ዝጽበየኩም ለውጥስ ብዙሕ እዩ” ዝብል ድምጹ የስምዕ ኣሎ። ፓርላማ ጀርመን ኣብዚ ቀረባ ግዜ ነቲ ምስ ኢትዮጵያ ተበጺሑ ዘሎ ምምሕያሽ ዝምድና ጥራይ ከም ለውጢ ወሲዱ፡ ኣብ ልምዓታዊ ስረሓት ምስ ኤርትራ ክተሓባበር ድልዊ ዘይምዃኑ ምግላጹ ብኣውንታ ዝጥቀስን ናይ ህግደፍ መህደሚ መንገድታት ዝዓጹን እዩ።

ኤርትራውያን ምስ ጉጅለ ህግደፍ ዝመሓዘዉ፡ ናይ ውሽጢ ይኹን ናይ ግዳም ሓይልታት ክንነቅፍን ክንንእድን እንከለና፡ መዕቀኒና ቀጻልነትን ረብሓ ኤርትራን ህዝባን እምበር፡ ጸቢብ ሕሳብ ጉጅለ ህግደፍ ክኸውን ኣይግባእን። ዝምድና ህዝብናን ህግደፍን ናይ ወጻዕን ተወጻዕን ምዃኑ ደጊም ንድሕሪት ዘይንምለሰሉ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ እዩ። ካብዚ ሚዛንዚ ካብ ነቐልና ከኣ ንመን ንጸልእ፡ ንመንከ ንፈቱ፡ ነየናይ ንነቅፍን ነየናይ ንድግፍን፡ ህግደፍ ክውስነልና ኣይግባእን። ካብዚ ብዘይፍለ ረብሓና ኣብቲ ንዓና  ዝጠቅም እምበር፡ ኣብ ናይ ካለኦት ሕማቕ ዝምርኮስ ክኸውን ኣይግበኦን። ኣብዚ ብቑዓት ክንከውን ከኣ፡ ቅድሚ ብዛዕባ ካልኦት፡ ብዛዕባና ክንዛረብ ክንበቅዕ ናይ ግድን እዩ። ካብዚ ኣካይዳዚ ወጽኢና ጉጅለ ህግደፍ ዘዝበሎ ንደግም እንተኮይና ግና፡ ከምቲ “ናታ እንዳሓረራስ ናይ ካለኦት ተካውስ” ዝበሃል ክንከውን ኢና። ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚ ከም እንዕዘቦ ኣብቲ እንብህጎ ለውጢ ክንበጽሕ እነካይዶ ዘለና ቃልሲ፡ ረብሓና ረብሓኦም ናይ ዝኾኑ ወገናት፡ ሓገዝን ድገፍን ክንጽበ ባህርያዊ እዩ። እንተኾነ ከምቲ “ዋና እንተዘየእውዩ ጐረቤት ኣይረድእን’ዩ” ዝበሃል ናቶም ደገፍ ንጸዓትና ዝትክእ ኣይኮነን።

Last modified on Tuesday, 12 February 2019 12:43