ነቲ ክሳብ ሕጂ ዘይከኣልናዮ፡ ክንክእሎ ኢና

2019-01-06 13:16:20 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 2805 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ኣብዚ ተጸሚድናዮ ዘለና ናይ መሰረታዊ ለውጢ ቃልሲ  ክንጽመድ ዘገደደና ምኽንያት፤ ናይ ሃገርናን ህዝብናን ዘየደቅስ ሃለዋት እምበር፡ ካልእ ኣይኮነን። ሃለዋት ኤርትራን ህዝባን ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሩ ብሰንክቲ ሓደራ ህዝብን ሰማእታቱን ክሒዱ ከም ቁርዲድ ጨምዲዱ ሒዝዎም ዘሎ፡ ወትሩ ገበናቱ፡ ኣበራቱን ጥልመታቱን እንዝርዝሮ ናይ ኣዝዮም ውሑዳት ጉጅለ ምዃኑ፡ ኣይኮነንዶ ንዓና ነቶም ቀጥታዊ ሰብ ጉዳይ ኤርትራውያን፡ ንኹሎም ምእንቲ መሰል ሰባትን ልዕልና ሕግን ዝግደሱ ወገናት ካብ ዝንጽር ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። ኣብዚ ወሳኒ ዕማም እንሳተፍ ከኣ “ሕማምን ቃንዛን ህዝበይ ነዓይ እውን ሕማመይን ቃንዛይንዩ” ብዝብል ናጻ ተወፋይነት ምዃኑ ንጹር እዩ።

ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሕሱም ህይወት ተረዲእካ፡ ዓቕምኻ ከተወፊ ንቃልሲ ቅሩብ ምዃን በይኑ ናብ ዓወት ዘብጽሕ ኣይኮነን። ነቲ ዕገበት ኣሽሪፍካ ኣብ ዓወት እትበጽሓሉ፡ ንኩነታት ሃገርካን ህዝብኻን ኣብ ግምት ዘእተወን ነዊሕ ዝጠመተን እስትራተጅን በብምዕራፉ ዝስረሓሉ ሜላታትን ምሕንጻጽ ኣዝዩ ወሳኒ እዩ። እቲ ድሌትን ቅሩብነትን በዚ እንተዘይተሰንዩ ግና ስምዒት ጥራይ ኮይኑ ናይ ምትራፉ ዕድል ሰፊሕ እዩ። ኣብዚ መዳይዚ ዘዕውት ስራሕ ብመሰረቱ ሓባራዊ እዩ። ሓባራዊ ዝኾነሉ ቀንዲ ምኽንያት እቲ ወጽዓ ኮነ፡ ነቲ ወጽዓ ስዒርካ ዝመጽእ ራህዋን ቅሳነትን ናይ ሓባር ስለ ዝኾነ እዩ። እዚ ኣተሓሕዛዚ ንክዕወት፡ ጸብለል ክብሉ ዝግበኦም ኣነን ንሱን ወይ ንሕናን ንሳቶምን ዝብሉ ተጠማመቲ ሓሳባት ዘይኮኑ እቲ ብኹሉ መለክዑ ጉልበትን ዓቕምን ዘሰውድ “ንሕና” ዝብል  ክኸውን  ይግበኦ።

“ንሕና” ንዝብል ቃና ከነሕይል፡ ኣነ፡ ንሱን ንሳን፤ ንሳቶምን ንሳተንን ኣወጊድና፡ ናይ ኣተሓሳስባ ብዙሕነት ጨፋሊቕና፡ ሓደ ሰልፊ፡ ሓደ ውድብ ወይ ሓደ ማሕበር ጥራይ ንኹን ማለት ኣይኮነን። መሰረታዊ ሸቶኡ ኣብዛ እናተቐንዘወት ዘናግፋ ስኢና ትጽወዓና ዘላ ኤርትራን ህዝባን ራህዋ የረጋግጽ ዝብል ዝተወደበ ኣተሓሳስባታት እሞኸኣ ዝተባባዕ እምበር ዝኹነን ኣይኮነን። ብመሰረቱ እውን ቃልስና ነቲ ብናይ ህግደፍ ኣተሓሳስባታት ዝተነድቀ ዓዲ ዘየእቱ እንተዘይርዒምኩም ናትኩም ናይ ኣተሓሳስባ ምርጫ ክህልወኩም የብሉን ዝብል በሓቲ ፖሊሲ ኣወጊድካ፡ ኩለ-መዳያዊ ብዙሕነታዊ ኣተሓሳስባ ምውሓስ እዩ። ናይ ኣተሓሳባ ኣማራጽታት ግና ኣብ ማእከላይ ቦታ ተራኺቦም ኣብቲ ዘሰማምዖም ብሓባር እንተዘይ ተሰሊፎም ወጽዓ ክጸርጉ ከምዘይክእሉ፡ ኣብ ተመኩሮና ክንዕዘቦ ዝጸናሕና እዩ። ጸገምና ዝተፈላለየ ኣተሓሳስባ ምሕዝ ዘይኮነስ ከከም ቅርበት ናይቲ ሓሳባት ክንጽንብሮ ወይ ከነላፍኖ ዘይምብቃዕና ምዃኑ እውን መዛግብ ተመኩሮና ዝምስክሮ እዩ። ነዚ እንተበቒዕና ኢና ከኣ ናይ ኣተሓሳስባ ብዙሕነትና ምንጪ ብርታዐናን መልክዕናን ዝኸውን። እንዳተደላለየ ተመዓዳድዩ ዝነብር ብዙሕነት ግና፡ ግዳይ በበይንኻ ዓቕምኻን ግዜኻን ምብኻንዩ ዝኸውን። ተመኩሮና ነዚ እውን ኣርእዩና እዩ። ስለዚ ርሑቕ ከይከድና ካብ ተመኩሮና ሕማቑ ኮነ ጽቡቑ ክንዝክር ንኽእል ኢና። ዘኪርና ንመሃረሉዶ ወይስ መንገዲ ጥፍኣት ክነሱ ደጋጊምና ነታትዮ ኣብ ቀቅድሜና ዘሎ ፈተና እዩ።

እቲ ወለድና “ኣብ መስርሕ ኣይኮነንዶ ህይወት ዘለዎ እምኒ እውን ይጋጮ እዩ” ዝብልዎ ዝተፈላለየ ሓሳብ ምሓዝ ንቡር ምዃኑ ንምሕባር እዩ። ኣብ ካብ ሓደ ሰብ ንላዕሊ ሓቢርካ ዝንበረሉ ወይ ዝሰረሓሉ፡ ናይ ሓሳብ ፍልልይ ዘይረኣየሉ ህይወት ምጽባይ ሕልሚ እዩ። ከምዚ ዓይነት ብሕትው ህይወት እንዳመረጽካ፡ ኣብ ካልእ ከይከድና፡ ሰብ ሓዳር ሰብኣይን ሰበይትን፡ ወለድን ውሉድን፡ ብሓቢርካ እተስርሕ መሻርኽቲ፡ ሓቢርካ እትነብር ጐረባብቲ፡ ሓቢርካ እትጐዓዝ መጋይሽቲ ኮታ ብሓጺሩ ትርጉም ዘለዎ ናይ ሓባር ህይወት ክትምስርት ኣይመተኻእለን። ግደ ናይዚ ምስ ፍልልይካ ብሓደ ምንባርን ምስራሕን፡ ኣብዚ ንዛረበሉ ዘለና ፖለቲካዊ ዛዕባ ከኣ ኣዝዩ ዝዓዘዘ እዩ። ስለዚ ከምቲ ንጸልማት ብብርሃን፡ ንድንቁርና ብፍልጠት፡ ምስርዓር ዝከኣል ንናይ ኣተሓሳባ ፍልልይ ከኣ ብተቐራሪብካ፡ ህዝባዊ ሓላፍነትካ ተረዲእካ እሂንምሂን ምብህሃል ምስዓር እንዳተኽእለ ኢና ክሳብ ሕጂ ዘይከኣልናዮ ዘለና። ንመጻኢ እውን ግዜ በሊዕና ሓይልና ከነዳኽም እንተዘይኮይና ነዚ ክሳብ ሕጂ ዘይከኣልናዮ ካብ ምኽኣል ወጻኢ መዋጸኦ ከምዘየብልና ተረዲእና ነቲ ነዚ ንምኽኣል ነርእዮ ዘለና ፈንጠርጠራት ምጉልባቱ ምርጫ ዘይኮነ ግድነት እዩ።

ከም ኣካል ናይዚ ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዕ ደንበ ተቓውሞና ዝረአ ዘሎ ሓቢርካ ናይ ምስራሕ ንቕሎታት፡ ናይዚ ክከኣል ዝግበኦ ክነሱ ክሳብ ሕጂ ዘይተኽእለ፡ ጸገም መፍትሒ፡ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን (ሰዲህኤ) ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ-ሕድርን ሃድኤ-ሕድሪ)፡ ብመንጽርቲ ኣቐዲሙ ዝተገልጸ፡ ኣብ ክንዲ በበይንና ምጥፍእ፡ ሓቢርና ክንዕወት የኽእል ኢልና ዝኣመንሉ ምርጫ ወሲድና ናብ ሓድነታዊ ጉባአ ንጉዓዝ ኣለና። ኣብዚ ካብ ተመኩሮኡ ተማሂሩ፡ ንሓድነት መተካእታ ከምዘየብሉ ዘስተማቐረ ጉዕዘኡ ብዙሓት ብሓላፍነት እንተዘይተታሒዞም ንድሕሪት ዝመልሱ ብደሆታት ኣየጋጠምዎን ማለት ኣይኮነን። ኣብ ናይ ክሳብ ሕጂ ጉዕዞና ናብ ሓድነታዊ ጉባአና፡ ነቶም ዘጋጥሙ  ክሰዓሩ ዝግበኦም ብደሆታት ስዒርካ ናይ ምሕላፍ ቅርቡነት እንተልዩ ዘይስገሩ ኮይኖም ኣይረኸብናዮምን። ነዚ ክንበቅዕ ከኣ ኣብ ክንዲ ነቲ ንእሽቶ ዝፈላሊ ምትዕብባይ ነቲ ዓቢ ዘሰማምዕ መሊስካ ምግዛፉ ኣብ ዓወት ከምዘብጽሕ ብግቡእ ተረዲእና ኣለና። ኣብ ከምዚ ኩነታት ነቲ ወለድና “ጸባ እውን እምብዛ እተጠሚትካዮ ይጽልም እዩ” ዝብልዎ ብግቡእ ተገንዚብና ኣብ ክንዲ ኣብ ሕሉፍ ምጽብጻብ ንቕድሚት ክንቋመት ከም ዝግበኣና ተገንዚብና ኣለና።

እዚ ክልቴና ወገናት ንድሕሪት ከምዘይምለስን ከምእነዕዉቶን ርግጸኛታት ኮይና ንኸዶ ዘለና መስርሕ ሓድነት ካብቲ ኣብ ደንብ ተቓውሞና ክሓብር ዝግበኦ ዓቕሚ ኣዝዩ ንኡስ ምዃኑ ፍሉጥ እዩ። መተባብዕን ዓዳምን ኣብነት ክኸውን ከምዝኽእል ግና ዘጠራጥር ኣይኮነን። ከምኡ ስለ ዝኾነ ከኣ ንጉዳይ ሓቢርካ ምስራሕ ዝምልከት ጻዕሪ በዚ ከይተደረትና፡ ነቲ ምስ ካለኦት ዝተፈላለዩ ውድባትን ጽላላትን እንተ ናብ ምሉእ ሓድነት ወይ ናብ ጽላል ከብጸሓና ወጢንና ንሰርሓሉ ዘለና ርክባት ክንቅጸለሉ ኢና። ናይ ኩልና ሰብ ዋኒን ማዕረ ተገዳስነትን ቅሩብነትን ተወሲኽዎ፡  ነቲ ክሳብ ሕጂ ዘይከኣልናዮ ክንክእሎ ምዃና ከኣ ሰብ ምሉእ ተስፋ ኢና።

Last modified on Sunday, 06 January 2019 14:20