ናይ ሓባረ ኣቕጣጫ ዘድልዮ፣ ንቕሎታት

2018-10-21 08:56:16 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 2747 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ 

 ኣብዚ እዋንዚ ኤርትራውያን ኣብ ውሽጢ ይኹን ኣብ ወጻኢ ዝተፈላለዩ ናይ ለውጢ ንቕሎታት የርእዩ ኣለዉ። እዞም ንቕሎታት ሓደስቲ’ኳ እንተዘይኮኑ ኣብ ንርከበሉ ዘለና ናይ ተስፋን ብደሆን እዋን ምርኣዮም ፍሉይ ግምት ዝወሃቦም እዮም። ሎሚ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ተለጒሙ ዝጸንሐ ልሳናት ህዝብና ተፈቲሑ፣ “ደጊምስ እዚ ሰብኣይ ገለ እንተዘይገሩ ዕድል ክንህቦ ኣይግባእን እዩ” ዝብል ዕላል ምዝውታር ልሙድ ኮይኑ ኣሎ። ኩነታት ገሪምዎም “እዚ ሰብኣይ ነዛ ሃገር ናበይ እዩ ክወስዳ ደልዩ?” ዝብል ዓሚቕ ስኽፍታ ዝሓደሮም እውን ኣለዉ። ኮታ እቲ “ዘረባ ከይከደኒ” ኢሉ ተሸቑሪሩ ስም ህግደፍ ከልዕል’ኳ ዝስከፍ ዝነበረ ወገን ዝደፍረሉ፣ እቶም ናይ ህግደፍ መበጻጻሕቲ ዘረባ ስለ ዝነበሩ ዝደፍሩ ዝነበሩ፡ ርእሶም ዘድንንሉ ኩነታት ተፈጢሩ ከም ዘሎ ካብ ሕምብርቲ ኤርትራ ኣስመራ ዝመጽእ ሓበሬታ የረድእ ኣሎ። እዚ ተስፋ ዝህብን ክዓኩኽ ዝግበኦን ናይ ለውጢ ምልክት እዩ።

ካብ ኤርትራ ወጻኢ ኣብ ዓባይ ብሪታንያ ዘለዉ ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ዝነበሩ ብጋህዲ ኣስማቶምን ክታማቶምን ኣሰንዮም፣ ኣብዚ ቀረባ ግዜ “ህጹጽ ጻውዒት ተጋደልቲ ህዝባዊ ግምባር ነበር፡ ነበርቲ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ንምእላይ ውልቀ-መላኺ ኢሰያስ - ካብ ስልጣን” ብዝብል ዘውጽእዎ መግለጺ፣ ኣብ ሃገር ጀርመን ዝንቀሳቐሱ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ውድባትን ሲቪላዊ ማሕበራትን “Uniting   Eritrean   Voices   in Germany/ ምስማር ኤርትራዊ ድምጽታት ኣብ ጀርመን" ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ዝወጸ ናብ ምምስራት ሓቢርካ እተድምጸሉ ጽላል ዝጠመተ መግለጺ ከም ኣብነት ሓባራዊ ንቕሎታት ዝጥቀሱ እዮም። በብኹርናዑ ኣንጻር ጉጅለ ህግደፍ ዝተኻየዱን ዝጽውዑ ዘለዉን ኣኼባታትን ሰልፍታትን እውን ካብዚ ዝተፈልየ ዕላማ የብሎም። ዝተፈላለያ ፖለቲካዊ ውድባትን ሰልፍታትን ሓቢርካ ንምስርሕ ዘካይደኦ ዘለዋ ጻዕርታት እውን ካብዚ ዝተፈልየ ዕላማ የብሉን። ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙናት ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ-ሕድሪ፥ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሕን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን ናብ ዝተፈላለዩ ወገናት ብጉዳይ ኤርትራውያን ስደተኛታትን ሰብኣዊ መሰላትን ክቕርብዎ ዝጸንሑ ናይ ሓባር መዘክራት ከኣ ተስፋ ዝህብ ተበግሶታት እዩ። እዚ ተበግሶታት ንኸድምዕ ዓቕሚ ክረክብን ግና ናብ ሓደ ኣቕጣጫ ክቃነ ናይ ግድን እዩ።

ዝሓለፈ ተመኩሮና እንተ መዚናዮ፣ ጸገምና ኣብ ኤርትራ ለውጢ ዘይምድላይ ኣይነበረን፣ ንለውጢ ዘይምንቃልን ነዚ ብዝምልከት ዘይምውዳብን ኣኼባታትን ዘይምክያድ እውን ኣይነበረ። ቀንዲ ጸገምና ነቲ ናይ ሓባር ድሌትን ሸቶን ዘለዎ ተበግሶታት ናብ ሓደ ሰሪሑ ዘድምዕ ተዛሪቡ ዘስምዕ መድረኽ ክንቃንዮ ዘይምብቃዕ እዩ። ከምኡ ክንገብር ብዘይምብቃዕና፣ ክንድቲ ክንኮኖ ዝግበኣና ኮይና ንህዝብና ካብ ወጽዓ ህግደፍ ንሃገርና ከኣ ካብ ሓደጋ ናይ ምድሓን ኣበርክቶና ትሕቲ ግምትና ምጽንሑ ክንጣዓሰሉ ዘይኮነ፣ ከይድገም ክንመሃረሉ ዝግበኣና ተመኩሮ እዩ። እዚ ንርከበሉ ዘለና ኤርትራዊ ኮነ ከባብያዊ ኩነታት ከኣ ዝያዳ ኩሉ ግዜ ካብ ዝሓለፈ ተመኩሮና ክንመሃር ዘገድደና እዩ።

ስለዚ እዚ ኣቐዲምና ዝጠቐስናዮን ካልእ ናይ ለውጢ ተበገሶታትን ናብ ሓደ ናይ ለውጢ ሩባ ከም ዝፈስስ እሞ እቲ ናይ ሓባር ውሕጅ ንጉጅለ ህግደፍን ጸረ ህዝቢ ተግባራቱን ገሓሒጥዎ ክኸይድ ካብ ምጽዓር ካልእ መተካእታ የብልናን። ኣብ ዘለናዮ ናይ ለውጢ ቃልሲ ብሓባር ንምስላፍ እቲ ሓደ ጸዋዒ እቲ ካልእ ከኣ ተጸዋዒ ወይ እቲ ሓደ ለማኒ እቲ ካልእ ከኣ ተለማኒ እንኾነሉ ዘይኮነ፣ ብኹልና ቅሩብነት ክህሉ እንግደደሉ ሓላፍነት እዩ። እንተ ብጉርሒ እንተ ብገርሂ ናይ ሓቢርካ ምስራሕ ኣፍደግኡ ንዝዓጸወ ናይ ለውጢ ወገንና እውን ደጋጊምና ክንኩሕኩሓሉ ዝግበኣና ግዜ እዩ። ናይዚ ቅሩብነት ኣድላይነት ምኽንያት ሓጺርን ንጹርን እዩ። እቲ ምድሓን ሃገርን ለውጥን ግድን ናይ ኩልና፣ ብኹልናን ንኹልናን ስለ ዝኾነ።

ኣብዚ እዋንዚ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ቅድሚ ለውጢ ጠጠው ክብለሉ ዝኽእል ባይታን ምኽንያትን ከም ዘይብሉ ዝተጋህደሉ ምዃኑ እቲ ተስፋ እዩ። ነዚ ኩነታትዚ ንህዝብናን ሃገርናን ናብ ዝሓሸ መድረኽ ዘሰጋግር ለውጢ መምጽኢ ክንጥቀመሉ ምኽኣልን ዘይምኽኣልን ከኣ እቲ ኣብ ቅድሚ ናይ ለውጢ ሓይልታት ዘሎ ከቢድ ብደሆ እዩ። ቅድም እውን ጉጅለ ህግደፍ ክሳብ ሕጂ ዘይቅቡል ምኽንያታት እንዳሰነዐ ብጉዳይ ሃገርና ከላግጽን ኣብ ልዕሊ ህዝብና ከዳኽርን ዝጸንሐ ብናቱ ብርታዐ ዘይኮነ፣ ብናትና ድኽመት ምዃኑ ክንእመነሉ ዝግበኣና እዩ። ሎሚ ባይታኡ ዝያዳ ኣብ ዝሃመመሉ ንህግደፍ ነዚ ዕድል እንተሂብናዮ ከኣ ሕመቕናን ተሓታትነትናን ብኽንድኡ ደረጃ እዩ ጐሊሑ ክረአ።

ከምቲ “ሰብኣይን ደሊኽን ጭሕምን ደሊእኽን” ዝበሃል፣ በቲ ሓደ ወገን ካብቲ መሪር ህይወት ኣብ ግዜ ህግደፍ ክትናገፍ እንዳበሃግካ፣ በቲ ካልእ ወገን ከኣ እቲ ብዙሕ ሰራውር ዘለዎ ህግደፍ ለውጢ ክተኹበልካ ምጽባይ ቅቡል ኣይኮነን። ህግደፍ ለውጢ ዘይገብር፣ ከምቲ ዝብሎ ንለውጢ ዘብቅዕ ጥጡሕ ኩነታት ሰለ ዘየጋጠሞን ግዜ ስለ ዝሓጸሮን ዘይኮነ፣ ኩለንተናኡ ለውጢ ዘይቅበልን ካብ ለውጢ ዘይጥቀምን ስለ ዝኾነ ምዃኑ ብግቡእ ንግንዘቦ እዩ። ሎሚ ኣብ መስርሕ ለውጢ ንህግደፍ ከነገድዶ እምበር ክንጽበዮ ከም ዘይግበኣና ከኣ ብትሪ ክንግንዘቦ ዝግበኣና ሓቂ እዩ።

Last modified on Sunday, 21 October 2018 11:13