ሎሚ’ውን፡ ባሕቲ ቃልሲ

2018-09-01 07:19:59 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 2648 times

ርእሰ-ዓንቀጽ፡ ሰዲህኤ

እቲ ነዊሕ ተጓዒዙ ቀዳማይ ዕማሙ ነጻነት ዘረጋገጸን ጌና ሕጂ እውን ቀጻሊ ዕማሙ ንምርግጋጽ ኣብ ጉዕዞ ዘሎ ቃልሲ ህዝቢ ካብ ዝጅመር እነሆ መበል 57 ዓመት ኣብ ምዝካር በጺሕና። ቃልስና ክጅምር እንከሎ ዝነበሮ ዕማምን ክሳብ ሕጂ ዘሎ ኩነታትን ስለ ዘየሳኒ’ኳ ቅር ዘብል እንተኾነ፡ እቲ ኣመዝጊብናዮ ዘለና ነጻነት፡ ቀጻሊ ዓወት ንምምዝጋብ መሰረት ስለ ዝኾነ፡ ኣብዚ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ኮይንካ እንኳዕ ኣብጸሓኩም ኣብጸሓና ምብህሃል ዘምሕረልና እምበር ዘኽፈኣልና ኣይኮነን። ስለዚ እንኳዕ ናብ መበል 57 ዓመት ዝኽሪ ባሕቲ መስከረም ባሕቲ ቃልሲ ኣብጸሓኩም ንብል።

እዚ ብባሕቲ መስከረም 1961 ዝተጀመረ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ነዊሕ ተጓዒዙ፡ ብዙሕ ማሕለኻታት ሰጊሩን ክቡር ዋጋ ከፊሉን ኣብ ነጻነት ዝበጸሐ ስለ ዝኾነ፡ ብብዙሕ መሰጥቲ ሓረጋት ዝነኣድ እዩ እሞ “ዝከኣል ዘይመስል ዝነበረ ኣኽኢሉ፡ ንብዙሓት ምእንቲ ነጻነትን መሰልን ዝቃለሱ ወገናት ዘተባብዐ ተመኩሮ ነይሩን እዩን” እንተበልናዮ ተዘይንኢስዎ ኣይዓብዮን እዩ። ነቲ ቃልሲ ዘይከኣል ዘምስሎ ዝነበረ ናይ ሓይሊ ዓይነትን ዓቐንን ዘይምምጥጣን ጥራይ ዘይኮነ፡ እንተላይ ኣብ ቅድሚ ሕብረተሰብ ዓለም ዝነበሮ ተፈልጥነትን ተቐባልነትን ድሩት ምንባሩ’ዩ። እንተኾነ እቲ ንቕሎ ቅኑዕን ኣብ ግዜኡ ዝወፈረን ስለ ዝነበረ፡ እቲ ሕጽረታት ብኤርትራዊ ኒሕን ጽንዓትን ተሰንዩ ብዓወት ከኣ ተደምዲሙ።

እዚ ቅድሚ 57 ዓመታት ዝጀመረ ቃልሲ፡ ኣብቲ ናይ መወዳእታ ሸቶኡ ንምብጻሕ ዝቕጽል ዘሎ ዘይዛረየ ናይ ቃልሲ ዋሕዚ፡ ኣብ ኤርትራ ነጻነት ጥራይ ኣይኮነን ኣውሒሱ። ምትራር ኤርትራዊ ሃገርንትን ሓድነትን ከምኡ እውን ህዝባዊ ሓድነትን ምክብባርን ውጽኢት ናይ ክሳብ ሕጂ ቃልሲ እዮም። ስለዚ ናይ ክሳብ ሕጂ ውጽኢት ናይቲ ባሕቲ መስከረም ዝጀመረ ቃልሲ “ናጽነት እዩ” ኢልካዮ ዝሕለፍ ጥራይ ዘይኮነ ነዊሕ ግዜ ወሲዱ፡ መስዋእቲ ኣእላፍ ኤርትራውያን ዝተኸፍሎ ኩለመዳያዊ ዓሚቝን ረቂቕን ትርጉም ዘለዎ መስተንክር ቅያ እዩ። እቲ ጉዕዞ ብግዳማውን ውሽጣውን ቅልውላዋትን ነውጽታትን ክሓልፍ ዝጸንሐ መረርቲ ምዕራፍት ዝነበርዎ ምዃኑ ምስትብሃል ናይ ግድን እዩ። ስለምንታይ ናይቲ ምረት ሃፈጽታ ሕጂ’ውን መሊኡ ዘይሓወየ በሰላ ስለ ዝኾነ። እቲ ኣዝዩ ዘተሓሳስብ ከኣ ሎሚ እውን ከምቲ “ኣነን ሓጺሩኒ እብል ንሱንከ ተደቢሩ ይስዕስዕ” ዝበሃል ሕጂ ከኣ ነቲ ተመዝጊቡ ዘሎ ልኡላውነት ኤርትራ ከይህድዶ ዘስግእ ምልክታት ይቀላቐል ምህላዉ እዩ።

“ነጻነት ኤርትራ መንዩ ኣምጺእዎ?” ዝብል ሕቶ መልሱ “መላእ ህዝቢ ኤርትራ ብዘይኣፈላላይ” ክነሱ፡ ነቲ ዝተኸፍለ ዋጋ እንተኽኢሎም ናቶም ጥራይ ክገብርዎ፡ እንተዘየለ ከኣ ኣብቲ መስርሕ ሰብ ፍሉይ እጃም ምንባርም ንምርኣይ ዝደናደኑ ወገናት ብዙሓት እዮም። እዚ ጥራይ ኣይኮነን፡ ኣብዚ ታሪኽ ጠምዚዝካ ናይ ምዕማጽ ተግባር ጉጅለ ህግደፍ ቅድሚት ከም ዝስራዕ ህልዊ ኩነታት ሃገርናን ህዝባን ከይሓተትካዮ ባዕሉ ዝምልሶ እዩ። ኣብዚ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ዝያዳ ንምብርሁ ህዝቢ ኤርትራ ፍረ’ቲ ዝኸፈሎ ክቡር ዋጋ ብህግደፍ ተጠሊሙ እዩ። እንተኾነ ህዝቢ ኤርትራ ከምቲ ቅድም ምስ እተጠለመ፡ ኣብ ባሕቲ መስከረም ብዝወለዖ ቃልሲ ዝተዓወተ፡ ሎሚ እውን ኩሉ ዝተገፈ መሰላቱ ንምምላስን ዝተመዝገበ ልኡላውነቱ ንድሕሪት ከይምለስን፡ ኣንጻር ህግደፍ ዘካይዶ ዘሎ ቃልሲ ካብ ምቕጻል ሓሊፉ ካልእ መተካእታ የብሉን። ከምኡ ከኣ ይገብር ኣሎ። እዚ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ባሕቲ መስከረም ዝጀምርናዮ ቃልሲ ምእንቲ ሓርነትን ምዕቃብ ልኡላውነትን ኩሉ መሰላትን ከነሕይል ቃል ንኣትወሉ ክኸውን ይግበኦ። ነቲ “ከይረገምካዮ ዝተረግመ” ጉጅለ ህግደፍ መመሊስካ ምርጋም ጥራይ ዘይኮነ፡ ኩልና ነቲ ኣመዝጊብናዮ ዘለና ዓወት ዓቂብና ነቲ ዝተርፈና ክንምልእ ናይ ቃልሲ መንፈስና ኣሕዲስና እንብገሰሉ ኣጋጣሚ እዩ።

ዓመት፡ መጸት ባሕቲ መስከረም፡ ባሕቲ ቃልሲ ክንዝክር እንከለና ኣብ ክሊ በብዓይነቶም ምዕብልናታት ኮይና ኢና። ኣብዚ እዋንዚ ከኣ ብመሰረቱ ኣብ ደንበ ህግደፍ ኮነ ኣብ ደንበ ናይ ለውጢ ሓይልታት ምስ ናይ ዓሚ ክወዳደር እንከሎ ኣብ ሓድሽ ምዕራፍ ቃልሲ ንኣትወሉ ዘለና እዩ። ንሱ ከኣ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝጸንሐ ናይ ሰንፈልላል ኩነታት ህዝብና ብዘይፈልጦን ግሉጽነት ዘየብሉን ክነታት ዝያዳ ጥንቁቕ ኣተሓሕዛ ኣብ ዝሓተሉን መስርሕ ይምዕብል ምህላዉ እዩ። ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ክፍጽሞ ዝጸንሐ ጭቆና ውሒድዎስ ሕጂ ከኣ ንድሕሪት ተመሊሱ ንልኡላውነትና ዝህድድ ኣብ ዝመስል ቁማር ይኣቱ ኣሎ። ንሕና ደለይቲ ለውጢ ከኣ ዝሓዝናዮ ዕማምን ኣቕጣጫን ህዝባዊ፡ ወድዓውን ርትዓውን ክነሱ፡ ብሰንኪ ጉዳይና ብግቡእ ከነመሓደርን ፋሕ ዝበለ ዓቕምና ክንእክብን ዘይምብቃዕና ብመንጽር ትጽቢት ህዝብና ንቕድሚት ክንስጉም ኣብ ዘይክኣልናሉ ህሞት እናሃለና ዝያዳ ሓላፍነት ዘሰክም ህዝብን ሃገርን ኣትሪርካ ናይ ምድሓን ዕማም ተደሪቡና እነሆ። ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ምስቲ ኣሚሙ ዝሰርሓሉ ዘሎ መደብ ምስ ተቓወምቲ ፖለቲካዊ ውድባት ሓቢርካ ምቅላስ፡ ወጢንዎ ዘሎ መስርሕ ምሕዳስ ሰልፍን ካለኦት እዋናውያን መደባቱን ጐኒንጐኒ፡ ምስ ኩሎም ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ሓይልታት ኮይኑ ነቲ “ምስ ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታት ዶብ ብመሰረት ስምምዕ ኣልጀርስን ብይን ኮሚሽን ዶብን ክውዳእን መስርሕ ምምላስ ዝምድና ክልቲኡ ሃገራት ከኣ ንረብሓ ክልቲኡ ህዝብታት ማእከል ገይሩ ኣብ ንጹርን ግሉጽን ስምምዓት ኣትኪሉ ክትግበርን” ዝብል ጭረሖ ኣጉሊሕና ክንቃለስ ምዃና ኣብዚ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ንገልጽ።

ክብሪ ንባሕቲ መስከረም፡ ዝኽሪ ንሰማእታት ኤርትራ

1 መስከረም 2018

Last modified on Saturday, 01 September 2018 09:33