ኤርትራ ሎሚ’ውን ኣብ ቀራና!

2018-08-01 07:13:21 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 2817 times

“ቀራና” እንብል ኣብ ቅድሜና ክልተ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ካብኣቶም ሓደ ምምራጽ ኣጸጋሚ ዝኾነሉ ኣጋጣምታት ክገጥሙና እንከለዉ እዩ። ካብዞም ምርጫታት እቲ ሓደ ዘልምዕ እቲ ካልእ ከኣ ዘጥፍእ ስለ ዝኾኑ፡ ነየናይ ክትወስድ ክትውስን እንከለኻ ኣዝዩ ኣጸጋምን ጥንቁቕን መስርሕ እዩ። ኤርትራ ሃገርናን ህዝባን እምበኣር ብብዙሓት ከምዚ ዝኣመሰሉ ናይ መጻብቦ ቀረናታት እዮም ክሓልፉ ጸኒሖም።

ኣብ ኣርበዓታት ንሃገርና ናይ ቀረባ ንጠቕሞም ዝሃርፍዋ ሓይልታት ጥራይ ዘይኮኑ፡ እንተላይ ናይ ርሑቕ ክሳዳዊ ኣቀማምጠኣ ዘብሃጎም ሓይልታት እውን ከይተረፉ ምስ ዘረይዋ ኣብ ኣጸጋሚ ናይ ቀራና መንገዲ ሃለዋት ኣትያ። እቶም ናይ ቀረባን ናይ ርሑቕን ሓይልታት ከኣ ካብቲ ቀራና ንምውጻእ ምርጫ ህዝቢ ኤርትራ ንረብሓኦም ከምዝውዕል ንምግባሩ ኩሉ ናይ ሓይልን ምፍልላይን ሜላታትን ጸቕጥታትን ኣካይዶም። እንተኾነ ህዝቢ ኤርትራ፡ ነቲ ወይ ተቓሊስካ መሰል ርእሰ ውሳነኻ ምርግጋጽ ወይ ድማ ኣብ ትሕቲ ወጽዓን ባርነትን ምንባር ዝብል ቀራና መንገዲ “ ቃልሲ ምእንቲ መሰል ርእሰ ውሳነኻ” ዝብል ውሕሉል ግና ድማ ክቡር ዋጋ ዝሓተተ ምርጫ ዛዚምዎ። ሳላ ውሕሉል ምርጫ ዝመረጸ ከኣ ድሕሪ ናይ 30 ዓመታት ኣዝዩ ክቡር ዋጋ ዘኽፈለ መስርሕ ቃልሲ ብምሕላፍ ናይቲ ካብ ቀራና ንምውጻ ዝወሰዶ ምርጫ ቅንዕና ኣረጋጊጹ ናጽነቱ ዓቲሩ።

ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ’ውን በብግዜኡ ብዙሓት ቀራናታት ኣጋጢመምዎ። እቲ “ኣወ ወይ ኣይፋል ንናጽነት” ዝብል ሕቶታት ዝሓዘ ቀራና’ኳ ኣቐዲሙ ብናይ 30 ዓመታት ቃልሱ ኣረጋጊጽዎ ስለ ዝጸንሐ እምብዛ ንምውሳኑ ዘጸገም ቀራና ኣይነበረን። ከምኡ ስለ ዝነበረ ከኣ ኣብ ረፈርንዶም ልዕሊ 98 % ካብ ህዝቢ ኤርትራ “እወ ንናጽነት” ብዝብል ውሳነኡ ደምዲምዎ።

ልኡላዊት ኤርትራ “ብኸመይ ትመሓደር” ዝማእከሉ ብዙሕ ዝርዝራት ዝሓቖፈ ቀራና እውን ካልእ ብደሆ ነይሩን ኣሎን። እቲ ምርጫታት፡ ብሓደ ወገን፡ ጉጅለ ህግደፍ ዝዋንኡ “ኤርትራ ኣብ ዕጽው ፖሊሲ፡ ኩሉ መሰላት ዝተሓረማ፡ ውልቀ ሰብ ልዕሊ ሕግን መንግስታዊ ትካላትን ዝስረዓሉ” ነይሩ። በቲ ካልእ ከኣ እቲ ተቓሊሱ ነጻነት ሃገሩ ዘውሓሰ ህዝቢ ኤርትራ ዝዋንኡ “ደጊም ኤርትራ ብሕገመንግስታዊ፡ ኩሉ መሰላት ዘኽብር፡ ልዕልና ህዝቢ ኣብ ልዕሊ መራሕቲ ዘረጋግጽን ሕጊ ልዕሊ ሰብ ዝኾነሉን ስርዓተ መንግስቲ ይሃልዋ” ዝብሉ ሓሳባት ዝተፋጠጥሉ ቀራና ነይሩ። እንተኾነ ህግደፍ ህዝቢ ንዝብሎ ክርዕመሉ እምበር ድሌትን ጠለብን ህዝቢ ዝርዕም ባህሪ ስለ ዘይነበሮን ዘየብሉን፡ እቲ ቀራና ከምቲ ናይ መድረኽ ሪፈረንዱም ብቐሉሊሉ ኣይተሰግረን። ኣብዚ መዳይዚ ሕጂ’ውን ጌና ኣብቲ ቀራና ኢና ዘለና። ኣብዚ ቀራናዚ ዝውሰድ ግጉይ ምርጫ ከኣ ንህልውና ኤርትራ ከም ሃገር ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ምዃኑ ምልክታቱ ካብ እንርኢ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ ኣሎ።

ጉጅለ ህግደፍ ኩሉ ግዜ ነቲ ካብ ቀራና ዘውጽእ ናይ ህዝቢ ምርጫ ንምኹላፍ፡ ብዘይካቲ ምኽንያታት እንዳፈጠረ ንህዝቢ ዝኣስሮ፡ ዝቐትሎ፡ መሰል ሰሪሕካ ምንባር ዝኸልኦ፡ ህዝቢ ኣብ ክንዲ ናብ ውሽጣዊ ኩነታቱ ዝርኢ፡ ናብ ግዳም ከም ዘመዓዱ ንምግባር ዝሕግዝዎ ተንኮላት ካብ ምምሃዝ ዓዲ ውዒሉ ኣይፈልጥን። ነዚ መዳህለሊ ሜላ ብሃንድበት ዝወስዶ ዘይኮነ ብመጽናዕቲ ዝተሰነየ ዳህሳስ ድሕሪ ምክያድ እዩ። ንኣብነት ኣብዚ እዋንዚ ምስ ኢትዮጵያ ዘካይዶ ዘሎ ህዝቢ ዘየሳትፍ፡ ብትካላዊ መስርሕ ዘይክተል ርቡጽ ናይ ሰማይሰማይ ዘመዓዱ ዝምድና ነቲ ናይ ህዝብና ናይ ሰላም ክቱር ህርፋን ብምምዝማዝ ዝተማህዘ መዳህለሊ እዩ። ኣብዚ ሰላም ከምዘይጽላእ ርዱእ ኮይኑ፡ ብዛዕባቲ ሰላም ሓዚልዎ ዝመጽእ ሳዕቤናት ምስትብሃል ከኣ ኣዝዩ ኣድላይ እዩ።

እዚ ጥራይ ዘይኮነ እዚ ንርከበሉ ዘለና እዋን ቀራና ኣብ ልዕሊ ቀራና ዘጋጠመሉ እዩ። ጌና ንኤርትራ ብኸመይ ንመሓድራ ካብ ዝብል ቀራና ከይወጻእና፡ ጉጅለ ህግዲፍ ንኤርትራ ከም ሃገር ናበይ ገጹ ይወስዳ ከምዘሎ ዘይንረደኣሉ ተደራቢ ቀራና ኣብ ቅድሜና ተገቲሩ እነሆ። ነዚ ሓድሽ ቀራና ናይ ብሓቂ ቀራና ምዃኑ ዝምስክሩ ጉዳያት ብዙሓት ኮይኖም፡ ናይ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ዶ/ር ኣብይ ክመርሓና ወኪለዮ ኣለኹን ዋዛ ዝመስል መልእኽቲ፡ ከምኡ ከኣ ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክልተ እዮም ዝብሉ ነቲ ሓቂ ዘይፈልጡ እዮም ዝበሎ መርዛም ሓሳብ፡ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ንዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ምቕሉል መራሒ ረኺብና ኣለና ዝበሎ ሓረግ፡ ኣቶ መስፍን ሓጐስ ኢሳይያስ ኣብ ድሮ ነጻነት ኤርትራ ምስ ኢህወደግ ሓደ መንግስቲ ክምስርት ይደናደን ከም ዝነበረ ዘረጋግጽ ዝሃቦ ምስክርነት፡ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ብጉዳይ ውሳነ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተሓቲቱ፡ ክሳብ ሕጂ ጉዳይ ዶብ ኣየዓልናዮን፡ ካልኣዊ ደረጃ እዩ ብዝብል ዝሃቦ መልስን ደጋጊሙ “ነቲ መንደቕ ኣፍሪስና ድንድል ሃኒጽና” ዝብሎን ከም ኣብነት ዝጥቀሱ ናይዚ ዘለናዮ ቀራና ህሞት ኣገረምቲ ብሂላት እዮም።

ነዚ ሓድሽ ቀራናታት ክንመምዮ እንከለና፡ ነቲ ኣብቲ ብናይ ዶብ ምስሕሓብ ምስምስ ዝተኸፍለ መሪር መስዋእቲ ኤርትራውያን መንእሰያት ጥራይ ዘይኮነ፡ ንክብሪ’ቲ ኣብ ናይ 30 ዓመታት ቃልሲ ዝተኸፍለ መስዋእትነት እውን ኣብ ምልክት ሕቶ ዘእትው እዩ። ስለዚ መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ብናይ ደገ ሓይልታት ተስፋታትን መብጸዓታትን ሰኺሩ፡ ካብ ብዙሓት ዘህርፉ ምርጫታት ነየናይ ከም ዝወድ ዓዊኑ ከለፍለፍ ኣብ ዝብለሉ ዘሎ ወሳኒ እዋን፡ ህዝቢ ኤርትራ ምስኡ ከይዓብድ ክጥንቀቕ ይግበኦ። እዚ ግዜዚ እቶም “ዓገብ ኣንጻር ወጽዓ” ኢሎም ክቃወሙ ዝጸንሑ ብግዝያዊ ዘብለጭልጩ ጭረሖታት ከይሰድዑ ዝያዳ ቃልሶም ክሕይሉ፡ እቶም ንህግደፍ ክድግፉ ዝጸንሑ ወገናትና ከኣ “ክሳብ እትኣምን ኪድ፡ ካብዘይተኣምን ግና ተመለስ” ኢሎም ናብ ልቦም ክምለሱ ኣብ ዝግደድሉ ወሳኒ እዋን ኢና ንርከብ ዘለና።

Last modified on Wednesday, 01 August 2018 09:16