ጸላኢ ጸላእየይ ፈታውየይ

2018-07-21 06:43:44 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 3391 times

ህልዋት መራሕቲ ህግዲፍ ይኹኑ ቀዳሞት መራሕቲ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ንጸላእየይ ጸላኢኡስ ፈታውየይ ኢዩ ዝብል ፖሊሲ እዮም ኣብ ግብሪ ከውዕሉ ጸኒሖምን ጌና እውን ዘውዕሉ ዘለዉን። ኣብ 1980ታት መራሕቲ ህዝባዊ ግንባር ነታ ሽዑ መቓናቕንቶም ዝነበረት ሃገራዊት ውድብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ንምድምሳስ ምስ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ተመሓዝዮም ንሓደ ዓመት ዝቐጸለ ናይ ሓባር መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊኣ ኣካየዱ።

ቅድሚ ሰማንያታት ኣብ ዝነበረ ግዜ፡ ባድመ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ተሓኤ ኢያ ነይራ። ንተሓኤ ንምጥቃዕ ኣብ ዝወጠንሉ እዋን ግን፡ ባድመ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ክትኣቱ መራሕቲ ህዝባዊ ግንባር ኩሉ ዝከኣሎም ገበሩ። ሃይለማርያም ማሞ ዝተባህለ ናብ’ቲ ከባቢ ዝተመደበ ካድር ህዝባዊ ግንባር፡ ንኤርትራውያን ነበርቲ ባድመ እንተፈቲኹም ስቕ ኢልኩም ብወያነ ተመሓደሩ፡ እንተጸሊእኩም ድማ መሬቶም ለቒቕኩም ናብ ዝደለኽምዎ ቦታ ኪዱ እናበለ ንብዙሓት ኤርትራውያን ንስደትን ምፍንቃልን ከምዘዳረጎም ነበርቲ ባድመ ዝፈልጥዎ ሓቂ እዩ። ባድመ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ወያነ ምስ ኣተወት እውን እቶም ዝተረፉ ኤርትራውያን ብዝተፈላለየ ሜላታት ካብ ባድመ ከምዝባረሩ ተገይሩ ኢዩ። ኣብ መደበራት ስደተኛታት ሱዳን ዝርከቡ ደቂ ባድመ ድማ ህያው ምስክርነት ናይ’ዚ ታሪኽ’ዚ እዮም። ኣብ ርእስ’ዚ፡ ተገዲዶም ንውሽጢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝግዓዙ ኤርትራውያን ተቐማጦ ባድመ ድማ ማእለያ የብሎምን።

ምሕዝነት ህዝባዊ ግንባርን ህወሓትን ጽቡቕ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ደገፍቲ ህዝባዊ ግንባር ህወሓት ኣብ ውግእ ኣይተኽፈለን እናበሉ ብመራሕቶም ዝተዋህቦም ፕሮፓጋንዳ ክደጋግሙ ንተጋደልቲ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ድማ ከም ሓሰውቲ ክገልጹ እዮም ዝውዕሉ ነይሮም።

ኣብ’ቲ ክሳብ 1997 ዝቐጸለ ምሕዝነቶም ከኣ ኣብ መንጐኦም ፖለቲካዊ፡ ወተሃደራዊ፡ ጸጥታውን ዲፕሎማስያውን ስምምዓት ገይሮም ምንባሮም እውን ዝዝከር ኢዩ። ዶባትና ናብ ትርጉም ዘይብሉ ብርኪ ተሰጋጊሩ ኢዩ እናበሉ ክጅሃሩ እውን ተሰሚዖም እዮም። ኢሳያስ ኣፍወርቂ መራሒ ናይ ዝሓበራ ሃገራት ኤርትራን ኢትዮጵያን ክኸውን ባህጊ ከምዝነበሮ ክንፈልጥ ምኽኣልና ድማ “ምቕናይ ግርም” ዝብል ኣበሃህላ ጥራሕ እዩ ዘዘኻኽረካ። ነብስሄር ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ነበር መለስ ዜናዊኸ፡ እንታይ ኮን ተሰሚዕዎ ይኸውን?

ጽንሕ ኢሎም ግን፡ እቶም መሓዙ ዝነበሩ ክልተ ውድባት ንዝገበርዎ ስምምዓትን ውዕላትን ገዲፎም ብዶብ ኣመሳሚሶም ናብ’ቲ ንኽልተ ዓመት ዝቐጸለ ናይ 1998-2000 ዓ.ም ኣዕናዊ ውግእ ኣተዉ። ኣብ’ዚ ውግእ’ዚ ዝሃለቐን ዝሰንከአልን ሰብ፡ ዝበረሰ ንብረት፡ ዝጠፍአ ገንዘብ፡ ዝተሰደን ዝተፈናቐለን ህዝቢ ናይ ክልቲኡ ሃገራት ማእለያ የብሉን።

ውግእ ኢትዮ-ኤርትራ ብመሰረት ውዕል ኣልጀርስ ደው ድሕሪ ምባሉን ኮሚሽን ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ቀያድን ናይ መወዳእታ ብይን ድሕሪ ምሃቡን ድማ፡ መንግስቲ ኤርትራ፡ …..ብይን ኮሚሽን ዶብ ኢትዮጵያ ቀያድን ናይ መወዳእታን ስለዝዀነ፡ ብዘይ ቅድመ-ኵነት ኣብ ግብሪ ክውዕል ኣለዎ…. ዶባትና ከይተመልከተ፡ ኣብ ልዝብ ኣይንኣቱ ኢና…ብይን ኮሚሽን ዶብ ኣብ ግብሪ እንተውዒሉ ግን፡ ንሕና ንጽባሒቱ ዝምድናና ምስ ኢትዮጵያ ከነሐድሶ ኢና… ክብል ከሎ፤ መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ፡ ንሕና ውዕል ኣልጀርስን ብይን ኮሚሽን ዶብን ብመርህ ደረጃ ተቐቢልናዮ ኣሎና ንምትግባሩ ግን ቅድም ናብ ልዝብ ክንኣቱ ኣሎና ይብል ነበረ። ህዝብታት ክልቲኡ ሃገራት በዚ ሓሓሊፉ ተዅሲ ዝኽፈተሉ፡ ንዕምሪ ስልጣን መራሕቶም ንምንዋሕ ዝዓለመ ናይ “ኣይሰላም ኣይውግእ” ኣሰልቻዊ ፖሊሲ ን20 ዓመታት ዝኣክል ብናይ ጽልኢ ዓይኒ እናተጠማመቱ ክኸዱ ተገደዱ።

ኣብ ኢትዮጵያ ብዝተኸስተ ህዝባዊ ማዕበል ዘስዓቦ ለውጥታት፡ ዶር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ድሕሪ ምዃኑ፡ ኣብ ሓጺር ግዜ ከኣ፡ ናይ ፖለቲካን ሕልናን እሱራት ክፍትሑ፡ ናይ ህጹጽ ግዜ ኣዋጅ ክለዓል፡ ተቓወምቲ ውድባት ኢትዮጵያ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም ብሰላማዊ ኣገባብ ክወዳደሩ ዘኽእል ማዓጹ ከፈተ። ብ5 ሰነ 2018 ድማ፡ ንውዕል ኣልጀርስን ብይን ኮሚሽን ዶብ ብዘይ ቅድመ-ኵነት ኣብ ግብሪ ንኸውዕል ድልዊ ምዃኑ ኣፍለጠ። ካብ’ዚ ተበጊሱ ብ8 ሓምለ 2018 ድማ ናብ ኤርትራ ብጽሖት ገበረ። ብወገን ህወሓት ድማ፡ ጕንጺ ኢትዮ-ኤርትራ ብሰላም ክፍታሕ ንድግፍ፡ ኣብ ግብሪ ኣወዓዕላኡ ግን ብልዝብ ክኸውን ኣለዎ ዝብል ምስ’ቲ ናይ ቀዳማይ ሚኒስተር ዘይሳነ፡ ናይ መርገጻት ከንጸባርቕ ተሰምዐ።

ስርዓት ኤርትራ፡ ነቲ ጸላኢ ጸላኢየይ ፈታውየይ ዝብል ስልቱ ኣብ ግብሪ ዘውዕለሉ ዕድል ስለዝረኸበ፡ ነቲ ዶብና ከይተመልከተ ወይ ከይተሓንጸጸ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣይንላዘብን ዝብል እውጅ መርገጹ ገዲፉ፡ ብመንጐኝነት ኣመሪካ ምስ መራሕቲ ኢትዮጵያ ንንውሕ ዝበለ ግዜ ካብ ህዝቢ ተኸዊሉ ብምስጢር ክራኸብ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ብ20 ሰነ ልኡኽ ናብ ኢትዮጵያ ክሰድድ ምዃኑ ኣፍለጠ። ንኻልኣይ ግዜ ድማ፡ “ጸላኢ ጸላእየይ ፈታውየይ” ካብ ዝብል ፖሊሲኡ ተበጊሱ፡ ብዑስማን ሳልሕ፡ ሚኒስተር ወጻኢ ጕዳያት ኤርትራን የማነ ገብርኣብ፡ ኣማኻሪ ፕረሲደንት ኤርትራን ዝምራሕ ልኡኽ ናብ ኣዲስ ኣበባ ለኣኸ።

ስዒቡ ድማ፡ ንኢትዮጵያ ብጽሖት ድሕር ምግባሩ፡ ብዘስደምም ፍጥነት፡ ኤምባሲታት ክኽፈት፡ ነፈርቲ ካብን ናብን ክልቲኡ ሃገራት ክበራ፡ ወደባት ኣብ ኣገልግሎት ክልቲኡ ሃገራት ክውዕል፡ ጽርግያታት ክሕደሱ፡ ተጓዓዝቲ ክልቲኡ ሃገራት ቪዛ ኣብ ኣየርፖርት ናይ’ቲ ዝኣተውሉ ሃገር ክወስድ ወዘተ ዝብል ስምምዓት ኣብ ግብሪ ክውዕል ይርአ ኣሎ።

ጕዳይ ምምልካት ዶብ ግን ኣብ’ዚኣ ዝብሃል ዘይብላ ህጥም ኢላ ተረፈት። ብኣንጻሩ፡ …ዶብ ወይ ድንበር ኣይዓግተናን ኢዩ…፡ ብፍቕርን ይቕሬታን ሰጊርናዮ ኢና፡ …እናተባህለ ብዳንኬራን ብጫውጫውታን ኢዩ ዝሕለፍ ዘሎ።

ዘበን ግርምቢጥ ማይ ንዓቐብ እዩ ኮይኑ ነገሩ። ዶብ ከይተሓንጸጸ ምምሕያሽ ዝምድናታት (normalization) ብዘስደምም ፍጥነት ንቕድሚት ክውንጨፍ ኢዩ ዝርአ ዘሎ። እቲ ን20 ዓመታት ኮለል ዘበለና ጭርሖታት ደኣ ኣበይ ኣተወ?

እዚ ናይ ዳንኬራ መድረኽ፡ ልክዕ ከም’ቶም ቀዳሞት ናይ ዳንኬራ መድረኻት ምስ ሓለፈ፡ እቲ ዝናብን ማዕበልን ምስ ሃደአ፡ እቲ ፍታሕ ዝደሊ ጕዳያት ባዕሉ ኣብ ቅድሚ ክልቲኦም መራሕቲ ክድቀን ኢዩ። እቲ ሰይጣን ኣብ ዝርዝር ኢዩ ዘሎ ዝብሃል ምስላ ድማ ክመጽእ ምዃኑ ብሩህ ኢዩ። ነዚ ተበጺሑ ዘሎ ስምምዕ ብኸመይ ንተግብሮ ምስ ተባህለ፡ ፍልልያትን ዋጢጥን ዘይተርፍ ምዃኑ ርዱእ ኢዩ። ሽዑ’ኸ፡ ክልተ ጐርሓት ሓሙኽሽቲ ስንቆም እንታይ ኢዮም ክገብሩ ዝፍለጥ የለን። ወዲ ድሙ ነይገድፍ ግብሪ እሙ ኢልካ ጥራሕ ምሕላፉ ኢዩ ዝምረጽ።

ስለ’ዚ፡ ካብ ጉይይ ምውዓል ክሳድ ምሓዝ ስለዝዀነ፡ ብመጀመርያ ዶባትና ምምልካትን ወይ ምንጻርን ልዑላውነት ሃገርና ምውሓስን ዕሽሽ ዘይብሃሎ ዕላማ ህዝብናን ሰማእታትናን ስለዝዀነ፡ ብዘይ ውዓል ሕደር ኣብ ግብሪ ክውዕል ኣለዎ ኢልና ክንድርኽ ይግብኣና። ኣብ ርእስ’ዚ ድማ፡ ጸገም ህዝቢ ኤርትራ ጕዳይ ዶብ ጥራሕ ስለዘይኰነ፡ ነቲ ህዝብና ብድሕሪ ሃገራዊ ናጽነት ምጕንጻፉ ተሓሪምዎ ዘሎ መሰረታዊ ሓርነታትን መሰላትን ንምርግጋጽ ህዝቢ ኤርትራ ልክዕ ከም’ቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝገበሮ ዓው ኢሉ ድምጹ ከስምዕን ንምርግጋጹ ዘድሊ ዋጋ ክኸፍልን ክብገስ ኣለዎ።

ስለ’ዚ፡ ህዝቢ ኤርትራ ከልዕሎም ዘለዎ እዋናዊ ጠለባት፡-

  1. ኤርትራ ብቕዋምን ግዝኣተ-ሕግን ክትመሓደር፤
  2. ናይ ፖለቲካን ናይ ሕልናን እሱራት ክፍትሑ፤
  3. ደረት ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት ክተርፍ። ብሕግን ብግዜን ዝተወሰነ ኣገልግሎት ጥራሕ ክኸውን፤
  4. መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራዊ ዜጋ ከይተሽራረፉ ኣብ ግብሪ ክውዕሉ፤
  5. ተቓወምቲ ስርዓት ህግዲፍ ብናጻ ኣብ ሃገሮም ዝንቀሳቐስሉ ባይታ ምፍጣር፤
  6. ናይ ዕርቅን ይቕረ ምብህሃል መድረኽ ምኽፋት።

ላም ፍርቂ ጐድና ኣይትዓብር፡ ፍርቂ ጐድና ኣይትሃጥር ከምዝበሃል፡ እቶም ኣብ ሃገሮም ዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን ከረጋግጹ ዝደልዩ መንግስታትን መራሕትን ድማ ኣብ ኤርትራ እውን ንኽረጋገጽ ካብኦም ዝጥለብ ሓገዛት ከበርክቱ ይግባእ።

Last modified on Saturday, 21 July 2018 08:51