ኣብ ክንዲ ንከላላእ፡ ንመላላእ

2018-05-12 21:22:52 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 2697 times

ርእሰ-ዓቀጽ ሰዲህኤ

“ሰዲህኤ ናይ ህዝቢ ኤርትራ፡ ሃይማኖታዊ፡ ብሄራዊ፡ ቀቢላዊ፡ ባህላውን ቋንቋውን ብዙሕነት ይኣምንን ከም ሃገራዊ ቅሙጥ ጸጋን ሓይልን ይቖጽሮን።” (ካብ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ሰዲህኤ ዓንቀጽ 1፡1፡2 ዝተወስደ)

ኤርትራውያን ብብዙሕ መልከዓት ዝግለጽ ብዙሕነት ኣለና። ቋንቋታትና፡ ባህልታትና፡ እምነታትና፡ ብሄራትና .. ወዘተ ናይዚ ኣብነት እዮም። ካብዚ ሓሊፉ ኣብ ፖለቲካዊ መዳይ ኣብ እንወዳደረሉ እውን ናይ ኣተሓሳስባ ብዙሕነት ነይሩናን ኣለናን። ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልስና ጀብሃን ሻዕብያን ንበሃሃል ዝነበርና፡ ኩሉና ኤርትራውያን ክነስና ናይ ኣተሓሳስባ ብዙሕነት ብምፍጣርና እዩ። ኣብ ክንዲ ነዚ ብዙሕነት ተቐቢልና ንፍልልያትና ኣመሓዲርና ኣብቲ ብሓባር ዝብጸሓና ሃገራዊ ጉዳይ ብሓደ ምስራሕ ነቲ ዝፈላሊ ኣጉሊሕናን ክሳብ ናይ ግዳም ሓይሊ ዓዲምናን ኣብ ውግእ ሕድሕድ ምእታውና ከኣ ከም ናይ ድኽመትና መግለጺ ኮይኑ ዝተሰነደ እዩ። እዚ ከኣ ፍልልያት ብግቡእ ክመሓድር እንከሎ ዓቕሚ ብግጉይ ክተሓዝ እንከሎ ከኣ ጠንቂ ውድቀት ከም ዝኸውን ዘርኢ እዩ።

ኣብ ዕለታዊ ህይወትና ነቶም ነናትና ናይ ብዙሓነት መግለጺ ዝያዳ ከነቕልበሎም ባህርያዊ እዩ። ከምኡ ምግባርና ከኣ ዘነውረና ኣይኮነን። ኣብ ሃይማኖትና ንግደስ፡ ንቋንቋና ዝያዳቲ ካልእ ነፍቅር። ኣብቲ ካልእ ናይ መንነት መለለይናን ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባናን’ውን ከምኡ። ነዞም ተገዳስነታት እዚኣቶም በይኖም ነጺልና ከነበርኾም ክንፍትን እንከለና ግና እቲ ውጽኢት ሰላም ዝህብ ኣይኮነን። ስለዚ ኣብቲ መንነትና ዝገልጽ መለለይና ክንግደስ እንከለና ነቲ ናይ ካልኦት ናይ መንነት መለለይ’ውን ኣብ ግምት ከነእትዎን ከነኽብሮን ናይ ግድን እዩ። ብጸቢብ ስምዒት ኣብ ናትና ጥራይ እነተኩር እንተኮይና ግና ኣተሓሕዛና ጐደሎ እዩ ዝኸውን። ጐደሎ ከኣ ጐደሎ እዩ ዘስዕብ። ብዛዕባ ቋንቋና ክንግደስ እንከሎና ነቲ ናይ ካልኦት ቋንቋ ጸጋና ምዃኑ ክንዝንገዖ ኣይግበኣና። ኣብቲ ካልእ ናይ ብዙሕነት መርኣያና እውን ከምኡ።

እቶም ነናትና ቋንቋ፡ ሃይማኖት፡ ባህልን እምነትን ፈሊና ከነበርኽ እንሓስብ፡ ዝመረጽናዮ መንገዲ ናይ ድሓን ዘይምዃኑ ክርደኣና ይግባእ። እዚ ሓሳብና በይኑ ክስጉም ኣይክእልን እዩ። ምእንቲ’ዚ ነቲ “ናተይባ ናትካባ” ዝሕመረቱ ምንጽጻግ ኣወጊድና፡ ናይ “ኢደይኢድካ” ምምልላእ ባህሊ ከነተኣታቱ ይግበኣና። ካብዚ ሓሊፉ ነቲ ሓደ ዝገብረና ላዕለዋይ ጠማሪ ክብሪ ሃገር ዘንጊዕና፡ ኣብ ምሕብሓብ ጸበብቲ ስምዒታት እንተተጸሚድና እቲ ንኩለንተናና ዝሓቁፍን ዘጽልልን ኤርትራዊ መንነትና ክሃጉግ እዩ። ኤርትራውነት ኣብ ዝሃሰሰሉ ከኣ ዝገበርና እንተገበርናን ናይ ሓደ ውሱን ወገን ናይ መንነት መለለይ ኣንጊስና ንመርሽ እንተኢልናን ኤርትራዊ ምሉኡነት ከም ዝጐድለና ርዱእ እዩ። ምሉእነት ዝተዘንገዓሉ ጉዕዞ ከኣ ናይ ግዜ ጉዳይ እንተዘይኮኑ መወዳእትኡ ወዳቒ እዩ።

ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኤርትራዊ ደንበ ተቓውሞና ብዙሓት ነናቶም ኣተሓሳስባ ዝውንኑ ፖለቲካዊ ውዳበታት ኣለዉና። እዚ ብዙሕነት ከምቲ ንገለ ወገናት ዝመስሎም ኣባና ዝጅመር ዘሎ ኣሉታዊ ሓድሽ ምዕባለ ዘይኮነ፡ ካብ ነዊሕ ግዜ ኣብ ደቂ ሰብ ዝኽሰት ዝነበረን ዘሎን መርኣያን ነጸብራቕን ናይ መሰል ምውዳብን ሓሳብካ ምግላጽን እዩ። ብእምነትና ብዝሒ ውድባት ኣብ ብዝሒ ዝተፈላለየ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ ዝምርኮስ እዩ። ካብዚ ሓሊፉካ መሰረታዊ በይንኻ ንክትውደብ ዘገድደካ ፍሉይ ኣተሓሳስባ ኣብ ዘይብልካ ውድብ ምዃን፡ ዘይተደላይ ዓቕሚ፡ ንብረትን ግዜን ካብ ምብኻን ሓሊፉ ካልእ ትርጉም ኣይህልዎን። ክንውደብ እንከለና ነቲ ኣተሓሳስባና እነተግብረሉ ውዳበና፡ ክንግደሰሉ፡ ከነዕብዮ ኣድላይ እንተኮይኑ እውን ክንስወኣሉ ባህርያዊ እዩ። እዚ እንኸፍሎ ኩለመዳያዊ ዋጋ ነቲ ካልእ ውዳበታት፡ ግቡእ ግምትን ክብርን እንተዘይሂቡ እቲ ናትና በይኑ ክዕወት ኣይክእልን እዩ። ኣብ ከምዚ ዓይነት ሰላማዊ ናይ ኣተሓሳስባ ውድድር እንተ ክትስዕር ወይ ክትሰዓር ነብሱ ዝኸኣለ ቀጥዒ ዘለዎ መስርሕ እምበር ከከም ዝደረፍካዮ ዝኽየዶ ኣይኮነን። ምክብባር ጥራይ ዘይኮነ ኣብቲ ሰላማዊ መስርሕ ክትመላላእ እውን ናይ ግድን እዩ። ካልእ ናብ ዓወት ዘብጽሕ መወዳደሪ ኣገባብ ስለ ዘየለ። ምውድዳር ካልእ ገጽ ናይ ምትሕብባር እምበር ጽልኢ ምዕዳም ኣይኮነን።

ሚዛናውነት ኣገዳሲ እዩ። ኣብ ጉዳይ ርኢቶና፡ ውዳበና፡ መንነትና ክንግደስ እንከለና እዚ ተገዳስነት ምስቲ ኣብ ጉዳይ መላእ ሃገርን ህዝብን ዘለና ተገዳስነት ሚዛኑ ዝሓለወ ክኸውን ናይ ግድን እዩ። እቲ ሚዛናውነት እንተዘቢሉ ግና እቲ ውጽኢት እውን ዘባል እዩ ዝኸውን። ከምቲ ንቋንቋና፡ ሃይማኖትና፡ ብሄርና፡ ወይ ብሓፈሻ ንፖለቲካዊ ኣተሓሳስባና እንግደሶ እቶም መወዳድርትና እውን ነቲ ናቶም ከምኡ ከም ዝግደሱ ምዝካርን ኣፍልጦ ምሃብን ፈጺሙ ክስገር ዘይግበኦ እዩ። ናብዚ ክትበቅዕ፡ ተጸዋርነትን ኣስፊሕካ ናይ ምርኣይን ሓላፍነት ዝሓትት እዩ። ነዚ ከይበቓዕካ ንሃገር ኮነ ንህዝቢ ፍሉይ ተሓላቒ መሲልካ ነናብ ኢድካ እንተሰሓብካዮም በይንኻ ክትዕወት ኣይትኽእልን።

በበይኑ ዝወፍር ድሌታት፡ ስምዒታትን ኣተሓሳስባታትን ብሓደ ገዛኢ ሕጊ እንተዘይተወዚቡ ብማዕዶ ማዕዶ ክውገን ኣይክእልን እዩ። እቲ ኣብ መንጎ ውድባትን ሰልፍታትን ምናልባት እውን ኣብ ማሕበራት ዝኽተም፡ ስምምዕ፡ ቻርተር ወይ ካልእ ስም እንህቦ ቃልኪዳናት ናይዚ ኣብነት እዩ። እንተኾነ እዚ ቃል ኪዳናት ሓቢርና ክንጐዓዝ ዝሕግዘናን ንከምድላይካ ናይ ምዕንዳር ድሌታትና ዝድርት ክነሱ ኣይነኽብሮን። ኣብዚ ከኣ ነቲ ኣከኣኢልካን ኣመዛዚንካን ናይ ምኻድ ፈተና ኣይንሓልፎን። ናይ ክሳብ ሕጂ ኩነታት ደንበ ተቓውሞና ከኣ ነዚ እዩ ዘርኢ። እዚ ኣገባብዚ ግድን ክንሰግሮ ዘለና እምበር ካልእ ኣቋራጭ መማረጺ የብልናን።

እቲ ኣብዚ እዋንዚ ዘለናዮ ሃለዋት ብምክብባር ጥራይ ኣይኮነን ዝስገር። ምምልላእ ክንውስኸሉ ናይ ግድን እዩ። ከምቲ “ኣደ ትብሎ ንጐይበይ ጓል እትብሎ ከኣ ንገዝመይ” ዝበሃል እቲ እንሓስቦ ምእንቲ ሓንቲ ሃገርን ሓደ ህዝብን ስለ ዝኾነ ዓወቱ በየናይ ውድብ ወይ ሰልፊ መጺኡ ብዘየገድስ ናብ ሓደ ህዝባውን ሃገራውን ፈለግ ከም ዝውሕዝ ክንዝንግዕ የብልናን። ኣብዚ ሸነኻዊ ስምን ዝናን ክንረክብ ክንብል ኣብ ክንዲ ንመላላእ፡ ክንከላላእ ኣይግበኣናን እዩ።

Last modified on Saturday, 12 May 2018 23:30