ኤርትራ’ሞ ናይ ኩልና ኤርትራውያን’ያ

2018-03-30 21:15:52 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 2606 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

“ኤርትራና ኩሕሎ” ክንብል እንከለና እቲ ዘይሓልፍ መሬታ ምስ ባሕራን ህዝባን ማለትና ምዃኑ ንጹር እዩ። እቲ ንዓኣ ከከም ግዜኡ በብዝጥዕሞ ዘመሓድር ዘሎን ዝነብረን መንግስትን ሕግታቱን ግና ሓላፊ እዩ። ብመንጽርዚ ንኤርትራን ህዝባን ኣብ ትሕቲ ዝተፈላለዩ መንግስታትን ምምሕዳራትን ክሓልፉ እንከለዉ ኤርትራን ህዝባን ግና ከም ወትሩ ህያው እዮም። ኣርዑት ጉጅለ ህግደፍ ከኣ እነሆ ታርኡ በጺሕዎ ህዝብናን ሃገርናን እኳ እንተማሰነ፡ ክሓልፍ እዩ። ጉጅለ ህግደፍን ምምሕዳሩን ከምቶም ዝሓለፉ ክሓልፉን ኤርትራን ህዝባን ግና ክቕጽሉ ውሁብ እዩ። ድሕሪ ህግደፍ ኤርትራን ህዝባን እንታይ ዓይነት ምምሕዳር ክገጥሞም እዩ? ካብዚ ሕጂ ዘሎ ዝሓሸዶ ዝገደደ? ከኣ ናይዚ ነካይዶ ዘለና ናይ ለውጢ ቃልሲ ውጽኢት ዝውስኖ እዩ። ኤርትራ ናይ ኩልና ኤርትራውያን እትኸውን ከኣ ብናይ ኩልና ቃልሲ፡ ሓልፍነትን ልቦናን ጥራይ እዩ።

መንግስታት ብባህሪኦም ኣገደድቲ እዮም። ግና ኣይከም ህግደፍን። ሃገርን ህዝብን ጐዓጺጾም ኣብ ረብሓኦም ንምውዓልን ዕድመ ስልጣኖም ንምንዋሕን ካብ ምሕላን ንድሕሪት ኣይብሉን። ነዚ ንምዕዋት ከኣ ንገዛእ ርእሶም ምስቶም ዘይሓልፉ ሃገርን ህዝብን ከም ቁርዲድ ይጣበቑ። ብኣንጻሩ እታ ሃገር’ኳ ከም ሰብ ኣፍ ኣውጺኣ እንተዘይተዛረበት፡ ህዝቢ ግና እቲ ዘመሓድሮም መንግስትን ዘመሓድረሉ ሕግን ኣንጻር ረብሓኡን መሰሎን ክኸውን እንከሎ፡ ከቶ ሓንጐፋይ ኢሎ ከምዘይቅበል ብተመኩሮታት ዝተረጋገጸ እዩ። ንተመኩሮ ህዝቢ ኤርትራ ንድሕሪት ተመሊስና ብምድህሳስ ምስዚ ሕጂ ዘሎ እንተዛመድናዮ’ውን ነዚ እዩ ዘርእየና። ህዝብና ኣይኮነንዶ ኣብዚ ሎሚ ንመሰልካን ናጽነትካን ምቅላስ ሰማዒ እዝኒ ዝረኸበሉ፡ ካብ ቅድም እውን ዓቕሚ ውሒድዎን ኢድ ሓጺርዎን እንተዘይኮይኑ ኣንጻር ብስሙ ዝምሕል ግና ድማ ንረብሓኡ ዘይሰርሕ መንግስትን ሕግታቱን ናይ ዘይምቕባል ሃብታም ተመኩሮ ኣለዎ።

ጉጅለ ህግደፍ፡ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ነጺልካ ኣብ ዝረኣየሉ፡ ከም ዝጥቃዕ ስለ ዝርዳእ፡ ብጭረሖ ኮነ ብሜላ ካብ ህዝቢ ክፍለ ኣይደልን። “ንሕና ህዝቢ ንሕና ሃገር” ዝብል ዘይጭበጥ ጭረሖኡ ድማ ነዚ ዘመልክት እዩ። ህዝቢ ሰሚሩ “ሃገርን ህዝብን ነበርቲ እዮም፡ ስርዓታት ግና ሓለፍቲ’ዮም” ዝብል ተረድእኡ ከይዓኩኽ ከኣ ሜላ “ከፋፊልካ ግዛእ” ይጥቀም። እቲ ምክፍፋል በብግዜኡ ዝሕደስን ብብዙሕ ረቀቕቲ ኣገባባት ተቐሚሩ ዝቐርብን እዩ። እቲ ጉጅለ ከም መከፋፈሊ ካብ ዝጥቀመሎም፡ ሃይማኖት፡ ዕድመ፡ ጾታ፡ ብሄር፡ ደረጃ መነባብሮን ትምህርትን፡ መዳይ ስራሕ፡ ደረጃ ተመኩሮ ኣብ ቃልስን ከባብን ከም ኣብነት ዝጥቀሱ እዮም። እቲ ስርዓት ብግብሪ ናይ ኩሎም ኤርትራዊ ኣካላት ጸላኢ ክነሱ፡ ኣብ ዝተወሰነ መድረኽ ንሓደ ወገን የቕርብ ነቲ ካልእ ከኣ የርሕቕ። እቲ ናይ ከፋፊልካ ምጥቃዕ ከምኡ ኢሉ ይቕጽል። ንሓንሳብ ንምሁር የቕርብ ነቲ ዘይተማህረ ዝብሎ የርሕቕ። ንሓንሳብ ንገጠር ይሕለቕ ንከተመኛ የነኣእስ። ንዝተማህረን ዘይተማህረን፡ ንመንእሰይን ዓብይን፡ ንጓለንስተይትን ወዲ ተባዕታይን፡ ንሲቭልን ወተሃደርን፡ ኣብ ሃገር ንዝነብርን ኣብ ወጻኢ ዘሎን፡ ንክስታናይን ኣስላማይን፡ ንዋርሳይን ይከኣሎን፡ ንከበሳን መታሕትን… ወዘተን ከኣ ከምኡ ኤርትራ ናይ ኩሎም ምዃና ኣረሲዑ፡ እንዳናቖተ ከም መናውሒ ዕድመ ክጥቀመሎም ንዘይሰምረሉ ይፍትን።

ኣብዚ እዋንዚ ኤርትራውያን ኣብቲ ዘይሓልፍ ኤርትራውነት ሓደ ክንስና፡ ኣብቲ ዝሓልፍ ኣተሓሳስባታት ግና ፍልልያት ኣለና። ገሌና ኣንጻር ጉጅለ ህግደፍ ንመሰረታዊ ለውጢ ንቃለስ። ገሊኦም ድማ ጸረ ህዝቢ ተግባራቱ ጠፊእዎም ዘይኮነስ፡ ንዓኡ ምጽራር ንኤርትራን ህዝባን ምኽሓድ ኮይኑ እንዳተሰመዖም ምስ ጉጅለ ህግደፍ ይለሓጉ። ውሑዳት ደኣ ይኾኑ እምበር፡ በቲ ሓደ ኤርትራ ናይ ኩልና ምዃና፡ በቲ ካልእ ከኣ ናይ ህዝብን ሃገርን ነባርነትን ናይ መንግስቲ ግዝያውነትን እንዳተረድኡ፡ ኮነ ኢሎም ናይ ዘመን ህግደፍ ተጠቀምቲ ንክኾኑ ንህዝቢ በዲሎም ነቲ ጉጅለ “ምሳኻ ሞተይ” እንዳበሉ ኣብ ርእሲ ስኻሩ ዘሻህርትዎ ኤርትራዊ ወገናት ከም ዘለዉ ፍሉጥ እዩ። እዚ ጥራይ ኣይኮነን፡ ከምቲ “ኮር ተገልበጥ” ዝበሃል እቶም ንሓላፊ ዘይጥዑይ ምምሕዳር ህግደፍ ዝተቓወሙ ከም ኣንጻር ኤርትራዊ ሃገራውነትን ልዕልና ህዝብን ዝግለጽሉ፡ እቶም ናይቲ ጉጅለ ኣሳሰይቲ ድማ ቀዳማይ ቀጸላ ሓለውቲ ኤርትራውነት መሲሎም ወዛሕዛሕ ዝብልሉ ኣጋጣሚ’ውን ይረአ እዩ።

መራሒ ህግደፍ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቅ ዳርጋ ድሕሪ ዓመት ምክያድ ረፈረንዶምን ምውሓስ ልኡላውነት ኤርትራን ኣቢሉ፡ ብጋዜጠኛ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ “ድሕሪ ናጽነት ኣብ መንጎ ውድብን ህዝቢ ኤርትራን ዘሎ ዝምድና ኣብ ከመይ ደረጃ ይርከብ?” ዝብል ሕቶ ምስ ቀረበሉ “ውድብናን ህዝቢ ኤርትራን መንዩ ክልተ ተዛመድቲ ኣካላት ገይርዎ?” ኢሉ ነቲ ሕቶ ብሕቶ ዝሃቦ መልሲ ዘገርም ነይሩ። እዚ ነቲ “ዝተወሰኑ ኣባላት ዝሓቁፍ ውድብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ክሰርዕ ዝደናደኖ ዝነበረ ዘርኢ እዩ።

ነዚ ንክጥዕሞም ድማ ከምቲ ገዛእቲ ሓይልታት ንናጽነቱን ንመሰሉን ንዝቃለስ ኤርትራዊ ዝህብዎ ዝነበሩ፡ “ናይ ዓረብ ተለኣኣኽን ናይ ፔትሮ ዶላር ሽዩጥን” ዝብሉ ደወንቲ ሓረጋት፡ ሎሚ እውን ካብዚ ናይ ግዜ መግዛእቲ ግጉይ ቅኒት ብዘይተፈልየ፡ ነቲ ንጉጅለ ህግደፍ ካብ ክብርን ቀጻልነት ኤርትራን ህዝባን ፈልዩ፡ ኣንጻሩ ዝቃለስ ናይ ለውጢ ሓይሊ፡ ዝተፈላለዩ ካብ ህዝቢ ይንጽሎ’ዩ ዝብልዎ ፈጠራዊ ቅጽላት ክህቦን ምስ ጸላእተይ ዝብሎም ከዛምዶን ምስማዕን ምንባብን ዝተለምደ እዩ። እቲ ጉጅለ ምእንቲ ኣብ እንግደዓ ህዝብና ክነብር ኩሉ የገልግለኒ ዝብሎ ኣእማን እንተፈንቀለ ትጽበዮ’ምበር ሃንደበት ኣይኮነን። ምኽንያቱ ናይ ምንባርን ዘይምንባርን ጉዳይ ስለ ዝኾኖ። እቲ ዘሕዝን ናይቶም ረብሓኦም ኣንጻር’ቲ ጉጀለ ምስ ዝግበር ቃልሲ ክነሱ፡ ናቱ ተሓዝቲ ጽላል ዝኾኑ እዩ።

በቲ ይኹን በዚ ግና እንተገደደስ ግዜ ደኣ ይወስድ እምበር፡ ጉጅለ ህግደፍ ተሳዒሩ ክሓልፍ እዩ። እቶም ዘይሓልፉ ኤርትራን ህዝባን ከኣ ንኡስ ፍልልያትና ኣብ ቦታኡ ኮይኖም፡ ናይ ኩልና ኤርትራውያን ኮይኖም ክቕጽሉ እዮም።

Last modified on Friday, 30 March 2018 23:21