መግለጺ ኣቦ መንበር ሰዲህኤ ብዛዕባ’ቲ ብስም ሰልፍና ኣብ መስከረም.ነት ዝወጸ ጽሑፍ

2018-01-15 19:51:02 Written by  መንግስተኣብ ኣስመሮም Published in EPDP Editorial Read 4092 times

ብ12 ጥሪ 2018 “መግለጺ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)” ዝብል ጽሑፍ ኣብ መስከረም.ነት ከምዝወጸ ርኢና።

 

ሰዲህኤ፡ ዕላማታቱ፡ መደብ ዕዮታቱን ቅዋማቱን ኣብ ጕባኤታት ዘጽድቕ፣ መሪሕነቱ ብጕባኤታት ዝመርጽን ዘውርድን ሰልፊ ኢዩ። ኣብ’ቲ ኣብ ሓምለ 2015 ዘካየዶ 2ይ ውድባዊ ጕባኤኡ ድማ፡ ፖለቲካውን ውድባውን መደብ ዕዮኡ ኣጽዲቑ፡ 33 ቀወምትን 4 ተጠባባቕትን ዘለዉዎ መሪሕነት ድማ ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ መሪጹ። ካብ’ዞም 37 ኣባላት ማእከላይ መሪሕነት፡ ካብ ኣባልነቶም ዝሰሓቡን ምስ’ዚ መግለጺ ዘውጽአ ተፈንጫሊ ሸነኽ ዝርከቡን 5 ጥራሕ ኢዮም።

 

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ምስ ምሉእ ሕጋዊ ቍጽሪ መሪሕነቱ (ልዕሊ ክልተ-ሲሶ)፣ ናይ ቍጠባ (ባንክን ሕሳባቱ)፡ ዜናን (ወብሳይት፡ ረድዮታት፡ መጽሔታት) ውደባን (ብዞባታትን ጨናፍን ተወዲቦም ዘለዉ ኣባላቱ) ናይ ዲፕሎማስያዊ ትካላቱን ዝቕጽል ዘሎ ህያው ሰልፊ ኢዩ።

 

እዞም፡ ነንሓድሕዶም ተመራሪጾም፡ ብስም “ሰዲህኤ” ዝንቀሳቐሱ ዘለዉ፡ ንህዝቢ ንምድንጋር እንተዘይኰይኑ፡ ንሰዲህኤ ክውክሉ ዘኽእሎም ሕጋዊ መቆሚታት ስለዘይብሎም ሰልፍና ኣይፈልጦምን ብዝገብርዎ ተዋስኦታት ድማ ኣይሕተትን ኢዩ።

 

 

ኣብ መስከረም.ነት ዝርኣናዮም፡ ኣብ ጕባኤ ዘይተመርጹ ኣባላት መሪሕነት ኢና ዝብሉ ዝርከብዎም፡ ምስ ቍንጣሮን መብዛሕትኦም ከኣ ኣብ ኣመሪካ ዝርከቡን ሰዓብቶም፡ ኣብ ውሽጢ ሰልፊ ንንውሕ ዝበለ ግዜ ክዘርጉ ፈቲኖም ስለዘይተዓወቱ፡ ክፍንጨሉ ዝመረጹ ኣባላት ሰዲህኤ ነበር ምዃኖም ንህዝብና ከነፍልጥ ንፈቱ። እቶም 21 ኣባላት ማእከላይ ባይቶ ዝብልዎም ድማ፡ መን ምዃኖም ስለዘይተፈልጡ ሕጂ ብዛዕብኦም ንምዝራብ ኣይከኣልን ኢዩ።

 

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ንዝዀነ ይኹን ኣካል ብወለንታኡ ካብ ሰልፊ ወጺኡ ካልእ ሰልፊ ከቕውም ይኹን ዝደለዮ ስም ክመርጽ ክኽልክል ኣይክእልን ኢዩ፡ ብስሙ ንዝግበር ዘይሕጋዊ ምንቅስቓስን ምድንጋርን ግን ኣትሪሩ ከምዝቃወሞ በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ክንሕብር ንፈቱ።

 

ህዝቢ ኤርትራ ድማ፡ ንኸም’ዚ ዝኣመሰለ፡ ካብ ሕግን ሞራልን ወጻኢ ዝዀነ ስነ-ምግባር ክዅንንን ንዲሞክራስያዊ ውሳኔን ኣሰራርሓን ክጣበቕን ንጽውዕ።

 

ብምፍንጫል ዝረጋገጽ ዓወት የለን

 

መንግስተኣብ ኣስመሮም

ኣቦ መንበር ሰዲህኤ

15 ጥሪ 2018

Last modified on Tuesday, 16 January 2018 10:09