እቲ ክንገብሮ እንኽእል’ሞ ዘይንገብር

2017-12-12 11:48:03 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 3372 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ኣብ ኤርትራ ርግኣት፡ ልዕልና ሕግን ዕቤትን ዘውሕስ ለውጢ ንምምጻእ እንቃለስ ዘለና ኣካላት ኣብ ጽላል ዝተፈላለየ ውዳበታት ክም ዘለና’ኳ ርዱእ እንተኾነ፥ ብጉዳይ ሃገር ግን ክንፈላለ ኣይግባእን። ከምኡ ስለዝኾነ ክኣ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣኼባታት፡ ጉባአታት፡ ሰላማዊ ሰልፍታትን ዝኣመሰሉ ኣጋጣምታትን ንራኸብ ኢና። ወትሩ ከኣ ብዛዕባ ሃለዋት ህዝብናን ሃገርናን ፖለትካዊ ዝርርብ ምግባርና ኣይተረፈን። ኣብዚ ወግዓዊ ይኹን ዘይወግዓዊ ርክባትና ንሰማምዓሎምን ዘይንሰማመዓሎምን ዛዕባታት የጋጥሙና እዮም። ምናዳ ምናዳ ቅንዕናን ሓልዮትን እንተተወሲኽዎ፡ እቶም እንሰማመዓሎም ካብቶም ዘይንሰማመዓሎም ከም ዝበዝሑ  ርዱእ እዩ። ዕምቆት ግፍዒ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝብና መሪር ምዃኑ ኣይንፈላለየሉን። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ኣርዑት ህግደፍ ዝሓልፎ ዘሎ መሪር ህይወት ክትኣምኖ ክሳብ ዘጸግም ዘስካሕክሕ ምዃኑ የሰማመዓና’ዩ። እዚ ክሳብ ክንድዚ በደሉ ሰማይ ዝዓረገ ርጉም ጉጅለን ናይ ጭቆና መሳርዑን ይወገዱ ኣብ ዝብል እውን ንረዳዳእ። ካብዚ ሓሊፉ፡ ሓድነትና ምስጢር ዓወትና ምዃኑ፡ በዚ ዘለናዮ ናይ በበይንኻ ወፍሪ ለውጢ ከነረጋግጽ ከምዘይንኽእል .. ወዘተ ኣብ ዝብሉ ሓሳባት እውን መሰረታዊ ፍልልይ የብልናን።

ነዚ ኣቐዲሙ ግናይ መንነቱ ዝተገልጸ ሳራም ጉጅለ ህግደፍ ጸራሪግካ ኣብ ኤርትራ ሰላም፡ ደሞክራስን ዕቤትን ዘውሕስ ኩነታት ምፍጣር ከም ዘድሊ ከኣ ናይ ኩልና እወታ ዘለዎ መፍትሒ ምዃኑ ወርትግ እንኮማስዖ ናይ ሓባር መደምደምታና እዩ። እዚ ዘርእየና ሓባራዊ ናይ ለውጢ ድሌትና ህያው ምዃኑ እዩ። ሓደ ጉዳይ ንክትፍጽም ድሌት ምሕዳር ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚት ምዃኑ ዘይከሓድ ኮይኑ፡ ብተግባር እንተዘይተሰንዩ ግና እቲ ድሌት ሕልሚ ኮይኑ እዩ ዝተርፍ። ርግጽ እዩ ሓደ ጉዳይ ስለ ዝደለኻዮ ጥራይ ዘይክፍጸም ይኽእል። ነዚ ምኽንያት ካብ ዝኾኑ ጉዳያት ሓደ ማዕረ ድሌትካ ዝምጥን ዓቕሚ ዘይክህልወካ ስለ ዝኽእል እዩ። በዚ መሰረት ኣብ መንጎ ድሌትን ናይ ምርግጋጹ ዓቕምን ፍልልይ እንተተራእየ ዘገርም ኣይኮነን። ዓቕሚ ኣብ መስርሕ ክጥረ ስለ ዝኽእል፡ ሎሚ ዘይተተግብረ ጽባሕ ብዝፍጠር ዓቕሚ ክምላእ ስለ ዝኽእል። እቲ ቀንዲ ጉዳይ ሎሚ ኣብ ኢድካ ብዘሎ ዓቕሚ ክትብገስ ምኽኣልን ዘይምኽኣልን እዩ ዝኸውን።

ክግበር ኣለዎ ኢልካ እትእምነሉን እትደልዮን እንዳዘመርካ ጥራይ ምንባር ግና ግጉይ እዩ። ግጉይ እዩ ጥራይ ዘይኮነ ኣብቲ “ከምዚ ክግበር ይግባእ” እትብሎ ንዘለካ መርገጺ ኣብ ምልክት ሕቶ ዘውድቕ እውን እዩ። “ጉጅለ ህግድፍ ክውገድ ኣለዎ” እንዳበልና ነዚ ግብራዊ ናብ ዝገብር ገጽና እንተዘይወፊርና ዘተሓታትት እዩ። እቲ ዝፈላልየና ኣተሓሳስባ፡ ኣብቲ ንሰማመዓሉ ሓቢርና ከይነድምዕ ጽልዋ የብሉን ማለት ኣይኮነን። እንተኾነ ናይቲ ዝፈላልየና ኣሉታዊ ጽልዋ ዝዳኸም ኣብቲ ዘሰማመዓና ሓቢርና ብምስራሕ  እዩ። ፍልልያትና ከነወግድ ንደኽመሉ ምኽንያት የብልናን። ኣብቲ ንሰማመዓሉ ዛዕባታት ብሓባር ብምስራሕ ናብ ዘይዕንቅፈና ደረጃ ምውራዱ ግና ግድነት ክንጽዕተሉ ዝግበኣና እዩ።

እቲ ብሓባር ከስርሕ ዝኽል መዋጸኦ ንምፍጣር ናይ ሓደ ኣካል ሓላፍነት ዘይኮነ፡ ኩሎም መሻርኽቲ ኣካላት ክሰርሕሉ ዝግበኦም እዩ። ናይ ኩሎም መዋጸኦ ሓሳባት ብሓላፍነታዊ ዘተን ልዝብን ረጊኡ ተሓቒኑ ምስ ጸዓየ እዩ ከኣ ናይ ሓባር መዋጸኦ ክኸውን ዝበቅዕ። “እዚ እዩ ናተይ ሓሳብ” ክንብል እንከለና፡ ካብቲ መኻይድና “እዚ ድማ ናተይ” ዝብል ዝተፈለየ ደሃይ ክንጽበ ይግበኣና። ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ውድባትና በዂሩ ዘሎ ከኣ እዚ እዩ እምበር፡ እቲ ድሌትስ ወትሩ ብመደረታት፡ ብኣዋጃትን መግለጽታትን ክንጸባረቕ ንዕዘቦ ኣለና። “እቲ ድሌት እንዳሃለወ ናብ ተግባር ንከይንሰግር ከሊሉና ዘሎ ዓለባ ሳሬት ደኣ እንታይ እዩ?” ዝብል ሕቶ ንምምላስ ብዙሕ ምናልባታት ምቕራብ ከም ዝከኣል ርዱእ እዩ።

ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ እቲ ደውታ መዓልቲ ክበልዕ ምስ ተዓዘበ፡ “እሞ እንታይ ደኣ ይገበር?” ዝብል ሕቶ ክምልስ ተበግሶ ወሲዱ ኣሎ። እዚ ተበግሶኡ ድማ በቲ ብ4 ሰነ 2017 ዘውጸኦ “ምዕቃብ ልኡላዊ ግዝኣት ኤርትራ፤ ምውዳቕ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍን ምልጋስ መሓውራት ጭቆናኡን፤ ድሕሪ ውድቐት ስርዓት ህግደፍ ኣብዝሓ ሰልፋዊ ስርዓት ዝሰረቱ ህዝባዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ምቛም፤ ግዝኣተ ሕግን ዲሞክራስያዊ መሰላትን መላእ ሓርነታትን ህዝቢ ምቕባል፤”  ዝብሉ ነጥብታት ዝሓዘ እማመኡ ኣነጺርዎ ኣሎ። ሰዲህኤ ነዚ ክእምም እንከሎ፡ ከምቲ “ኣብ ኢዱ ዘሎ ዝደርበየ ፈራሕ ኣይበሃልን” ዝበሃል፡ ድሕሪ ዓሚቕ መጽናዕቲ ዝበጸሖ ርኢቶ ንምቕራብ እንተዘይኮይኑ፡ “እቲ ቅኑዕ ርኢቶ ምሳይ ጥራይ እዩ ዘሎ” ካብ ዝብል በሓቲ ሰምዒት ከምዘይኮነን ደጋጊሙ ኣነጺሩ’ዩ። ብመሰረቱ እውን እማመኡ ጻዋዒት ንዘተ እምበር ናይ “ነዚ ተቐበሉለይ” ምሕጽንታ ኣይኮነን። እዚ ማለት ናይ ካልኦት ሰብ ጉዳይ መኻይዱ ዝተፈልየ ርኢቶ ክሰምዕ ምስ ልዑል ሃንቀውታ እዩ። ስለዚ ኢና ከኣ “እቲ ክንገብሮ እንኽእልከ ዘይንገብር?” ንብል ዘለና።

Last modified on Tuesday, 12 December 2017 12:54