እቲ ጸገም፡ ናይ ስርዓት ኢሳያስ ፖሊሲ ማሕበራዊ ምትዕርራይ (Social Engineering) ኢዩ

2017-11-12 20:55:21 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 2776 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ትምህርቲ ኣብ ኤርትራ፡ ካብ ጥንቲ ጥቅምቲ ጀሚሩ ናይ ብሕትን ናይ መንግስትን ኢዩ ኰይኑ ጸኒሑ። ኣብ ናይ ብሕቲ ትምህርቲ ድማ፡ ሃይማኖታዊ ትምህርቲ ይውሃብን ትምህርቲ ብጸሎት ይኽፈትን ምንባሩ ኩሉ ዝዝክሮ ኢዩ። ከም ኣብነት ካብ’ቲ ብዙሕ ብሕታዊ ኣብያተ-ትምርህቲ፡ እንዳ ማርያም፡ ኮምቦኒ፡ ቤት ትምህርቲ ወንገላዊት ቤተ-ክስርስትያን፡ ድያእ ኣልእስላምያ፡ ጃልያ፡ ላሳለ፡ ቦተጎ …ወዘተ ምጥቃስ ይከኣል። ናይ ብሕቲ ኣብያተ-ትምህርቲ ገንዘብ እናኸፈልካ ትምሃረሉ ኣብያተ-ትምህርቲ ስለዝነበረ፡ ብድሌትካ እምበር ተገዲድካ ኣትኣትዎ ኣይኰነን። እንዳ ሃለቃ፡ ኸላዋ፡ ዝብሃሉ ህጻናት ፊደላት ዝቖጽርሎምን ሃይማኖት ዝምሃርሎም ታሕተዎት ደረጃ ኣብያተ-ትምህርቲ እሞ ከኣ ኣብ ዝኸድካዮ ክባቢ ኢዩ ዝኽፈት ነይሩ።

ኣብ’ዘን ኣብያተ-ትምህርቲ እዚኣተን ተማሂሮም፡ ንህዝቦም ዓቢ ኣበርክቶ ዝገበሩን ኣብ ሰውራ ኤርትራ ተኻፊሎም ዝመርሑን ዝተዋግኡን፡ ደሞምን ርሃጾምን ዝኸፈሉን ውሑዳት ኣይኰኑን። ኣብ’ዘን ኣብያተ-ትምህርቲ ተማሂሮም፡ ንሓድነት ናይ ህዝቦምን ሃገሮምን፡ ንፍቕርን ሰላምን ህዝቦም፡ ንልምዓትን ግስጋሰን ሃገሮም እተበጀዉ ቅድሚ ሰውራ ኤርትራ ይኹን ድሕሪኡ ዝነበሩ ኤርትራውያን ብዙሓት ኢዮም።

ናይ ሃይምኖት ትምህርቲ ኣይተሃቡ፡ ኣዋልድን ኣወዳትን ተሓውዊሶም ይምሃሩ፡ ማዕተብ ወይ ሕጃብ ወይ ካልእ ምልክታት ኣይትግበሩ ዝብል መምርሒታት ደኣ ሎሚ እንታይ ኣምጽኦ?

እቲ ጸገም፡ እቲ ስርዓት ኢሳያስ ዝኽተሎ “ማሕበራዊ ምትዕርራይ)” (social engeenering) ወይ ድማ ሓድሽ ወለዶ ብሓድሽ ባህሊ ዝብል ማሕበራዊ ፖሊሲኡ ኢዩ። ኣብ ኣስመራ ምስ ኣተወ፡ ቅድም ቀዳድም፡ ኣብ ትሕቲ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጕዳያት ኰይኑ፡ ንሃይምኖታዊ ትካላት ዝቆጻጸር ብድራጎን ሃይለመለኮት ዝምራሕ ትካል ኢዩ ኣቚሙ።

እዚ ዝቕጽሎ ዘሎ ፖሊሲ ናይ ማሕበራዊ ምትዕርራይ፡ ሕጂ ዘይኰነስ፡ ኣብ መዋእል ብረታዊ ተጋድሎ ኢዩ ጀሚርዎ። ተወደብ ዝብል ናቱ ናይ ትግርኛ ናይ ኣሰዓስዓ ሓድሽ ባህሊ ከታኣታቱ ፈቲኑ፣ ተጋደልቲ ንኽመራዓው፡ ዝተማእከለ ናይ ዝምድናን መርዓን ፖሊሲታት ሓንጺጹ (ካብ መጽሓፍ ተጋ/ የማነ ተኽለገርግሽ)፡ ኣብ ኣብያተ-ማእሰርቱ፡ ኣብ ኣተሓሳስባ፡ ኣብ ባህልን ልምድን ናይ ኤርትራ ዘይነበሩ ናይ ዓዛብን ስቅያትን (torture) ኣገባባት ኣትኣታትዩ፣ ንኤርትራ ድማ፡ ምብራቕ፡ ምዕራብ፡ ሰሜንን ደቡብን ኢሉ ይኸፋፍላ ነይሩ። ድሕሪ ናጽነት ድማ፡ ንኣውራጃታት ኤርትራ ቆራሪጹ ናብ 6 ዞባዊ ምምሕድዳራት ከፋፊልዋ። ንሕጊ እንዳባ፡ ብሕጊ ናይ ህግዲፍ ተኪኡ፡ ንቅዋም ቀቲሉ፡ ንህዝቢ በቲ በብእዋኑ ዝቀያየርን ነንሓድሕዱ ዝገራጮን ኣዋጃቱ ይመርሖ ኣሎ።

ተምሃሮ፡ ከም’ታ ኢሳያስ ተመሃራይ እንከሎ ዝገብራ ዝነበረ ሰላማዊ ሰልፊ መታን ክይገብሩ፡ ኣብ ሳዋ ትምህርትን ወተሃደራዊ ታዕሊምን ብምድውዋስ (regimentalize)፡ ንስርዓት ኢሳያስን ዕላማታቱን ምእዙዛት ዝዀኑ ወለዶ ክሃንጽ ይጽዕር ኣሎ። ነታ ዝነበረት ሓንቲ ዩኒቨርስቲ ፋሕ ኣቢሉ፡ ኣበየ ቦታኡ ብወተሃደራቱ ዘምሓድሮ ኮለጃት ክሃንጽ ድማ ተራእዩ።

ህዝቢ ኤርትራ፡ ሃይማኖታዊ ሕብረተ-ሰብ ኢዩ። ሃይማኖት፡ ሓደ ካብ ክብርታቱ ስለዝዀነ ድማ፡ ንእሽቶ ንዓቢ፡ ውሉድ ንወለዱ ኣኽቢሩን ኵሉ ሃይማኖታት ነንሕድሕዱ ተኸባቢሩን ክኸይድ ጸኒሑ። ብዕድመ ብዓል ጸጋ ዝዀኑ 93 ዓመት ዝዕድሚኦም ኣቦና ሓጅ ሙሳ መሓመድ ኑር፡ ብባህልን ልምድን ህዝቢ ኤርትራ ተመልሚሎም ዝዓበዩ ኤርትራዊ ኢዮም። ነዛ ካብ 1969 ኣትሒዛ ንህዝቢ ኤርትራ ትምህርታዊ ኣገልግሎት ክትህብ ዝጸንሐት ቤት ትምህርቲ ኣልድያእ፡ (ቤት ትምህርቲ ስታዝ በሺር) ድማ ከም’ቶም ቀዳሞት፡ በቲ ዝዓበይሉን ዝተማህርሉን ኣገባብ ገይሮም ኢዮም ክመርሕዋን ከመሓድርዋን ጸኒሖም። ስለዝዀነ ድማ፡ ኣብ ግዜ መግዛእቲ እውን እንተኾነ፡ እዛ ቤት ትምህርቲ ትኹን እተን ካልኦት ኣብያተ-ትምህርቲ ብገዛእቲ ሓይልታት ኣይተተንከፋን።

እቲ ጸገም እምበር፡ ፖሊሲ ናይ ስርዓት ህግዲፍ ደኣ’ምበር እተን ናይ ብሕቲ ኣብያተ-ትምህርቲ ኣይኰናን። ጳጳስ ኣውሪዱ ጳጳስ ዝሸይም ዘሎ፡ ንካቶሊካዊት ቤት ትምህርቲ ዘርአ ካህናት ናይ ከረንን ቤት ትምህርቲ ካተድራለ ናይ ኣስመራን ዝዓጸወ፡ ሕጂ ድማ፡ ንቤት ትምህርቲ ድያእ ኣልእስላምያ ክዓጹ ዝደናደን ዘሎ እቲ ስርዓት ኢዩ። ስርዓት ኢሳያስ ደኣሉ ኣብ ሃይማኖታዊ ጕዳያት ኢዱ እናእተወ፡ ንክብርታት ህዝብና ዝግህስ ዘሎ እምበር፡ ኣብያተ-ትምህርትና ኣይኰናን ንህይወት ህዝብና ዝዘርጋ ዘለዋ።

ሎሚ “ሰላምን ጸጥታን ዘውሓሱ ክብርታት” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ካብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ተወሲዱ፡ ኣብ መርበብ መስከረም.ነት ዝተሰቕለ ርእሰ-ዓንቀጽ ኣንቢብና። ንሱ ድማ፡ ከም’ዚ ዝስዕብ ዝብል ኢዩ። ኣይግዛእን፡ኣይጸዓድን፡ኣይዋረድንምባል፣ምክብባር፡ምትሕልላይ፡ሓድነት፡ስኒትንውህደትን፣ትብዓት፡ተወፋይነት፡ሓርበኝነትንመስዋእትነትን፣ስራሕ፡ዓያዪነት፡ኣፍራይነትንተበላሓትነትን፣ጽንዓትኣብገጽፈታኒብድሆታት. . ሕላገትክብርታትንምስጢርዓወታትንናይዚህዝቢእዮም ይብል።

እዚ ብሓቂ እምነት ናይ’ቶም ጽሓፍቱን ለጠፍቱን እንተደኣ ኰይኑ፡ ን”ካብ 100 ኣይበዝሑን ኢሎም” ዝገልጽዎም መሰልና ተጋሂሱ ኢሎም ናብ ጽርግያ ወጺኦም ሰላማዊ ሰልፊ ዝገበሩ ህጻናት ብተዅሲ ምብታኖም እንታይ ኣድለየ። ነቶም ርእይትኦም ብሰላማዊ ሰልፊ ዝገልጹ ዝነበሩ ተቐቢልካ፡ ሕቶታቶም ሰሚዕካ መልሲ ምሃብ ስለምንታይ ኢዩ ዘይተኻእለ? ብረት ስለ ዝነበሮም ድዮም መንግስቲ ፈሪሕዎም? ወይስ ነታ በዚ ኣብ ላዕሊ ተጻሒፉ ዘሎ ዓንቀጽ እትልለ ኤርትራ እዞም ሰባት ብሓንቲ ለይቲ ዘሪጎማ ከይሓድሩ ስለ ዝፈርሐ ኢዩ?

እቲ ኣብ ርእሰ-ዓንቀጽ ዝተጻሕፈን ብግብሪ ዝተወስደ ስጕምትን ዝሳነ ኣይኰነን። ከበሮን እግርን ዘየሳኒ በነይኑ ኰይኑ። ካብ’ዚ፡ ንህዝቢ ብሃይማኖትን ብኣውራጃን እናኸፋፈልካ ክትመርሕ ምፍታን፡ ዝኸፍእን ዘነውርን ተግባር ድማ የለን።

ኣብ መደምደምታ፡ ህዝቢ ኤርትራ በዚ ናይ ስርዓት ህግዲፍ ከፋፊልካ ግዛእ ዝብል ፖሊሲታት ከይተደናገረ፡ ሓድነቱን ናይ ሕድሕድ ምክብባሩን ዓቂቡ፡ ነቲ ኣብ’ዚ ኵሉ ጸገማት ዘውደቖ ስርዓት ኣልጊሱ፡ ህዝቢ ብሰላም፡ ስኒት፡ ግዝኣተ-ሕግን ፍትሕን ዝነብረላ ቅዋማዊትን ዲሞክራስያዊትን ኤርትራ ንምህናጽ ፋሕ ኢሉ ዘይኰነ ተወዲቡ ክቃለስ መድረኽ ይጽውዖ ኣሎ።

Last modified on Sunday, 12 November 2017 22:04